ድለ

ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ልሂቅ ር.ሊ.ጳጳሳት ዝብል መጸውዕ ስሞም ዘብርህ መጽሓፍ

እቲ ብቤት ማሕተም ኣራክነ ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዔ መጽሓፍ፡ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ሕዝባዊ ባይቶ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ንኡስ ኣዳራሽ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽን ታሪኽ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ካቶሊካውነትን ዝግደሱ ተመራመርትን ናይ ታሪኽ ሊቃውንትን ጋዜጠይናታትን ኣብ ዝተረኽብሉ

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ጽን በሃላይ ጸሎት ነቒሎም ብገዛእ ርእሶም ፍቓድን ድላይን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ዝሓደጉ ታሪኽ ምኽንያቱንን ትርጉሙን እውን ዘረድእ ሮሳሪዮ ቪታለ ዝደረስዎ መጽሓፍ ንንባብ ከምዝበቕዔን፡ እዚ መጽሓፍ ካብ ታሪኽ ር.ሊ.ጳ. ቸለስቲኖ ሓምሻይ ነቒሉን ክሳብ በነዲክቶስ መበል 16 ዝበጽሕን፡ ብገዛእ ፍቓዶም ተግባራዊ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ዘረከቡ ዘነጻጽር መጽሓፍ እውን ክኸውን እንክሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቪታለ ዝደረስዎ መጽሓፍ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ኣገዳስነት ዘለዎ መጽሓፍን ዓሚዩቕን ሓዋርያዊ ስልጣን ብገዛእ ርእስኻ ብፍላይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተግባራዊ ስልጣን ኣይ ብቑዕን ወይ ብዕድመ ምኽንያትን ይዅን ወይ ብኻልእ እውን፡ ነዚ ምኽንያት’ዚ ሃለዋት ብስነ ምርምር  ኣደጊፎም የቕርቡ፡ ብፍላይ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ልሂቕነት ብሰፊሕ የብርህ።

እቲ ብቤት ማሕተም ኣራክነ ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዔ መጽሓፍ፡ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ሕዝባዊ ባይቶ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ንኡስ ኣዳራሽ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽን ታሪኽ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ካቶሊካውነትን ዝግደሱ ተመራመርትን ናይ ታሪኽ ሊቃውንትን ጋዜጠይናታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ዕለት 25 ሰነ 2019 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቐዔ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ኢጣሊያ ሕዝባዊ ባይቶ ኣባል ክቡር ኣንድረያ ማንደሊ ኣብቲ እታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ብዘስምዕዎ መደረ ከምዘበገሱን፡ ጋዜጠይና ሉካ ካሩሶ፥ በነዲክቶስ መበል 16 ብገዛእ ፍቓዶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ይኣኽለኒ ምባሎም ታሪኽ ብሰፊሕ ዝትንትን መደረ ከምዘስምዑን፡ በነዲክቶስ ምበል 16 ር.ሊ.ጳጳሳዊ ስልጣኖም ኣረኪቦም ዝብል ዜና ኣቐዲመን ዘመሓላለፋ ናይ ኣንሳ ጋዜጠይና ጆቫና ኪሪ ክዀና እንከለዋ ስዒቡ ኣብቲ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ዝነበሩ ኣባ ፈደሪኰ ሎምባርዲ ብዝሃብዎ መግለጺ ከም ዘረጋገጽዎን ካብዚ ሓሳብ ተበጊሶም ከምዘብርሁ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኤውጀኒዮ ሙራሊ ይሕብሩ።

ናይቲ መጽሓፍ ቅደም መስርዓዊ ቅርጹ ኣብ ሰለስተ ምዕራፍ ዝቖመ ኰይኑ፡ ብገዛእ ፍቓድካ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣንካ ኣብ ኢድ ቤተ ክርስቲያን ናይ  ምርካብ ታሪኽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ዝትንትንን ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ፡ ናይ ቸለስቲኖ ሓምሻይን ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣን ኣብ ኢድ ቤተ ክርስቲያን ምኽንያታዊ ናይ ኣይፋለይ ውሳኔን ናብ ልሂቕነት ምስግጋርን ብምንጽጻር ዝትንትንን ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ እዚ ውሳኔ’ዚ ኣብ ሕገ ቅኖናን ስዒቡ ናይቶም ብገዛእ ፍቓዶም ስልጣኖም ዘረከቡ ር.ሊ.ጳ. መጸውዕ ልሂቅነት ዘማእከለ ምዃኑ ሙራሊ ኣፍሊጦም።

ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ልሂቅ ር.ሊ.ጳጳሳት ዝብል መጸውዕ ስሞም ዘብርህ መጽሓፍ
26 June 2019, 17:07