ድለ

ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ተሳታፊ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ልኡካን ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ተሳታፊ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ልኡካን 

ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ተሳታፊ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ልኡካን

ጉጅለ ልኡካን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብናይ ተልሚሶስ ሊቀ ጳጳስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ወኪል

ብምኽንያ ዕለት 29 ሰነ ዝበዓል ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ምኽንያት ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ልኡካን ካብ ዕለት 27 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክኣትውን ዕለት 28 ሰነ 2019 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡን ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉ እውን ምዃኖም ልእኽቲ ጋዚጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን በነደታ ካፕሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ከምዝሓበሮ፡ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኣርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ነፍሲ ወከፈን ክብረ በዓል ሓላዊ ቅዱሳተን ኣብ ዘብዕላሉ እዋን ብልኡካነን ምስታፍ ሃናጺ ልሙድ ባህሊ ከምዘሎ ኰይኑ፡ ናይ ቁስጥንጥናይ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ፥ ቅዱስ እንድሪያስ ዕለት 30 ሕዳር ኣብ ኢስጣምቡል ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ቅድስቲ መንበር ብልኡካና ኣቢላ ክምእትሳተፍን ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ሓለውቲ ቅዱሳት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶድክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ብወገና ብልኡካና ኣቢላ ከምእትሳተፍ ክፍለጥ እንከሎ፡

ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና

እቲ ጉጅለ ልኡካን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብናይ ተልሚሶስ ሊቀ ጳጳስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ወኪል ናይ ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ጥሙር ናይ ቲዮሎጊያ ናይ ሓባር ድርገት ሓባራይ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጆብ ዝተመርሔ ክኸውን እንከሎ፡ ብናይ ሚሊተን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማኪሞስን ብዲያቆን ቦስፍሪዮስ ማንጋፋስን  ከምዝስነዩን ዕለት 28 ሰነ 2019 ዓ.ም. ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቀባብላ ክግበረሎምን ምስ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ እውን ርክብ ከምዘካይዱን ዕለት 29 ሰነ ቅዱስ ኣቦና ብዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክከታተሉ ምዃኖም ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ካፐሊ ሓቢረን።

ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ተሳታፊ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ልኡካን
25 June 2019, 16:48