ድለ

ቃል ብፁዕ ካርዲናል ኦለት ንናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፅዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ቃል ብፁዕ ካርዲናል ኦለት ንናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፅዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ 

ቃል ብፁዕ ካርዲናል ኦለት ንናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፅዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ

ሲኖዶሳውነት ውዳበ ማለት ዘይኰነ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብስልጣናዊ ትምህርቶም ኣቢሎም ዘተሓሳሰብዎ፡ ውሳጣዊ ሱታፌ ምስ እግዚኣብሔር ማለት እዩ፡ እዚ ውሳጣዊ ሱታፌ’ዚ ብዝጭበጥ ምስክርነት ዝትርጐም ክኸውን ኣለዎ፡ ኣገባብ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተልእኾ ወንጌል ምልዋጥ ክህሉ ዘተሓሳስብ

ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ክሳብ ዕለት 18 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል መደበይና መበል 37 ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 13 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሆንዱራስ ርእሰ ከተማ ተጉቺጋልፓ ከምዝጀመረን እዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ፡ ልልያ ምልክታ ግዜ ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ  ኰይኑ፡ ንመላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓፈሻዊ ሓድሽ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምሕንጻጽን ናይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበርን ሓዋርያዊ ማእከያ ምሕደራ ኣካላትን ንምሕራይ ዝኣመተ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡

ስምዖን ተ. ኣርአያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ 2015 ክሳብ 2019 ዓ.ም. ብዝሓንጸጾ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መንጽር ናይቲ መደብ እወታዊ ውጽኢታቱን ድኽመታቱን እውን ኣለልዩ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመት ዘገልግል መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሕንጽጽ ምዃኑን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ሱታፌ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን እምነትን ከም ሓዋርያትን ጓሶትን ብፁዕን ጳጳሳት ኣብ ጸሎትን ዘተን ተጸሚዶም፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ዘጓንፎ ዘሎ ብድሆታት መሰረት እውን ዝመያየጥ ምዃኑ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡ ኣብ ፐሩ ናይ ትሪኺዮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ካብረኾስ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ሓድሽ ኣቦ መንበር ንኽዀኑ እቲ ጉባኤ ከምዝሓረዮምን ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ እውን ክንገር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ከምእተነበ ኣዘኻኺሩ፡ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ጳጳሳዊ ናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ ዝሓሊ ድርገት ኣቦ መንበርን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝኸታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት፡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ናይ ሲኖዶስ ቲዮሎጊያውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውን ትርጓሙ ብሰፊሕ ከምዘብርሁን፡ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ቃል ቅዱስ ኣቦና ንዘንበሮ ቲዮሎጊያውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውን ትርጉም ሲኖዶስ፡ ንላቲን ኣመሪካ ኣብ እዋናዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶሳውነት ክስምዓን ክትነብሮን እዚ ኸኣ ብስነ መጐት ናይቲ እግዝኣብሔር ንእምነት ዝጸወዖ ሕዝቢ ዝብል ምዃኑ ከምዘነጸሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ሲኖዶሳውነት፡ ሱታፌ ምስ እግዝኣብሔር እምበር ውዳበ ማለት ኣይኰነን

ብፁዕ ካርዲናል ኦለት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ሲኖዶሳውነት ውዳበ ማለት ዘይኰነ፡ ከምቲ ቅዱስ  ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብስልጣናዊ ትምህርቶም ኣቢሎም ዘተሓሳሰብዎ፡ ውሳጣዊ ሱታፌ ምስ እግዚኣብሔር ማለት እዩ፡ እዚ ውሳጣዊ ሱታፌ’ዚ ብዝጭበጥ ምስክርነት ዝትርጐም ክኸውን ኣለዎ፡ ኣገባብ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተልእኾ ወንጌል ምልዋጥ ክህሉ ዘተሓሳስብ እዩ፡ ጳጳሳት ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶሳውነት ማእከል ክጸንዑ ኣለዎም፡ እዚ ኸኣ፡ ንጥፈታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ናብ ሲኖዶሳውነት ምልዋጥ ዝብል ምዃኑ ከምዘብርሁ ዝሓበራ ጂሶቲ ኣስዒበን፡ ወንጌል ብምስዓብን ምስ ካልኦት ባህልታት ብምርኻብን ባህልታት ብወንጌል ብምስባኽን ምስ ናይ ዓለም ርእየትን ኣመለኻኽታን ገዛእ ርእስኻ ብዘይምምስሳል ዝፍጸም ናይ ኣምነት ጉዕዞ ምስ ዝኸውን ሲኖዶሳውነት ተግባራዊ ኣድማሱ ትርጉም ይህልዎ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት፥ ናይቶም ሓላፍነት ዘለዎን ጳጳሳት ድምር ማለት ኣይኰነን

