ድለ

ናይ ቫቲካን ቤት ማሕተም መጻሕፍቲ ኣብ ትዊተር ብቋንቋ ላቲን

ቋንቋ ላቲን ናይ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ቋንቋ እዩ

ቋንቋ ላቲን ናይ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ቋንቋ እዩ፡ በዚ መሰረት’ዚ እውን ቅዱስ ኣቦና በቲ @Pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዝፍንውዎ መልእኽቲ፡ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ብቋንቋ ላቲን ትርጉሙ ቀዳማይ መድብላዊ መጽሓፍ ንንባብ ከምዘብቀዔ ናይ ቫቲካን ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ላኡካን ጋዜጠይናታት ኤውጀኒዮ ቦናናታን ጆቫኒ ኦርሰኒጎን ካብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ማሕተም ቫቲካን Breviloquia Francisci Papae - ናይ ር.ሊ.ጳ.ፍራቸስኮ ሓጺር መልእክቲ  ብዝብል ኣርእስቲ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ጽሕፈት ቋንቋ ላቲን ካብ ጣልያንይና ናብ ላቲንይና ተተጕይሙ ዝቀረበ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ብቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝመሓደር ቤተ ጽሕፈት ቋንቋ ላቲን ብቋንቋ ላቲን በቢ ዕለቱ በቲ @Pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘቕርብ ክኸውን እንከሎ፡

ዕላማ ናይቲ ትርጉም ብቛንቋ ላቲን

ቤት ጽሕፈት ቋንቋ ላቲን ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ዋልደማር ቱረክ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ቤት ጽሕፈት ር.ሊ.ጳ. @Pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዝፍንውዎ መልእኽቲ ብላቲን ቋንቋ ተርጕይሙ ዘቕርቦ፡ መንእሰያት ናይ ቋንቋ ላቲን ፍቕሪ ክሓድሮምን እቶም ምስቲ ብስነ ኣሃዝ ዝማዕበለ መራኸቢ ብዙሓ ብዙሕ ርክብ ድዩ ሌላ ዘይብሎም ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት ኣብ ምጥቃም ሓደሽቲ መራኸቢ ብዙሓን ድላይ ክሓድሮም፡ ቋንቋ ላቲን ጥልቀቱን ስፍሓቱን ስነ መጐታውነቱን ሓድሽ ወለዶ ንኸስተውዕሎን ኣብ ምምሃር ቋንቋ ላቲን ንኽተባባዕ እውን ዝድርኽ ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ናይቲ ብቋንቋ ላቲን ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ማሕበራዊ መረብት ትዊተር መድብለ መጽሓፍ ሕታም ንንባብ ንምቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከምዝገለጹ ልኡካን ናይ ቫቲካን ኣገልግሎ ዜና ጋዜጠይናታት ቦናናታን ኣርሰኒጐን ሓቢሮም።

ቋንቋ ላቲን እቲ ልዑል ስነ መጐታዊ ቅርጺ ዘለዎ እዩ፡ ስለዚህ ስነ መገታውነቱ ኣእምሮ ዘብልሕ እውን እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣብ እዋናዊ ዓለም ምዕባለ ድዩ ማሕበራዊ ናብራን ስነ ትምህርትን ዝወልዶም ሓደስቲ ቃላት ብላቲን ቋንቋ ዋቔዕ ቃል ንኽትረኽበሉ ቀሊል ኣይኰነን፡ እዚ እቲ ሓደ ዓቢይ ብድሆ እውን ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ቱረክ ገሊጾም፡ ንኣብነት ትዊት ዝብል ቃል ኣሎ፡ እዚ ቃል’ዚ ትኽክለይና ትርጉም ብላቲን friguttio- ጩቕታ ወይ ባእባእታ ዝብል እዩ፡ እደ ጥበባዊ ቅዋሜ ናይቲ ቃል ርኢኻ ግና breviloquia - ሓጺር ጽሑፍ ብዝብል ቃል ምትርጓሙ ብዝበለጸ ነቲ ትዊት ዝብል ቃል ከም ሓሳብ ኣብ ውሽጡ ንዝሓቑፎን ንኸመሓላልፎን ንዝደልይ ሓሳብ ብትኽል የስምዕ ክምዝበሉ ቦናናታን ኣርሰኒጐን ይሕብሩ።

ናይ ቫቲካን ቤት ማሕተም መጻሕፍቲ ኣብ ትዊተር ብቋንቋ ላቲን
16 May 2019, 17:45