ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ምስክርነት እምበር ኣስዳዕነት ኣይኰነን ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ምስክርነት እምበር ኣስዳዕነት ኣይኰነን 

ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ምስክርነት እምበር ኣስዳዕነት ኣይኰነን

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኅብረ መንነትን ኅብረ ስርዓተ ኣምልዀን ናይ መራኸቢ ድልድል እምበር ተበታቲኽካ ወይ ተፈላሊኻ ንምንባር ምኽንያት ክኸውን ከምዘይብሉ ሓቢሮም፡ ምኽንያት ፍልልይ ኰይኑ ምስ ዝግለጽ ሃብቲ ምዃኑ የቋርጽ

ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ሰርቢያ ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝቖመ ናይ ሰርቢያ ቢዛንታዊ ስርዓት እትኽተል ናይ ሳን ኒኮላ ዘ ሩስኪ ክርስቱር ኤጳርቅና በዓል ምኽንያት ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱን ንናይ ሰርቢያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ሄሮኒሞስ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሰላምታ ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 19 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ናይ ምስራቕ ስርዓት ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ፡ ኣብ ኖቮ ሳድ ሰሜንዊ ከባቢ ኣብ እትርከብ ከተማ ሩስኪ ክርስቱር ዝተሓንጸ ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዝቖመ ናይ ሓድሽ ኤጳርቅና መንበር ካቴድራል ንምብራኽ ዝዓረገ ስርዓተ ኣምልዀ መሪሖም ከምእተሳተፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቲ ካብ ኤሳርካጦ ናብ ኤጳርቅና ክብ ምባል ሓላፍነት እምበር ሸቶ ወይ ክብጻሕ ዘለዎ ናይ ስልጣን ጫፍ ከምዘይኰነ ነቲ ስነ ስርዓት መሪሖም ብፁዕ ካርዲናል ሳንሪ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ገሊጾም፡ እታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ክርስቶስ ህያው እዩ ዝርእስታ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ድህረ ሲኖዶስ ጠቒሶም፡ እዛ ሓዳሽ ኤጳርቅና ናይ ኵሉ ብፍላይ ናይ መንእሰይ ወለዶ እያ ቢሎም፡

ኣብ ፍልልይ ሓድነት ምንባር

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኅብረ መንነትን ኅብረ ስርዓተ ኣምልዀን ናይ መራኸቢ ድልድል እምበር ተበታቲኽካ ወይ ተፈላሊኻ ንምንባር ምኽንያት ክኸውን ከምዘይብሉ ሓቢሮም፡ ምኽንያት ፍልልይ ኰይኑ ምስ ዝግለጽ ሃብቲ ምዃኑ የቋርጽ፡ ሎሚ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ መንነቱ ዝዕቅብ ፈላላይ መናድቕ ብምቛም ዘይኰነ ብምርኻብ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ሰላምታ ናብ ፓትርያርክ ሄሮኒሞስ

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ቤልግራድ ብናይ ርእሰ ቀፋልያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሰርቢያ ቅዱስ ሲኖዶስ ፓትሪያርክ ናይ ቤልግራድ ሜጥሮፖሊታ ብፁዕ ወቅዱስ ሄሮኒሞስ ኣብ መንበሮም ኣቀባብላ ተገይርሎም ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተላእከ መልእኽቲ ሰላምታ ምስ ኣቕረቡ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ህልው ኵነታት ዓለምን  ርክባት ኣቢያተ ክርስቲያንን ሓሳብ ንሓሳብ ምስ ተለዋወጡ፡ ናይ ሰርቢያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ ናብ ሳን ሳቫ ቤተ መቕደስ መብጻሕ ከምዘካየዱን ኣብ ቢዛንታዊት ቁስምና ኣብ ኖቪ ሳድ ኣብ ዝዓረገ ጸሎተ ዘሰርክ ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

21 May 2019, 17:37