ድለ

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ካቶሊካውያን ሕትመት፥ ሓባራዊ ሓድሽ ኪደት

ንሓባራዊ ሓድሽ ኪንደት፡ እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየነተ ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፥ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ከይዲ ምዕባለ ዘተኣታትዎ ብድሆ ንምምግጣምን ንምብዳህን ዝሕግዝ ከይዲ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም

ክሳብ ዕለት 29 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ዓለም ሓቆፍ ናይ ካቶሊክ ሕትመት ቅነ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ፡ ብዘስምዕዎ መደረ ዕለት 26 ሰነ ሮማ ኣብ ዝርከብ ማእከል ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እውረሊዮ ከምእተበገሰን፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ ካቶሊክ ሕትመት እዋናዊ ኣሃዛዊ ምዕባለ እደ ጥበብ ስዒቡ ዘጋንፎ ዘሎ ብድሆታት ፈልዩ ዘስተንትንን ብድሆታቱ ንምግጣምን በዳሂ ሓይሊ ዘመላኽት እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንሓባራዊ ሓድሽ ኪንደት፡ እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየነተ ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፥ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ከይዲ ምዕባለ ዘተኣታትዎ ብድሆ ንምምግጣምን ንምብዳህን ዝሕግዝ ከይዲ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም፡ ሎሚ ካብ ዝዀነ ይዅን እዋን፡ ናይ ግዜን ህርመት ግዜን ህሞትን ትርጉም ምርካብን ኣገዳሲ ከምዝዀነን፡ ኣብዚ እዋን ቅልውላው ምህዳርን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝረአየሉ ዓለም ምንባር ቀሊል ከምዘይኰነን፡ ዓለም ዓቐን ሰብኣውነት ዘለዎ መታን ክኸውን ዳግማይ ርኽበት ትርጉም ግዜ ኣድላዪ እዩ ቢሎም፡ ሕይወት ብእዋናዊ ቋንቋ ኣገላልጻ መረብታዊ ርክብ እዩ፡ ስለዚህ ካቶሊካውያን ሕትመት መረብታዊ ርክባተን ከበራትዓ ኣተሓሳሲቦም።

ፈረንሳዊ ተመክሮ

ናይ ካቶሊክ ሕትመት ኣብ ፈረንሳ ተመክሮ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ድልድል ምዃን ዝብል ከምዝዀነ እባቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ መደረ ካብ ዘስምዑ ኣብ ፈረንሳ ናይ ካቶሊክ ሕትመት ፈደራላዊ ማሕበር ኣቦ መንበር ዣን ማሪ ሞንተል ገሊጾም፡ ካብ ቅዱስ መጽሓፍን ወንጌል ዝምንጭው ዓሴት ብምቕላሕ ካቶሊካዊ መንነት ዘለዎ ሕትመት ከምዝዝርግሑን ካቶሊካውነት ኵላውነት ዘተኣሳስር ብምዃኑ ንመላእ ዓለም ነዚ ዘንጸባርቑ ጽሑፋት ዘቕርቡ ምዃኖም ብሰፊሕ ይትንትኑ።

ካቶሊካዊ ሕትመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ጭቡጥ መጽሔት እተሰምየ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሕተም ካቶሊካዊ መጽሔት ተራዳኢ ዋና ኣሰናዳኢ ኢፐለንግ ታላንካና ካቶሊካውያን ክፍሊ ሕትመት ካብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዕለታዊ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ዘለዎ ሓይሊ ብርቱዕ ምዃኑ ነቲ ንሶም ብተራዳኢ ዋና ኣሰናዳኢ ዝመርሕዎ መጽሔት መሰረት ገይሮም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ ናይ ካቶሊካዊ ሕትመት ዕላማ፡ ወንጌል ምስፋሕ እዩ፡ ስለዚህ ካቶሊካዊ  እምነት ብብቕዓትን ብግቡእን ምቕራብ ዕላማ ናይ ካቶሊካውያን ሕትመት ምዃኑ የብርሁ።

እምነት ዘበራትዕ

ኢየሱሳዊ ካህን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ናይ ማእከል ኣለቲ ዋና ኣመሓዳሪ ኣብዚ እዋን እዚ ብዝተፈላለየ መዳይ ኢጐነትን ዓለታውነትን ማእከል ዝገብር ባህሊ ኣብ ዝንበረሉን ዝግለጸሉን ሃዋሁ ተዋሒጥና ከምእርከብን፡ ብስነ ጽሑፍ ድዩ ብድርሰት ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን ነዚ ክንጸባረቕ ይረአይ፡ ነዚ ግምት ብምሃብ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ንሕይወት ክፉት ናይ ምዃን ባህሊ ብምስፋሕ ናብ ካልእ ናይ ምባልን ነቲ ዓለም ዘድክም ዘሎ ባህሊ ንምብዳህ ይዓያ፡ ስለዚህ እዚ ኪደት እዚ ብእምነት ዝበራታዕን ዝተባባዕን ምስ ዝኸውን ረታዒ ኰይኑ ይርከብ፡ ኣብ ፍቕሪ ዝተኸወነ ጽባቔ ጥራሕ እዩ ዘእምን፡ ስለዚህ ናይ እምነት ጽባቔ ካብ ምንባር ዝነቐለ ምስክርነት ምስ ዝቐርብ ዝተጠመቐ ይዅን ዘይተጠመቐ ኣማኒ ይኹን ኢኣማኒ በዚ ጽባቔ’ዚ ይድነቕን ዝማረኽ እውን ከምዝኸውን ብሰፊሕ ይትንትኑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተጋባእያን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 29 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉ እዮም።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ካቶሊካውያን ሕትመት፥ ሓባራዊ ሓድሽ ኪደት
27 June 2019, 17:27