ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሩማኒያ ናይ ኤውሮጳ ክርስትያናዊ ስርወ መሰረት ንምንቕቓሕ

ቅዱስ ኣቦና እታ ናብ ሩማኒያ ዝነቕሉላ ዕለት ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምብጻሕ ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ እተብዕለሉ እውን ብምዃኑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ሩማኒያ ዘካይድዎ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ኣብ ናይ ሓባር ዘተ ዘተኰረን ናይ ኤውሮጳ ክርስቲያናዊ ስርወ መሰረት ንምንቕቓሕን ዝእመተ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ማስሲሚሊያኖ ሚኒከቲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣሰር ኣብ ሩማኒያ ናይ መተባብዕን ሓድነትን መልእኽቲ ዘብጽሑ ምዃኖን ንገዛእ ርእሱ እቲ ናይ ሩማኒያ ሓዋርያዊ መገሻኦም ብሓባር ንጐዓዝ ዝብል ዝኽተልዎ መርሕ ቃል ዝምስክሮ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሓቢሮም፡ ኣተሓሒዞም ቅዱስ ኣቦና እታ ናብ ሩማኒያ ዝነቕሉላ ዕለት ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምብጻሕ ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ እተብዕለሉ እውን ብምዃኑ እቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣሰር እደ ማርያም ዘለዎ እዩ ቢሎም፡ ልክዕ ከም ናይ ማርያማዊ መንፈሳውነት፡ ንሱ ኸኣ ናብ ዘመዳ ኤሳቤጥ ብትሕትናን ኣገልግሎትን ፍቕርን ኣገባብ ሕይወት ተሰንያ ዝፈጸመቶ ንግደት ዘቃልሕሉን ዝነብርሉን ምስ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን በርገሳውን ሩማንያን ምስታ ኣብ ሩማኒይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ብሓባር ክጓዓዙን መንእሰይ ወለዶ ኣብዚ ምግምማዕን ተጻባእኖትን ኣብ ዝሰፍሓሉ ዝመስል ዓለም መጋበርያ ናይ ርክብ ባህሊ ክኽውን ዘተባብዕሉን ምብጻሕ ምዃኑ ብፁዕነቶም ገሊጾም።

ቅድሚ 20 ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1999 ዓ.ም. ኣብ ሩማኒያ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩን፡ እቲ ናብ ሩማኒያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ምብጻሕ ንኸካይዱ መዓጾ ዘርሃወ እዩ፡ ሓድነት ሓድነት ዝብል ቃሎም ሎሚ እውን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሩማኒያ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ዝነብርዎ ናይ ሓባር ዘተ ክቃልሕዎ እዮም፡፡ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ከዝገልጽዎ፡ ኣብ ደም ዝጸንዔ ናይ ሓባር ዘተ፡ እዚ ኸኣ ካብ ወገን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድዩ ካብ ወገን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እዋን ምልካዊ ስርዓት ዴስነት ኣብ ሮማንያ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ መሰረት ዝገበረ እዩ፡ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን (ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን) ኣብ ደም ሰማዕታት እምነት ዝቖመ ንሓድነት ዘማዕድው ናይ ሓባር ዘተ ንኽነብራ ሓደራ ዝብል ሓዋርያዊ መገሻ እዩ፡ ስለዚህ እቶም ሰማዕታት ኣሕዋትና ካብ ሰማይ ኣብ ጉደና ሓድነት ክንጓዓዝ ዝድግፉና ምዃኖም ዝምስርክ እውን እዩ ኢሎም።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሮማኒያ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ነታ ሃገር፥ ዝተፈላለየ ኣታኽልቲ ዝበቖላ ብምዃና ናይ ማርያማዊ ኣታኽልቲ ስፍራ እንክብሉ ንሩማኒያ ከምዝገልጽዋን፡ ነቲ እታ ሃገር እትሓቑፎም ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ባህልታን ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብታ ሃገር፡ ናይ ሮማንያን ሃንጋርን ፖላንድ ክሮኤሽያን ቋንቋ ተጠቀምቲ ኣብ ሩማኒያ፡ ነቶም ኣብላጺ ናይ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ሰዓብትን ብጠቅላላነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብዝሑነት መግለጺ እዩ።

ሩማኒያ ኣብ ታሪኽ ጽንኩር ዘመናት ዘሕለፈትን፡ ባዕዳዊ መግዛእትን፡ ናይ ነዊሕ ዘመን ጥሕለት ኣብ ባህሊ ኢእግዚኣብሔርነትን ዝሐለፈት እውን እያ፡ ካብ 2007 ዓ.ም. ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንምዃን ዝበቐዔትን ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ሲቢዩ ኣድላይነት ሰላም ዘቃልሕ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ እውን ዘኪሮም፡  ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ሩማኒያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ነቲ ናይ ኤውሮጳ ስርወ ክርስቲያናዊ ባህሊ ዘነቓቕሕ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃአ መሕትት ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሩማኒያ ናይ ኤውሮጳ ክርስትያናዊ ስርወ መሰረት ንምንቕቓሕ
30 May 2019, 16:21