ድለ

ሮማኒ፥ ኣብ ናይ ባህሊ ሰረት ቅዱስ ኣቦና ንዓሌት ሮማኒ ምሕረት ይሓቱ ሮማኒ፥ ኣብ ናይ ባህሊ ሰረት ቅዱስ ኣቦና ንዓሌት ሮማኒ ምሕረት ይሓቱ 

ሮማኒ፥ ኣብ ናይ ባህሊ ሰረት ቅዱስ ኣቦና ንዓሌት ሮማኒ ምሕረት ይሓቱ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ቅድሚኦም ብዝነበሩ ኣርእሰት ሊቃነ ጳጳሳት ዝተሓንጸጸ ፍኖት ስዒቦም፡ ብግልጺ ምሕረትን ይቕረታን ይሓቱ

ብግብረይ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሩማኒያ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምስ ዓሌት ሮም ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ተራኺቦም ከምቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዝፈጸመዎ ምሕረት ሓቲቶም።

ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ - Andrea Tornielli

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን  

እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ  ሩማኒያ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምስቶ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ኤውሮጳ ናይ ኣድልዎን ተነጽሎን ኣደዳ ዝዀኑ ዓሌት ሮማኒ ተራኺቦም ዝተደግመ ምሕረትን ይቕረታን ዝብል ቃል ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝነበረን ካብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን እናጸንዔ ዝመጽእ ዘሎ ማሕበረ ክርስቲያን ይኹን ካቶሊካውያን ናይቲ ዝተፈጸመ ግብረ እከይ ኣይምልከተንን ክብሉ ከምዘይክእሉን ዝብል ኣመክንዮ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ኣንድሪያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ የመልክቱ።

ዕለት 26 መስከረም 1965 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ፖመዚያ ኣብ ዝርከብ ናይቶም ዓዲዓዲ ዚዞሩ ዓሌት ሕዝቢ ሮማኒ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስፖርት ሜዳ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ንስኻትኵም ንቤተ ክርስቲያን ወጻእተይናን ጓኖትን ኣይኰንኩምን፡ ንስኻትኩም ኣብ ልብን ማእከልን ቤተ ክርስቲያን ኢኻትኵም፡ ስለምንታይ በይንኹም ስለ ዝዀንኩ ንሳ ምሳዅም ከምዝበሉን ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሮማኒ ዝወረደ ግፍዕን ጸቕጥት ኣሳዶን እውን ከምዝዘከሩን፡ ዋላ’ኳ ምሕረትን ይቕረታን ዝብላ ቃላት እይድገሙ በቲ ዝፈጸምዎ ተግባር ስዒቡ ብዝተፈላለዩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ታሪኽ ኣብ ዝተፈጸመ ጸረ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ምኽንያት ንዝተደግመ ቃል ምሕረትን ይቕረታን ዘአንፈተ እዩ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ኣብ 2000 ቅዱስ ዓመት፥ ኣብ ገለ ገለ እዋን ክርስትያን ብትዕቢትን ንምዕፋን ብዝብል ድላይን ጽልእን ተማዒዶም፡ ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ስደተይናታትን ዓሌት ሮማኒን ምኽንያት ክርስቲያን ቃል ምሕረትን ይቕረታ ክደግሙን ክጠዓሱን ኣይፍርሑን ከምዝበሉን ኣብ 2011 ዓ.ም. ወርሒ ሰነ ዕለት 11 በነዲክቶስ መበል 16 ንዝተፈላለዩ ናይ ሮማኒን ዓዲዓዲ ዝዞሩ ዝተፈላለዩ ዓለት ሮማኒን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ኣብ ነዊሕ ናይ ታሪኽ ዘመን ስቓይን ተቐባልነት ናይ ዘይምርካብ ምረትን ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ኣሳዶን ዝወረደኵም ኢኻትኩም እንክብሉ ኣፍልጦ ብምሃብ ናይ ኤውሮጳ ሕልና ክርስዖ ዘይኽእል ብዙሕ ስቓይን መከራን! ህዝብኹም ናይ ንጽገትን ንዕቀትን ወጽዓን ኣደዳ ኰይኑ እዩ ቢሎም ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓሌት ሮማኒን ኣብ ኤውሮጳ ዓዲዓዲ እናተንቀሳቐሰ ዝነብር ዝወረደ ግፍዕን በደልን ኣፍልጦ ይህቡ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ቅድሚኦም ብዝነበሩ ኣርእሰት ሊቃነ ጳጳሳት ዝተሓንጸጸ ፍኖት ስዒቦም፡ ብግልጺ ምሕረትን ይቕረታን ይሓቱ፡ ኣብ 2015 ዓ.ም.  ኣብ ቻፓስ ኣብ ቅድሚ ኢንዲዮስ ብዝብል መጽውዕ ስም ዝፍለጡ ደቀባት ወይ ቀደምቲ ተወለድቲ ተረኺቦምን ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ብዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምኽንያትን ናብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ዘርእስታ መልእኽቶም ከም ማሕበረሰብ መክብባዊ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ክንርከበሉ ዝግብኣና ቦታ ዘይምርኻብናን ነቲ ግብረ አከይ ኣቐድሚና እቲ ከስዕቦ ዝከኣል ዓቢይን ጥልቅን ክበርስ ዘይኽእል ስቓይ ፈሊጥና ስጉምቲ ብዘይ ምውሳድና ዓቢይ ሕፍረት ጣዕሳን ይስምዓና ከምዝበሉ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ።

