ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ግልግላዊ ኣቀታትላን ርእሰ ቅትለትን ንዅሉ ስዕረት እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ግልግላዊ ኣቀታትላን ርእሰ ቅትለትን ንዅሉ ስዕረት እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ግልግላዊ ኣቀታትላን ርእሰ ቅትለትን ንዅሉ ስዕረት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድሚኦም ዝነበሩ ተኸተልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣሰር፡ ደጋጊሞምን ኣበርቲዖምን ሕይወት ካብ ምጽናስን ክሳብ ባህርያዊ ሞትን ክኽበር ከምዘለዎ የተሓሳስቡ

ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብግልግላዊ ኣቀታትላ ብሞት ክትፍለይ ዝወሰነት ተወላዲት ነዘርላንድ ኖኣ ፓቶቨን ውሳኔኣ ከምእተፈጸመን፡ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ስቓይ ዝርከብ ንበይኑ ዘይምሕዳግን ቀረባኡ ምዃን እዩ እቲ ቅኑዕን ግብኡን መልሱ፡ ስለዚህ ግልግላዊ ኣቀታትላ ወይ ርእሰ ቅትለት መልሲ ክኸውን ኣይክእል፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክዀኑ እንከለዉ፡ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፓሊያ እውን ብወገኖም፡ ኤውሮጳ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድኽነት ትሳቐ ከምዘላን ኵላትና ብዝያዳ ብሑታትን ተነቀፍትን ንኸውን ከምዘሎና ዝምስክር ኵነት እዩ እንክብሉ ነቲ ኖዋ ዝወሰደቶ ስጉምትን ተግባርቱን ይትንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ግልግላዊ ኣቀታትላ ኰነ ድጉፍ ርእሰ ቅትለትን ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ስዕረት እዩ፡ መልሲ ክኸውን ዘለዎ ነቲ ኣብ sቓይ ዘሎ ሰብ ንበይኑ ኣብ ስቓዩ ዘይምሕዳግን ቀረባኡ ምዃንን ተስፋ ዳግም ንኽዕወት ምክንኻንን ምፍቃርን እዩ፡ እብክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኖኣ  ፓቶቨን ብጸሎት እናሓሰቡ ዕለት 5 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ኣብ ዝፈነውዎ መልእኽቲ ከምዝገለጹን፡ ሆላንዳዊት ኖኣ ጓል 17 ዓመት ንኽትመውት መሪጻን በቲ ድጉፍ ርእሰ ቅትለት ሙያተይናታት ብዝዀኑ ሓኻይም ብሕክምና ብዝተደገፈ ግልግላዊ ሞት ከምእተቐበለትን ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈለየት ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ስዕረት እዩ።

ሰብ ከም ተረፍ መረፍ ዝድርብይ ባህሊ ኣይፋል ምባል

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድሚኦም ዝነበሩ ተኸተልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣሰር፡ ደጋጊሞምን ኣበርቲዖምን ሕይወት ካብ ምጽናስን ክሳብ ባህርያዊ ሞትን ክኽበር ከምዘለዎ የተሓሳስቡ፡ ብፍላይ ብዛዕባ ግልግላዊ ኣቀታትላን ከምኡ እውን ድጉፍ ርእሰ ቅትለትን፥ ንኣባይቲ ስድራን ዓለምን ዓቢይ ስግኣት እዩ እንክብሉ ኣመልኪቶም፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ግልግላዊ ኣቀታትላን ድጉፍ ርእሰ ቅትለን ብሕጊ ፍቑድ ከምዝዀነን፡ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣጽኒዓ ትግባሬ እዚ ናይ ሞት ባህሊ ትቃወሞን ነቶም ንህሙማን ኣባላት ስድራ ቀረባ ብምዃን ንህሙማን ኣረጋውያንን ኣባላታ ንእትከናኸን ስድራ ቤት ቀረባ ኰይና ምድጋፍ ግዴታኣ እዩ፡ (ናይ ፍቕሪ ሓሴት, 48 ረኣ)፡ ናይ ሞት ባህልን ነጻግን ሰብ ከም ተረፍ መረፍ ዝድርብይ ባህሊ ፈጺሙ ናይ ስልጡን ባህሊ ምልክታ ወይ መግለጺ ክኸውን ኣይክእል፡ ናይ ጥንጣኖ ምልክታን ዘይቅኑዕን ምልክታ ናይ ሓሶት ቡቕባቔ እዩ። ንዝሳቐይ ቀረባ ምዃንን ኣብ ጐድኑ ኴይንካ ምድጋፍን እዩ ዘድሊ። ስልጣኔ እዚ እዩ።

