ድለ

ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኮንጐን ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኮንጐን 

ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኮንጐን

እዚ እቲ ዕለት 3 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ኣብ ብራዛቪል ዝተሓንጸጸ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘተግብር ናይ ስምምዕ መቓን 18 ዓንቀጽ ዘለዎን ቤተ ክርስቲያንን ብተቕዋማታን ኣቢላ ኣብ ኮንጐ እተካይዶ ተልእኾ ዝውሕስ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተልእዀኣ ኣብ ረፓሊካዊት ኮንጐ ንኸተካይድ ውሕስነት ዝህብ ነቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኮንጐ ኣብ ብራዛቪል ዝተፈጸመ መቓን ክሌኣዊ ስምምዕ ብውግዒ ተፈጻምነቱ ዘበግስ ስምምዕ ዕለት 2 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተበጽሔ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 2 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻድ ጋላገርን ናይ ረፓብሊካዊት ኮንጐ ናይ ወጻኢ ርክባትን ምትሕብባርን ጉዳይ ሚኒስተር ዣን ክላውደ ካንጐ ኣቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ፈሪሞምን ናይ ስምምዕ ፍርርም ሰነዳት እውን ከምእተለዋወጡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እዚ እቲ ዕለት 3 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ኣብ ብራዛቪል ዝተሓንጸጸ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘተግብር ናይ ስምምዕ መቓን 18 ዓንቀጽ ዘለዎን ቤተ ክርስቲያንን ብተቕዋማታን ኣቢላ ኣብ ኮንጐ እተካይዶ ተልእኾ ዝውሕስ ክኸውን እንከሎ፡ ክልቲኣተን ሃገራት ሉኣላውነታውነተን ብምክብባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብዘኽብር ኣገባብ ንናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ንዋታውን ረብሓን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ብምትሕብባር ከምዝዓያ ዘረጋግጽ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኮንጐን
03 July 2019, 17:10