ድለ

ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ዕለት 6 ግንቦት 23 ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስዊዝርላንድ ሓለዋ ጸጥታ ሓደስቲ ክቱባት ቃለ ማሕላ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ዕለት 6 ግንቦት 23 ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስዊዝርላንድ ሓለዋ ጸጥታ ሓደስቲ ክቱባት ቃለ ማሕላ  

ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ዕለት 6 ግንቦት 23 ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስዊዝርላንድ ሓለዋ ጸጥታ ሓደስቲ ክቱባት ቃለ ማሕላ

ንዝኽሪ እቶም ኣብ 1527 ዓ.ም. ሰማዕትነት ዝኸፈሉ ኣባላት ጳጳሳዊ ናይ ስዊዘርላንድ ሓለዋ ጸጥታ

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ደንበ ቅዱስ ዳማሶ ሰኑይ ዕለት 6 ግንቦት 2019 ዓ.ም 23 ሓደስቲ ናይ ጳጳሳዊ ስዊዘርላንድ ሓለውቲ ጸጥታ ኣባላት ቃለ ማሕላ ክፍጽሙ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፡ ንጐሆ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብፁዕ ካዲናል ኮማስትሪ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉ ከምዝኾኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ይሕብራ።

ጳጳሳዊ ናይ ስዊዝርላንድ ሓለዋ ጸጥታ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 1527 ዓ.ም. ኣብ ምክልኻል ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሰማዕት ዝዀኑ ናይ ስዊዘርላንድ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ኣባላት ኣብ ዝዝከሩሉ ዕለት ከምቲ ወትሩ ዝፍጸም ሓደስቲ ኣባላት ብጠቕላላ 23 ክቱባት ቃለ ማሕላ ክፍጹሙ ከምዝዀኑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ካፐሊ ኣስዒበን፥ በቲ መርሓ ግብሪ መሰረት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ዝዊዘርላንድ ናይ ሙዚቃ ጉጅለ ኣብ ኢጣሊያ ምርኢት ከቕርብ ከምዝዀነን ድሕሪ ቐትሪ ንዝኽሪ እቶም ኣብ 1527 ዓ.ም. ሰማዕትነት ዝኸፈሉ ኣባላት ጳጳሳዊ ናይ ስዊዘርላንድ ሓለዋ ጸጥታ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም መጸናንዒት ጸሎተ ዘሰርክ ክፍጸም ከምዝዀነን፡ ዕለት 6 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናት ናይ ሃገረ ቫቲካን ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኣባላት  ናይ ዝዊዘርላንድ ጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ  መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከምዝዀኑ ኣፍሊጠን።

ጳጳሳዊ ናይ ስዊዝርላንድ ሓለዋ ጸጥታ

Photogallery

ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ዕለት 6 ግንቦት 23 ናይ ጳጳስዊ ናይ ስዊዝርላንድ ሓለዋ ጸጥታ ሓደስቲ ክቱባት ቃለ ማሕላ
01 May 2019, 16:46