ድለ

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቃል ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ 

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ

ኣገባብ ሲኖዶሳውነት ንሰበኻታትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ካቶሊክ ማሕበረሰብን ቁምስናታትን ዘሰንይ ክኸውንን በዚ ኣገባብ’ዚ ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ብዕምቆት ክጽናዕ

ዕለት 20 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንዘበገሶ መበል 73 ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዝለገስዎ ቃል ከምእተጀመረን ናይቲ ዝለገስዎ ቃል ማእከል፡ ሲኖዶሳውነትን ጉኣብእያውነትን ዝብል ምንባሩን፡ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕልን ካብ ላዕልን ናብ ታሕትን ዝብል ኣገባባዊ ከይዲ ክህልዋ ዝሕብር ሓሳብ እውን ከምዘመላኸቱ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ሓቢሮም።

Andrea Tornielli

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘስምዕዎ ቃል ብዙሓት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ሲኖዶስ ክካየድ ዝድግፍ ሓሳብ ዝተነብሮ እንክብሉ ከምዝገለጽዎን ደሓር ግና እቲ ዘስምዕዎ ቃል፡ ብጽሑፍ ቀሪቡ ብጥልቂ ምስ ተጸንዔ እቲ ከም ሓሳብ ዝቐረበ ብዛዕባ ሲኖዶስ ንኽካየድ ዝብል ሓሳብ ድፍኢት ከምዘይገበሩን ድሮ ክዳለው ዝብል ሓሳብ እውን ከምዘየቕረቡ ተስተውዕል፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ እዩ፡ ምስንዳዋት ክግበርን ኣለዎ ዝብል ኣይኰነን፡ በንጻሩ ኣገባብ ናይ ሓደ ሲኖዶስ ከመይ ክኸውን ከመዘልዎ እዮም ዝሓበሩ።

ሲኖዶሳዊ፥ መላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝሓቁፍ ክኸውን ዝብል እዩ፡ ብተወሳኺ እውን ጉባእያውነት ብዝብል ቃል እውን ነቲ ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ክህልዎም ንዘለዎ ሱታፌኣዊ ከይዲ ይሕብሩ፡ ስለዚህ ኣቋራጺ መገዲ ምድላይ ዘይኰነ ካብ ጭቡጥ ኵነት ዝተበገሰ፡ ካብ ታሕቲ ዝነቅል ከይዲ ዘለዎ ኣገዳስነት የብርሁ፡ እዚ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝብል ከይዲ ብዙሕ ጊዜ ዳርጋ ተዘንጊዑ ዝጸንሔ እዩ ዝመስል፡ ስለዚህ ካብ ታሕቲ ዝብል መላእ ቤተ ክርስትያን ኢጣሊያ ዝሓቑፍ ኣገባብ እምበር ጥራሕ ነቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰብ ሙያን ወይ ልሂቃንን ጥራሕ ዝምልከት ከምዘይኰነ ንምምልካት እዩ።

እቲ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝብል ኪደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ምስቲ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝብል ኪደት ዝቃደው ክኸውን ከምዘለዎ የነጽሩ፡ እዚ ክልተ ዝመስል ኪደት ተጋራጫዊ ርድኢት ከይጸንስ ከኣ ኣብቲ ኣብ ፊረንዘ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ ኢጣሊያ ቤተ ክርስቲያን መክብባዊ ሓምሻይ ጉባኤ ተረኺቦም ዕለት 10 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ተረኺቦም ዝበልዎ ቃል ምስል ቢሎም ከዘኻኽሩ እንከለዉ እቲ ኣብቲ እዋን ዘመላኸትዎ ኣገባብ፡ ተፈጻምነት ዘለዎን ከሰንየና ዝግብኦ ሓሳብ ምዃኑ ይገልጹ፡ እቲ ኣብቲ እዋን፥ ኣገባብ ሲኖዶሳውነት ንሰበኻታትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ካቶሊክ ማሕበረሰብን ቁምስናታትን ዘሰንይ ክኸውንን በዚ ኣገባብ’ዚ ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ብዕምቆት ክጽናዕ ከምዘለዎን እቲ ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተመልኪቱ ዘሎ ክውንታ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣሚቶም እዮም፡ ኣብዚ መዳይ ብዙሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ቅዱስነቶም ዝገልጽዎ ሓሳብ ምዃኑ ምስጢር ኣይኰነን፡ ኣብ ናይ ሮማ ሰበኻ ጉባኤ ተረኺቦም እውን ዝገለጽዎ ሓሳብ እዩ።

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ መበል 73 ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኢጣሊያ ዝበልዎ፡ ዝዀነ ኣብ ኢጣሊያ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ክካየድ ቢሉ ዝሓስብ እንተሎ፡ ነቲ ናይ ኢጣሊያ ቤተ ክርስቲያን መክብባዊ ሓምሻይ ጉባኤ ዘውጸኦ ሰነድ፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕልን ካብ ላዕልን ናብ ታሕትን ዝብል ኣገባብ መሰረት ገይሩ ክበገስ ከምዘለዎ ከስተውዕል ይግባእ፡ እዚ ኣብ ፍካሬ ዘይኰነ ኣብ ርግጸይናነት ዘለዎ ጭቡጥ ኩነት ምጉዓዝ ክህሉ ይድግፍ። ውጽኢታዊ ዝኸውን ኣብ ርግጸይናነት - ኣብ ክውንነትን ዕለታዊ ናይ ሕብረተሰብ ተመክሮ ምጉዓዝ ምስ ዝህሉ እዩ እምበር ኣብ ጠረጴዛ ወይ ኣብ ቤተ ሙከራ ኣብ ዝሕንጸጹ ውጥናት ኣይኰነን እንክብሉ ምስ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝራኸብ እዩ።

(Andrea Tornielli)

22 May 2019, 17:00