ዳግማይ ርኽበት ንናይ ሕይወት እውነተይና ትርጉም

ቃንዛን ስቓይን ናይ ሕይወት ትርጉምን ሞትን፥ ክውንታውያን ክነሶም እዋናዊ ኣተሓሳስባ ብምሉእ ተስፋ ብምስትውዓል ንኽገጥሞ ዝደኸመ እዩ ዝመስል፡ ወይ ከኣ ብዘይ ዝድግፎ እሙን ተስፋ ስቓይን ሞትን ክገጥም ዝወጣወጥ እዩ፡ ሰብ ኣብ ቅድሚ መጻኢኡ እሙን ትጽቢታት ዓቂቡ ብሰናይ ምንባር ዝተሳእኖ ኰይኑ ኣሎ፡ እዚ እቲ ሓደ ቤተ ክርስቲያን ንእዋናዊ ሰብ፥ እቲ ቀረባ ዝኸውንን ኣብቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ኢየሱስ ምልኣተ ትርጉም ሕይወት ከምዘሎን ዋላ ኣይወጾን እየ ቢሉ ንዝሓስብ እውን ሓደስቲ ትጽቢታትን ሓደስቲ ደረት ትርኢትን ዝኸፍት ምዃኑ ዝምስክር ኣገልግሎት ንኸተቐርብ ዝተጸውዔት እያ።

ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኖኣ ፓቶቨን ብውሳኔኣ ዝተፈጸመ ድግፉ ርእሰ ቅትለት ኣደጊፎም ምስ ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ኣቐዲመ ንኖኣ ኣብ ኢድ እቲ ጠሪሹ ዘይጥንጥን እግዚኣብሔር አወክፍ፡ ንኣኣን ንመላእ ስድራ ቤታን፡ ድሕሪ ብዙሕ ስቓይ ‘ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣልቦ ሸውሃን ቃዝኖትን …. ናብ ካልእ ፍጻሜ ስቓይ’ ….. እዚ ኩሉ ሓደ ዓቢይ ሕቶ እዩ ዘቕርብ፡ ሓደ ሕብረተሰብ ኣብቲ ብቐጻሊ ክግለጽ ዘይተኻእለ እውን እንተዀነ ናይ ፍቕሪ ሕቶ ኣብ ዘቕርብ ኵነት ፊት፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘሕለፈቶን ዝነበረቶን ከቢድን ዝተፈላለየ ዘሕለፈቶ ጽንኩር ኵነት ድጋፍ ዘይምቕራብ ከመይ ገይሩ እዩ ክኡል ገይሩ ዝሓስቦ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ …. ንሕብረተሰብ ኤውሮጳ ብፍላይ ስዕረት እዩ፡ ምዕብልቲ እውን ትኹን ሎሚ ዓምራሪ ብዝዀነ ብሕትውነትን በይናውነትን ኵነት ተኸቢባ ኣላ፡ እቲ ብዕድመ ዝደፍኤ ወለዶ ይኹን እቲ ዝበጽሔ ወለዶ ንመንእሰይ ብርቱዕ ተስፋ ምቕራብ ዝተሳእኖ ኰይኑ ኣሎ፡ እዚ ካብ ቀደም ዝሃብተምና ይኹን ደኣ እምበር ወትሩ ኣብ በይናውነትን ብሕትውናን፡ ንርከብ ብዝገደደ ተኣፋፍያን ኰይንና ኣሎና፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝጸውዕዎን ዝተኻየደን ብዛዕባ መንእሰያት ዝመኸረ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ፡ ‘መንእሰይ ወለዶ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ውዕዉዕ ሓይሊ ዘየጥፍእ ካብቲ በጽሒ ወለዶ ነቲ ናይቲ መንእሰይ ውሳጣዊ ሓይሊ ከምዘለዎ ከስተውዕል ዝድግፍ ቅርበት ክረክብ ኣለዎ’ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ከይተሰምዔ ከይተርፍ ተስፋ እገብር ኢሎም።

ንመንእሰይ ኖኣ ሓደ ዝሕግዛ ሰብ ከመይ ቢሉ እዩ ዝተሳእነ፡ ብዙሕ ግዜ ባዕላ፥ ኣብ ሆላንድ ነቲ ከምቲ ናታ ዓይነት ጸገም ዘለዎም ሰባት ዝከናኸንን ካብቲ ዘጓነፎም ስቓይ ንኽላቐቑ ዝድግፍ ትሕቲ ቅርጺ ከምዘየለ ኣምሪራ ተቃልዕ ነይራ እያ፡ ብርግጽ ንሓደ ሰብ ኣብ ስቓዩ ቀረባ ኴይናካ ካብ ምድጋፍ ምቕንጻሉ ይቐልል፡

