Cerca

Vatican News
ናይ ር.ሊ.ጳጳሳት ሰሙን፡ ዜና ካብ ቫቲካን ብቋንቋ ላቲን ናይ ር.ሊ.ጳጳሳት ሰሙን፡ ዜና ካብ ቫቲካን ብቋንቋ ላቲን  

ናይ ር.ሊ.ጳጳሳት ሰሙን፡ ዜና ካብ ቫቲካን ብቋንቋ ላቲን

ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ ቋንቋ ላቲን ብቫቲካን ኣገልግሎት ዜና እውን ብምጥቃም ህያው ንምግባርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባላት ኰኑ ካልእቶ እውን ኣብ ቋንቋ ላቲን ዘለዎም ብቕዓት ንምዕባይን ክፍለጡዎ ንዝደልዩ ንምትብባዕን ዝሃቀነ

ዕለት 8 ሰነ 2019 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ፍርቂ መልቲ 12.32 ናይ ሓሙሽተ ደቓይቕ ዜና ብቋንቋ ላቲን ናይ ር.ሊ.ጳ. ሰሙን ዝብል መደብ ክጅመር ምዃኑ ንሕብር፡ እዚ መደብ’ዚ ብናይ ቫቲካን ነውስ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝህልው ኰይኑ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ቋንቋ ላቲን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈትን ብምትሕብባር ዝቐርብ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ብቫቲካን ራዲዮ ኢጣሊያ ዝመሓላለፈ መደብ ሰሙን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝብል ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ፈነወ ዜና ክኸውን እንክሎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳም ዝቐርብ ኰይኑ፡ ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅድስቲ መንበርን መርሓ ፍጻሜታት ዝሕብርን ምስቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽትታትን ስብከታትን ዓዋድን ሓዋርያውን መልእኽትታት ብትዊተር ማሕበራዊ መረብት ቅዱስነቶም ዝፍንውዎ መልኽቲ ብቋንቋ ላቲን ምስ ዘሰናድዎ ቤት ጽሕፈት ቋንቋ ላቲን ምብትሕብባር ዝፍጸም እዩ።

እዚ ኣብ ነፈሲ ወከፍ ቀዳም ብኣሰናዳእነት ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ዝቐርብ ኰይኑ፡ ፍርቂ መዓልት 12.32 ዝመሓላለፍ ኰይኑ ድግማ ናቱ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 17.30 (ሓሙሽተን ሰላሳን) ከምዝመሓላለፍ ንሕብር።

ናይ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣሰናዳኢ ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ እቲ ናይ ሓሙሽተ ደቂቕ ዛዕባ ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅድስቲ መንበርን መራሓ ፍጻሜታት ዘማእከለ ፈነወ ዜና ብቋንቋ ላቲን እውነተይናን ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ መደብ ፈነወ ዜና እዩ፡ እንክብሉ ገሊጾም፡ በዚ ሓድሽ መደብ ኣቢልና ይብሉ ቶርኒየሊ፡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ ቋንቋ ላቲን ብቫቲካን ኣገልግሎት ዜና እውን ብምጥቃም ህያው ንምግባርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባላት ኰኑ ካልእቶ እውን ኣብ ቋንቋ ላቲን ዘለዎም ብቕዓት ንምዕባይን ክፍለጡዎ ንዝደልዩ ንምትብባዕን ዝሃቀነ ምዃኑ ሓቢሮም።

ድሕሪ እቲ ናይ ሓሙሽተ ደቂቅ ፈነወ ሓበሬታ ብቛንቋ ላቲን ስዒቡ መንፈሰ ላቲን፡ ዘተ ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቋንቋ ላቲን ዝብል ናይ 23 ደቓይቕ መደብ ዝመሓላለፍ እውም ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ እዚ ዝስዕብ መደብ ቋንቋ ጣሊያን ዝጥቀም እውን እንተዀነ ናይ ቋንቋ ላቲን ውበትን ክብርን ዳግም ኣለሊኻ ናብ ምጥቃሙ ንምድራኽ ዝሕግዝ ብጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ፋቢዮ ኮላግራንደ ዝሰናደውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ቋንቋ ላቲን ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ የኔታ ዋልደማር ቱረክን በቶም ብኣኦም ዝምራሕ ቤት ጽሕፈት ኣባላትን ኣበርክቶ ዝፍጸም እዩ።

ናይ ር.ሊ.ጳጳሳት ሰሙን፡ ዜና ካብ ቫቲካን ብቋንቋ ላቲን
06 June 2019, 17:40