ድለ

ር.ሊ.ጳ. ናብ መጂጐሪ ዝፍጸም መንፈሳዊ ንግደት ፈቒዶም ር.ሊ.ጳ. ናብ መጂጐሪ ዝፍጸም መንፈሳዊ ንግደት ፈቒዶም 

ር.ሊ.ጳ. ናብ መጂጐሪ ዝፍጸም መንፈሳዊ ንግደት ፈቒዶም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ ኣመልኪቶም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ፍቓድ ነቲ ኣብ መጂጐሪ በቢ እዋኑ ኣሎ ዝበሃል ማርያማዊ ግልጸት

ናይ መጂጐሪ ቋሚ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሀንርይክ ፍራቺስከ ሆሰር (ናይ ቫርሳቪያን ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ተወላዲ ፖላንድ ናይ ስነ ሕክምና ሊቕ) ኣብ ቦዝኒያን ኤርዘጐቪና ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ፐዙቶ ቅዱስ ኣቦና ናብ መጂጐሪ ዝፍጸም መፈሳዊ ንግደት ፍቑድ እንክብሉ ከምዝወሰኑ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናብ መጂጐሪ ክሳብ ሕጂ ዝፍጸም ዝነበረ መንፈሳዊ ንግደት ግላዊ ጥራሕ ካብ ምዃን ተሪፉ ውግዓዊ ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝፈቐዱን፡ ካብዛ ፍቓድ ዝሃቡላ መዓልቲ ንነጀው ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰበኻታን ቁስምስናታትን ናብ መጂጐሪ መደባት መንፈሳዊ ንግደት ከሰናድዋ ከምዝኽእላ ኣብ መጂጐሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ቋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሂንርይክ ሆሰርን ኣብ ቦዝኒያን ኤርዘጎቪናን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ፐዙቶን ዕለት 13 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ መጂጐሪ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ቅዱስ ስፍራ ቁምስና ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅድሴ ከምዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ማሲሚሊያኖ መኒከቲ ሓቢሮም።

እቲ መንፈሳዊ ንግደት ፍቑድ ዝብል ውሳኔ ነቲ ኣብቲ ስፍራ ኣሎ ዝበሃል ግልጸታት ቅቡል ዝብል ኣይኰነ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ ኣመልኪቶም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ፍቓድ ነቲ ኣብ መጂጐሪ በቢ እዋኑ ኣሎ ዝበሃል ማርያማዊ ግልጸት ሓቀይና ግልጸት እዩ ዝብል ከምዘይኰነን፡ ነቲ ኣሎ ዝበሃል ግልጸታት ቅድስቲ መንበር ብናይ ውሽጢ ፍሉይ ድርገት መርመራ ተካይድ ከምዘላ ኣፍሊጦም፡ እቲ ናይ ቅዱነቶም ፍቓድ፡ እቲ ዝካየድ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ልዕሊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ምድንጋራት ድዩ ወይ ዘይርጉጽነት ዝፈጥር ከምዘይኰነን፡ እዚ ብጠቓላላ ንምእመናን ጥራሕ ዘይኰነ መንፈሳዊ ንግደት ንዝፍጽሙ ካህናት ገዳማውያንን ኣባላት መንፈሳዊማ ማሕበራትን እውን ዝምልከት እዩ፡ እቲ ፍቓድ እቲ ናይ መጂጐሪ ግልጸት ዝበሃሉ ኵነታት ኣፍልጦ ዝህብ ኣይኰነን ኢሎም።

ኣተኵሮ ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ

ነቲ ናብ መጂጐሪ ዝውሕዝ ብዝሒ መንፈሳዊ ነገድን ከምኡ እውን ዝጽገዉ ህያባትን ግምት ዝሃበ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣተኵሮ ዘለዎ ምዃኑ ጂሶቲ ገሊጾም፡ ስለዚህ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ደቃን መንፈሳውን ሰብኣውን ረብሓታት ዓቢይ ግምት ዝህብ ምዃኑ ኣፍሊጦም። እዚ ፍቓዲ’ዚ ንገዛእ ርእሱ  እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ኣብ መጂጐሪ ፍልዩ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ምስቶም ናይቲ ከባቢ ጳጳሳት ድዩ ካህናት ብምትሕብባር መደባት መንፈሳዊ ንግደት ናብ መጂጐሪ ንምምሕዳርን መንፈሳዊ መደባት ንምስንዳው ወግዓዊ ፍቓድ ዝህብን ፍጻሜታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ትክኽለይና ምሕደራ ክህልዎ ዝገብር ምዃኑ ጂሶቲ ሓቢሮም።

እዚ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ልክዕ ብፁዕ ኣቡነ ሆሰር ናይ መጂጐሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ፍሉይ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ኰይኖም ብቕዱስነቶም ዕለት 31 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ካብ ዝተላእኵ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝተመሓላለፈ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝተወሃቦም ሓዋርያዊ ሓላፍነት ንዘይተወሰነ ግዜ እውን እዩ፡ ንናይ ቅድስቲ መንበር ውሳኔ ስንድው ምዃን ዝብል ተልእዀ እዩ ዝበሉ ጂሶቲ ኣስዒቦም፡ እቲ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ምስ ጠመቓዊ ትምህርቲ ምንም ዓይነት ምትእስሳር ከምዘይብሉን፡ ማለት ነቲ ካብ 1981 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝኽሰት ዝበሃል ግልጸተ ማርያም በቶም ሽዱሽተ ናይቲ ከባቢ ተቐማጦ ንቕበሎ ዕለታዊ ግልጸተ ንግስተ ሰላም ቢሎም ንዝህብዎ ሓበሬታ ብቤተ ክርስቲያን ዝተረጋገጸ እውነተይና ግልጸት እዩ ዝብል ከምዘይኰነን፡ ብዛዕባ እቲ ግልጸት ቤተ ክርስቲያን ብዝምልከቶ ናይ ውሽጢ ድርገት ኣቢላ ተጻርዮ ከምዘላን፡ እቶም ሽዱሽተ፡ ኣብ መጂጐሪ እትቕመጥ ቪካን ኣብ ሞንዛ እትቕመጥ ማሪያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትቕመጥ ተወላዲት ከባቢ መጂጐሪ ብዙሕ እዋን ናብቲ ከባቢ እትመላለስ ኢቫንን ግልጸት ንግስተ ሰላም ዕለታዊ ንቕበል ዝብሉን፡ እታ ኣብ ውርሒ ሓንሳብ እቕበል እትብል ማሪያናን ካልኦት ክልተ ከኣ ሓንሳብ ኣብ ዓመት እቲ ግልጸት ንቕበል ዝብሉ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ግልጸ’ዚ ብጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ገና ይምርመር ከምዘሎ ኣሊጦም።

ር.ሊ.ጳ. ናብ መጂጐሪ ዝፍጸም መንፈሳዊ ንግደት ፈቒዶም
13 May 2019, 17:15