እቲ ናይ ምሕረትን ይቕረታን ናይ ምሕታት ጉዕዞ ስቓይ ዘይብሉን ቀሊል ጉዕዞ ኣይኰነን፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣሰር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ኣሰር ጳውሎስ ሻድሻይን ስዒቦም ብዘቕርብዎ ዝነበረ ሕቶ ምሕረትን ይቕረታን ምኽንያት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ንዝተፈላለየ ህየሳ ተቓልዖም እዮም፡ ኣብቲ ነዊሕ ናይ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ዘመኖም ብምኽንያት ናይ መስቀል ውግእን፡ ኣብ እዋን ምልካውያን ስርዓት 1900 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ዓመጽን ህልቂትን ምልካዊ ስርዓት ከም ቅቡል ገርካ ምንባርን ምግምማዕ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ጋሊለዮ ቤተ ክርስቲያን ዘመሓላለፈቶ ፍርድን ናይ ሃይማኖት ውግእን ኣብ ልዕሊ ደቀባት ኢንዲዮስን ኣፍሪቃውያንን ዝተፈጸሙ በደላትን ኩሉ ይዝርዝሩ፡

ንክርስቲያን ምሕረትን ይቕረታን ምሕታትን ሓጢኣተይና ምዃንካ ምእማንን ቀጻሊ ምንጻሕ ዘድልይ ምዃኑ ምፍላጥ ንቡርን እወታውን እዩ፡ በደልን ሓጢኣትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ ይዅን ደኣ እምበር ቤተ ክርስቲያን ንናይ ወንጌላዊ መልእኽቲ ምሕረት ብምርዳእን እምንቲ ብምዃን ናይቲ ዝተፈጸመ በደልን ክፍኣት ምስትውዓል ክህሉ ትድግፍን ናብ ምሕረትን ይቕረታን ተቕርብ፡ ብርግጽ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጸመ በደል ብናይ ሎሚ ተመሳጥነትን ግንዛበን ክረአይ የብሉን ብምባል ምሕረትን ይቕረታን ምሕታት ኣየድልን ዝብሉ ኣለዉ፡ እቲ ሚዛን ምሕረትን ይቕረታን በዚ ኪደት ዝዕቀን ነይሩ እንተዝኸውን ነቢያት ንዘቕርብዎ ዝነበረ ጻውዒት ሰማዒ ክስእኑን ኢየሱስ እውን ኣብ ጐድኒ ሕዙናትን ዝስደዱን ድኹማትን እምበር ኣብ ጐድኒ ኣሳደድቲ ዘይምዃኑ ምስቲ ናይቲ እዋን ታሪኽ ዝተገናዘበ እዩ ቢልካ ሎሚ ዕሽሽ ክትብሎ ማለት እዩ፡ እቲ ሚዛን ግና ንሱ ኣይኰነን፡ ጴጥሮስን ንኢየሱስ ክከላኸል ቢሉ ሰይፉ መዚዙ ናይቲ ናይ ሊቀ ካህናት ወተሃደር እዝኑ ምስ ቆረጾ ኢየሱስ ብተኣምሩ ነታ እዚኒ ናይቲ ወተሃደር ፈዊሱ ንጴጥሮስ ሴይፍካ ናብ ሰገባ ምለሳ እንክብል ይእዝዞ። ንዝበደሉኻ እውን ይቕረ በል እዩ ዝብል። እንክብሉ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

ሮማኒ፥ ኣብ ናይ ባህሊ ሰረት ቅዱስ ኣቦና ንዓሌት ሮማኒ ምሕረት ይሓቱ
03 June 2019, 17:17