ድለ

ብፁዕ ቡነ ኣዩሶ ሓድሽ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ቡነ ኣዩሶ ሓድሽ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር 

ብፁዕ ቡነ ኣዩሶ ሓድሽ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ንሓደ ዓመት ድሕሪ ዕረፍቲ ብፁዕ ካርዲናል ቱራን ብዘይ ኣቦ መንበር ንዝጸንሔ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ንኽዀኑ ናይዚ ቤት ምኽሪ እዚ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልግሉ ንዘለዉ ተወላዲ ስፐይን ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶት ከምዝሰመዩ

ተወላዲ ስፐይን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሰነ መበል 67 ዓመት ዕድመኦም ዝክሩ ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ ጉይክሶት ነቶም ዝሓለፈ ዓመት ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቱራን ስዒቦም ናይዚ ቤት ምኽሪ’ዚ ኣቦ መንበር ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ከምእተሓርዩን፡ ብፁዕ ኣቡነ ኣዩስ ኣባል ማሕበር ኮምቦናውያን ኣብ ምስርን ሱዳንን ብዙሕ ዘገልገሉ ናይ ስነ ሃይማኖት ምስልምና ሊቕ ምዃኖም ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ንሓደ ዓመት ድሕሪ ዕረፍቲ ብፁዕ ካርዲናል ቱራን ብዘይ ኣቦ መንበር ንዝጸንሔ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ንኽዀኑ ናይዚ ቤት ምኽሪ እዚ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልግሉ ንዘለዉ ተወላዲ ስፐይን ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶት ከምዝሰመዩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣፍሊጦም።

ኣባል ማሕበር ኮምቦናውያን ናይ ስነ ምስልምና ሃይማኖት ሊቅ

ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ ጉይክሶት ኣብ ሲቪሊያ ዕለት 17 ሰነ 1952 ዓ.ም. ዝተወልዱ ዕለት 20 መስከረም 1980 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ከም ኣባል ማሕበር ኮምቦናውያን ኣብ ምስርን ሱዳንን ክሳብ 2002 ዓ.ም. ዘገልገሉን ሮማ ኣብ ዝርከብ ተቕዋም መጽናዕቲ ስነ ዓረብን ሃይማኖት ምስልምናን ዝተመረቑን ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ግራናዳ መንበረ ጥበብ ብቲዮሎጊያ ስርወ እምነት (ቲዮሎጊያ ሃምነናዊ) ሊቕነት ዘመስከሩን፡ ካብ 1989 ዓ.ም. ኣብ ካርቱም ናይ ስነ ምስልምና መጽናዕቲ መምህሪ ደሓር እውን ኣብ ካይሮን፡ ቀጺሎም ኣብቲ ብስነ ዓረብይናን ሃይማኖት ምስልምና ዝተመረቕሉ ጳጳሳዊ ተቕዋም መምህርን ክሳብ 2012 ዓ.ም. ናይቲ ተቕዋም ዋና ኣመሓዳሪ ከይኖም ከምዝገልገሉ ችንቶፋንቲ ይሕብሩ።

ብበነዲክቶስ መበል 16 ደሓር እውን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሓርዩ

ዕለት 30 ሰነ 2012 ዓ.ም. ናይቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ናይ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ንኸገልግሉ ብበነዲክቶስ መበል 16 ተሓርዮምን ደሓር እውን ብቕዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣዩስ ናይ ሉፐርቻና ስዩም ጳጳስ ንኽዀኑ ተሰምዮም ኣብ ወርሒ መጋቢት 2016 ማዕርገ ጵጵስና ከምእተቐበሉን ካብቲ ስፓይንና ናይ ትውልዲ ቋንቋኦም ወጻኡ ቋንቋ ዓረብን ፈረንሳን እንግሊዝን ጣልያንን ዝፈልጡ ምዃኖም ቸንቶፋንቲ የዘኻኽሩ።

ብፁዕ ቡነ ኣዩሶ ሓድሽ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር
25 May 2019, 17:58