ድለ

ሓበሬታ ዛዕባ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ

ንጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፡ ታዕሊም ሓንሳብ ንሓዋሩ ዘይኰነስ ቀጻሊ መደብ እዩ፡ እዚ ጥንታዊ ዝዀነ ሓይሊ ጸጥታ በዓል ተልእዀ እዩ፡ እዚ ቅንጭብ ናይ ምስማዐ ርእየት ሓበሬታ

ታዕሊም ብዝብል ኣርእስቲ ዛዕባ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ዝድህስስ ኣብ ዝተፈነወ ሓጺርን ንጹርን ናይ ምስማዐ ርእየት ሓበሬታ፡ ኣብ ሕይወት ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ኣባላት ታዕሊምን መንፈሳውን ሕንጸት ብቋምነት ዝጠቓለል መደም ተነጺሩ ይርከብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅዱስ ኣቦና ጸጥታ ደሕንነትን ዘውሕስ ጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ምክልኻል ጸጥታን ጸሕህነትን ልዑል ብቕዓት ዘለዎ ኰይኑ ክርከብን ብእዋናዊ ኩነት ዓለምን እዚ ኩነት ብዝሓቶ ዓይነት ብቕዓትን ዝተሰናደወ ኰይኑ ክርከብ ካብ ዝወሃቦ ታዕሊም ማዕረ ማዕረ መንፈሳዊ ሕንጸትን እውን ዝጠቓለል እዩ።

ጸጥታን ደሕንነትን ውክልናን

ንጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፡ ታዕሊም ሓንሳብ ንሓዋሩ ዘይኰነስ ቀጻሊ መደብ እዩ፡ እዚ ጥንታዊ ዝዀነ ሓይሊ ጸጥታ በዓል ተልእዀ እዩ፡ እዚ ቅንጭብ ናይ ምስማዐ ርእየት ሓበሬታ፡ ስፖርትን፡ ገዛእ ርእስኻ ምክልኻልን ዝተወሃበካ ሓላፍነት ንምፍጻም ዘብቅዕ ታዕሊምን ዘጠቓልሎ ከምዝዝዀነ፡ ዝዀነ ይዅን ሃንደበታዊ ኵነት ንምብዳህን ንምቁጽጻርን ወይ ንምፍሻልን ዘኽእል መደባት ዘሳዅዔ እውን እዩ።

መንፈሳዊ መዳይ

ኣብቲ ታዕሊም ሓለዋ ጸጥታ ዘየቋርጽ መንፈሳዊ ሕንጸት ኣሎ፡ እዚ እምነት መሰረት ዝገበረ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዘለዎ እምነት ንምጽናዕ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ዝቐርብ መንፈሳዊ ሓልዮትን ትምህርተ ክርስቶስን ብማሕበርን እውን ዝንበር እዩ። ዝተፈላለዩ መደባት መንፈሳዊ ንግደት ናብ ቅዱሳት ስፍራን ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝሳለጥ ብናይቲ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላድ ኣበ ነፍስ ተመሪሑ ይካየድ።

ሰለስተ ክፍልታቱ

ናይ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ሕንጸት ሰለስተ ክፍሊ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ብሓደ ኣዛዚ  ጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ተሰንዩ፡ ንኣብነት ስፖርትን ትምህርቲ ቋንቋ ጣልያንን ፈረንሳን ከምኡ እውን ሕንጸት ኣብ ስነ ሙዚቃን ዝተሓወሶን፡ እዚ ኸኣ ማሕበረሰብነት ንምምዕባልን ማሕበራዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ሓይሊ ጸጥታ ንኽኸውን ዝድግፎ ምዃኑ ይንገር።

ሓበሬታ ዛዕባ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ
24 June 2019, 16:24