ድለ

ዘተ ኣብ መንጐ በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር ፎልገርን ዘተ ኣብ መንጐ በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር ፎልገርን 

ዘተ ኣብ መንጐ በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር ፎልገርን

እቲ ኣብ መንጐ በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ቪየና ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር ራባይ ፎልገር ዓሚይቕን ዓቢይን ዕርከት የቃልሕ፡ ኣብ ግልጽነትን ስነ ፍልጠታውን ሊቅነታዊ ትሕትናን ዝጸንዔ እውን እዩ

ክልተ እቶም ሓደ ናይ ክርስትና እምነትን ባህልን ጥበብን ድምጽን እቶም ናይ ኣይሁድ እምነት ሊቅን ኣብዚ ዝተመሳቐለን ብመርበባዊ ባህሊ ኣዚዩ ዝተራኸበ ክነሱ ናብ ዕግርግን ስርዓተ ኣልቦነትን ፋሕ ጭንግራሕን ንዘድህብ ዘሎ ሰብኣዊ ፍጥረት መጻእ ተስፋ ንምሃብ ብዝብል ሓሳብ ተራኺቦም ዘካየድዎ ዓሚዩቕ ዘተ ብደራስን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ኤሊዮ ጉወሪየሮ፥ ኣይሁድን ክርስቲያንን፥ ዘተ ምስ ራባይ ኣሪየል ፎልገር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ መጽሓፍ ዕለት 16 ሚያዝያ ብምኽንያት መበል 92 ዓመት ልደት በነዲክቶስ መበል 16 ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካንፍ ፋቢዮ ኮላግራንደ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኤሊዮ ጉወሬየሮ፥ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሕይወት ታሪኽ ሊቅ ደራስን፥ እቲ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ንሶም ብዋና ኣሰናዳእነት ንድርሰት ዘብቅዕዎ መጽሓፍ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝብልዎን ኣብ ልቦም ዘሎን፡ ብዛዕባ ናይ ዘተ መንፈስ ዝዛረብ እዩ፡ ኣብቲ ናይታ መጽሓፍ ክፍለ ሰነድ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ከምኡ እውን ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ጽሑፋት ኣሎ፡ ቢሎም፡ እቲ ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ዝተሓትመ መጽሓፍ፥

ካብ ዘተ ናብ ምርኻብ

እቲ ኣብ መንጐ በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ቪየና ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር ራባይ ፎልገር ዓሚይቕን ዓቢይን ዕርከት የቃልሕ፡ ኣብ ግልጽነትን ስነ ፍልጠታውን ሊቅነታዊ ትሕትናን ዝጸንዔ እውን እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ጉጅለ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምሃራን ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ተራኺቦምን ብሓባር ዓበይቲ ጥንቃቔን ጻዕርን ትዕግስትን ዝሓትቱ ቲዮሎጊያውያን ሕቶታት ኣልዒሎም ከም ከምእተመያየጡ ጉወሪየሮ ድሕሪ እቲ መጽሓፍ ንንባብ ንምቕራብ ዝተኻየደ ዓውደ ዝተ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

መሰረታውያን ነጥብታት ብግልጺ ንምቕራብ ዝብል ድላይ

እቲ ኣብ መንጐ በነዲክቶስ መበል 16ን ራባይ ፎልገር ዝተኻየደ ናይ ሓባር ርክብን ዘተን፡ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ፡ ነቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታት ማእከል ዝዀነ ቲዮሎጊያዊ መሰረት ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ መሰረታዊ ሓሳብ’ዚ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ልቦም ዘንብርዎን ዝነብርዎን እዩ፡ እቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተን ምክብባርን ግልጽነትን ዝዓሰሎ ከምዝነበረን እዚ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ዘተ ርክባት ንቕድሚት ክስጉም ዝገበር እውን ምዃኑ ራባይ ፎልገር ከምዝገለጹ ይሕብሩ።

ኣብ መንጐ ኢየሩሳሌምን ሮማን፥ ሓድሽ ተበግሶ

እቲ ጉወሪየሮ ብዋና ኣሰናዳእነት ዝተደረሰን ንንባብ ዝበቕዔ መጽሓፍ፡ ብራባይ ፎልገር ዝተመርሐ ድርገት ዘውጸኦ ናይ ውሳኔ ሰነድን ኣብ 2016 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔ ጽሑፍ፡ ኣብ መንጐ ኢየሩሳሌም ሮማን ሓድሽ ተበግሶ ብዝብል ኣርእስቲ ከምዝቐረበን ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተበጊሱ ብፍላይ ