ድለ

ካርዲናል ቨርሳልዲ፥ ብዛዕባ ስነ ጾታ፡ መንነትና ከይከሓድና ንዘተ ስንድዋት ካርዲናል ቨርሳልዲ፥ ብዛዕባ ስነ ጾታ፡ መንነትና ከይከሓድና ንዘተ ስንድዋት 

ካርዲናል ቨርሳልዲ፥ ብዛዕባ ስነ ጾታ፡ መንነትና ከይከሓድና ንዘተ ስንድዋት

ብዛዕባ ስነ ጾታ ዝምልከት ኣብ ዝቐርብ መደብ ሕንጸትን ትምህርትን ንምዝታይ እዩ፡ እቲ ሰነድ ጠመቓዊ ሰነድ እውን እንተዘይኰነ፡ መንእሰይ ወለዶ ብዛዕባ ስነ ጾታ ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ብኸመይ ክህነጽ ከምዘለዎ ዝሕብርን ኣገባብን ሜላን እዩ

ኣብ ጉዳይ ስነ ሕንጸት መዳይ ኣዚዩ ኣገዳስን ሕጹጽን ኮይኑ ኣብ ዝርከብ እዋናዊ ዓለም ፖለቲካዊ ጽንሰ ሓሳብ ድዩ ወይ ርእዮተ ዓለም መሰረት ዝገበረ ትንታነ ስነ ጾታ ዘንብሮ ብድሆታትን ዛዕባ ሰብኣዊ ጾታን ዝምልከት ዝካየድ ዘሎ ዘተ ንምግጣም ዝድግፍ ናይ ካቶሊካዊ ስነ ሕንጸት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ ቨርሳልዲን ዋና ጸሓፍ ናይዚ ቅዱስ ማሕበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ዛኒ ክታም ዝተነብሮ ተባዕትን ኣንስትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ንናይ መደብ ሕንጸት ኣብ ስነ ጾታ ዝምልከቱ ሕቶታት ንምዝታይ ዝድግፍ ፍኖት ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብዎ ሰነድ ወግዓዊ ከምዝዀነን ጽማሬ ሓሳቡ ኣብ ናይ ትማሊ መደብና ኣቕሪብናዮ ከምዝነበርና ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ኣብ ካቶሊካዊ ስነ ሕንጸት ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ ሰነድ ኣደጊፎም ባዕሎም ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ ቨርሳልዲ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ብዛዕባ ስነ ጾታ ብዘይ ኣብ ጭርሖን ጸንፈይናውነትን ንዘተ ክፉታት ምዃን የድሊ፡ ንዘተ ክፉት ምዃን ማለት ግና መንነት ብምኽሓድ ማለት ኣይኰነን፡ በቲ ካብ እምነት ብዝምንጭው ብርሃን ዝጸዔን ዝበርሄን ኣመክንዮ መሰረት ክካየድ ዘለዎ እዩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ስነ ምርምራዊ እንኰ ሓሳብን ርእየትን ዓብላሊ ኣብ ዝዀነሉ ዘሎ እዋንን፡ እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ብጸቕጢ ንምስራጽ ዝካየድ ጻዕሪ ኣሎ፡ ይዅን ደኣ እምበር ናትና ኣመለኻኽታን ኣተሓሳስባን ክኽበር እውን ንሓትት፡ ዓብላልን ተዓብላልን፡ ብሓፈሻኡ ምልካዊ ርእየተ ዓለም ኣብ ኣተሓሳስባ ይዅን ኣብ ትምህርቲ ዓለም እውን ዝግለጽ ተቐባልነት የብሉን ኢሎም።

ብፁዕነቶም ናይቲ ሰነድ ዕላማ ከረድኡ እንከለዉ፡ ብዛዕባ ስነ ጾታ ዝምልከት ኣብ ዝቐርብ መደብ ሕንጸትን ትምህርትን ንምዝታይ እዩ፡ እቲ ሰነድ ጠመቓዊ ሰነድ እውን እንተዘይኰነ፡ መንእሰይ ወለዶ ብዛዕባ ስነ ጾታ ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ብኸመይ ክህነጽ ከምዘለዎ ዝሕብርን ኣገባብን ሜላን እዩ፡ ካብቲ ዘሎ ምድንጋራት ንኽድሕን መታን፡ እንኰ ኣመለኻኽታ ሽሕ ስነ ምርምራዊ እውን ይኹን ጨቕጢ ክኽውን ምፍታን ምልካውነት እዩ፡ ዘተን ጽን ምብህሃልን ምሕዳስን፡ እቲ ሰናይ ዝዀነ ግቡእ ግምት ንምሃብ ዝመርሕ ምዃኑ የብርሁ።

እቲ ናይ ስነ ካቶሊክ ትምህርቲ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ነቲ ሰነድ ንኸቕርብ መገዲ ዝሓበሮ እቲ ብፁዓን ጳጳሳት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ሓምሻይ ዓመት ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ሓዋርያዊ መንበርን ምርኻብ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዘካየድዎ ዘተን እዩ፡ እቲ ብዛዕባ ስነ ጾታ ዝምልከት ትምህርቲ ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ ክበሃል ይከኣል ይሰፍሕን ይቐርብን እውን ኣሎ፡ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስነ ሰብእን ሕንጸት ግዚኡ ዝሓለፎ ቢሉ ዝዛረብ ብምዃኑ፡ ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ዝቐረበ ሰነድ እዩ፡ ኣብ ስነ ጾታ ሕንጸት ዘተ ንምንቕቓሕ እምበር ምልካዊ እንኰ ኣመለኻኽታ ንምስራጽ ዝካየዱ ጐስጓሳት ዘቃልዕ እውን እዩ።

ብጭርሖኣዊ ወይ ብዕሙት እምነታውነት ዝተደርሰ ሰነድ ኣይኰነን፡ ኣመክንዮኣውን ስነ መጐትን ዝረገጸ እዩ፡ ኣመክኖዮኣዊ መስርዕ ዝኽተል ንምቕባሉ እውን ግድን ካቶሊክ ምዃን ዝብል ኣይኰነን፡ ሰብኣዊ ኣካል ከም በዓል ቤታውነት ናይ ገዛእ ርእሱ መንነት ዘራኽብ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝተማእከለ ሰነድ እዩ፡ ስለዚህ ዝሁም ወይ ሳልሳይ ዓይነት ጾታ ኣሎ ዝብል ዓይነት ዝቐርብ ዘሎ ስነ ትምህርቲ ዘቃልዕ እዩ።

እቲ ብስነ ምርምር ዝተረጋገጸ ተባሂሉ ዝቐርብ ኣብ መላእ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ዛዕባ ስነ ጾታዊ ትምህርቲ ህልዩን ኣብ ስነ ጾታ ኣማእኪሉ ዝካየድ ስነ ምርምርን መጽናዕትን ፈላሊኻ ምርኣይ የድሊ፡ ነቲ ህልዩ ንቃወም፡ ስነ ምርምራዊ መጽናዕቲ ግና ነተባብዕ እዚ ማለት ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእን ዘተን ክህሉ ብዝብል ሓሳብ እዩ፡ ናይ ሕጻናትን ናይ መንእሰያትን ሕንጸት ኣገዳሲ እዩ፡ ፍልልያት ምኽባር፡ ሃይማኖታዊ ዓሌታውን ፍቕራዊ ዝምባለን ኣካለ ጐደሎነት ዘስዕቦ ፍልልይ ምቕባልን እምበር ምኽንያት መጥቃዕትን ዓለቔይናነትን ክኸውን የብሉን። ስድራ ቤት ድዩ ሰብኣውነት ፈሰሳዊ ካብ ዝገብር ባህሊ ምጥንቃቕ የድሊ፡ ጾታዊ ፍልልያት ዝሓክኽን ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዘሰናኽልን እውን እዩ።

ኣብ ኣመክንዮን ምክብባርን መርገጺ ዝዓስሎ ዘተ ዘነቓቕሕ ሰነድ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፡ ውላድ ኣበይ ቤት ትምህርቲ ክመሃር ምርጫ ናይ ወለዲ እዩ፡ ስለዚህ ናብ ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ትምህርቲ ደቃቶም ዝልእኹ ወለዲ ምርጫ ምኽባር የድሊ፡ ስለ ዝሰፍሕን ኣብ ካልኦት ኣባይቲ ትምህርቲ ቅቡል ዝዀነ እዩ ቢልካ ኣብ ናይ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ናይ ሕንጸት መራሓ ክኣትው ምግባር ግድን ኣይኰነን፡ ናይቲ እንኰኣዊ ስነ ሓሳብ ግዙእ ምዃን ተቐባልነት የብሉን፡ ምስቲ ዝተፈለየ ዓይነት ትምህርትን መደብ ሕንጸትን ንምዝታይ ዝድግፍ ሰነድ እዩ እንብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ካርዲናል ቨርሳልዲ፥ ብዛዕባ ስነ ጾታ፡ መንነትና ከይከሓድና ንዘተ ስንድዋት
12 June 2019, 16:24