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ፥ ናይ ሆላንድ ኵነታት ብቐረባ ኣይፈልጦን፡ ይኹን ደኣ እምበር፡ ኣብ ናይ መንእሰይ ዕድመ ዝርከብ ክፍሊ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ርእሰ ቕትለት ካብ ዝፍጽሙ ብጠቕቕላላ እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ ዝሽፍን እትሓቁፍ ምዃና ይንገር፡ እዚ ናይ ስግኣትን መጠንቀቕታን ደወል ምዃኑ እዩ ክልለይ ዘለዎ፡ ኣክንዲ ርእሰ ቅትለት ፈጺሞም እናተባህለ ዘይሕለፈ ክንየው ክውንታነት ዝቐርብ ሕቶ እዩ፡ ኤውሮጳ ድሮ ኣሪጋ እያ ዋሕዲ ውላድ የጥቅዓ ኣሎ፡ ነቲ ዘለዋ ውሑድ መንእሰይ ክትከናኸን እውን ዘይትኽእል ኰይና ኣላ፡ … ናይ ሕውነታውነትን ፍቕርን መጻእን ለውጥን ናይ ሓባር ረብሓ ዘማዕድው ሕዳሴ ትጽቢታትን ዝብል ሶውራ የድልያ፡ እንተዘይኰይኑ ልክዕ ከምቲ ንኖኣ ዘጋጠማ፡ መእሰያታት ኣዚዮም ተነቀፍቲ እዮም ዝዀኑ፡ እቲ ኖኣ ዝወሰደቶ ውሳኔ ንዅላትና ናይ ሕሊና ሕቶ እዩ ክኽውን ዘለዎ።

ኖኣ ንዅላትና ዓቢይ ሕቶ እያ፡ ሓንቲ መንእሰይ ሞት መሪጻ ግልግላዊ ምቕታል ኣብ ልዕሌኣ ክፍጸም እናረኣኻ ከመይ ገርካ እዩ ሱቕ ዝበሃል፡  ኣብዚ ምዕቡል እንብሎ እዋን ካብ ቀደም ሕብረተሰብና ናይ ሕይወት ማዕዝን ስሒቱን ትርጉም ሕይወት ዘጥፍኤን ናይ ገዛእ ርእሱ ስቓይ እውን ትርጉም ክረኽበሉ ዝተሳእኖ ከይኑ ብጥልቂ በይናውነትን ሕጽረት ፍቕርን እዚዩ ዝጥቃዕ ኰይኑ ይርከብ ኣሎ …

እዚ ክንየው ባህልን ሰብኣውነትን ብገዝእ ኢንድና እንሓንጾ ዘሎና ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ዓቢይ መንፈሳዊ ድኽነት ዝሕብር ስእሊ እዩ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ እናንሰሓብካ ናብቲ ጥልቂ በይናውነት ዘብጽሕ ደሓር ናብ ቃዝኖትን ብስነ ሕክምና ክፍወስ ናብ ዘለዎ ዓይነት ቃዝነትን ዘብጽሕን እዚ ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ማሕበራውን መዋቕራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ቆላሕታ ክግበረሉ ናብ ዝግብኦን ኣብቲ ብዘሕዝን ደረጃ ነቲ ናይ ሕይወትና ኣካል ዝዀነ ውስንነት ንኸስተውዕል ብዘይድግፍ ቁሳውነት ኣብ ምንባር ዘስዕቦ ዘሎ ዓቢይ ጸገም እዩ፡ ሕይወት ሓንጐፋይ ቢልካ እትቕበሎን እትከላኸሎን እትዕቅቦን እተሰንዮን እዩ፡ እቲ ናይ ሞት ዓውዲ ናትና ኣይኰነን፡ ናትና ዓውዲ ንምንባር ምፍቃርን ኣብ ምንባር ምድጋፍን እዩ፡ እዚ ፍቕሪ እዚ እንተድኣ ብርቱዕ ኰይኑ፡ ናይ ማንም ሕይወት ንምሕጻርን ንምዅላፍን ፈጺሙ ንዘይምድጋፍ እዩ ዘጽንዕ፡ እምበር ንምቕታል ደግፍ ዘይብል፡ ሞት ሰብኣውነት ዝሓልፎ ባህርያዊ ኵነት ምዃኑ ክስትውዓል ዝገብር እዩ፡ ፍቕሪ ካብ ስቓይን ካብ ሞት እውን ከይተረፈ ኣዚዩ ዝበርትዔ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ግልግላዊ ኣቀታትላን ርእሰ ቅትለትን ንዅሉ ስዕረት እዩ
06 June 2019, 17:24