ብፁዕ ካርዲናል ኦለት ኣስዒቦም ኣብ መንጐ ሲኖዶሳውነትን ጉባእያውነት ዘሎ ምትእስሳር ክትንትኑ እንከለዉ፡ ሲኖዶሳውነት ቤተ ክርስቲያን ብትኽክል ዝገልጻ ብናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት እዩ፡ እዚ ግና ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ድምር ናይ ከባቢ ፈደራላዊት ቤተ ክርስቲያን ወይ ናይ ከባቢያውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሱታፌ ውጽኢት እያ ዝብል ከምኡ እውን ጉባእያውነት ናይ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ናይ ዘለዎም ጳጳሳት ምትእኽኻብ ወይ ናይ ሱታፌኦም ውጻኢት ኢዩ ዝብል ኣይኰነ፡ ህላዌ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ቀጻልነት ይግለጽ ከምዝበሉ ጂሶቲ ኣፍሊጠን።

ኣብ ገዛእ ርእሳ ናይ እትዕጸፍ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ምብዳህ

ብፁዕ ካርዲናል ኦለት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ህላዌ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ብመንጽር ናይቲ ከባቢ ጭቡጥ ኵነት እናሓሰቡን ብናይ ላቲን ኣመሪካ ህልው ኩነታት ብምንባብ፡ ጳጳሳት ሎሚ እውን ገና ዘይተሰግረ ዝመስል መርኣያ ዝብልዎ ኣብ ባህሊ ቤተ ክርስቲያውነት ዝረአይ ከምቲ እቲ ዓለም ሃቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ካብ ዘካየዶም መጽናዕቲ ብፍላይ ኣብቲ ሲኖድሳውነት ኣብ ሕይወትን ተልኾን ብዝብል ኣርእስቲ ዘካየዶ መጽናዕትን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ፥ ብሓጺሩ እቲ ናይቲ ድርገት ሓሳብ፡ ናይ ሲኖዶሳውነት ሕይወትን ተልእዀን ኣብ ናይ ጓሶት ኣገግሎትን ኣብ ውፉይ ሕይወትን ገዳማውያንን ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት መንፈሳዊ መርሖ ዝጉት ኰይኑ ዝርአይ ከምዘይኰነን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነት ዓለማውያን ምእመናን ደቀንስትዮን ብዙሕ ዘየዋስእ ኰይኑ ከምዝረአይን እዚ ኣብ ገዛእ ርእሳ እትዕጸፍ ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ክስገር ዘለዎ ዓቢይ ብድሆ እዩ ዝብል ምዃኑ ከምዘብርሁ ዝገለጻ ጂሶቲ ኣስዒበን፡

ትምክሕቲ ተባዕታውነት ዝብል ኣመለኻኽታን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ክውገድ

ሲኖዶሳውነት ንዅሉ ኣባል ቤተ ክርስቲያን ዝውክል እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ናይ ነፈሲ ወከፍ ሃገር ዘለዋ ደቀንስትዮ ቦታ ምሃብን ትምኽሕታውነት ተባዕትን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ዓመጽን ምውጋድን ዝብል እዩ፡ ደቀስንትዮ ናይ ቁምስናታት ዓንዲ እያተን፡ ብዙሕ እዋን ብናይ ብክህነታዊ ትምክሕቲ ብዙሕ ይጽቐጣ፡ እዚ ዅሉ ተኣልዩ ናይ ብሓቂ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ትርጉም ሲኖዶሳውነት ምንባር የድሊ ከምዝበሉን፡

ቤተ ክርስትያን ናይ መንእሰያት እምነት የድልያ

ብፁዕነቶም ዘስምዕዎ መደረ፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ክርስቶስ ህያው እዩ ዘርእስታ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ከምዝብልዎ፥ ቤተ ክርስቲያን ናይ መንእሰይ ወለዶ ውዕዉዕ ሃይልን ገምር እምነቱን የድልያ ቢሎም ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን።   

ቃል ብፁዕ ካርዲናል ኦለት ንናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፅዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ
17 May 2019, 17:54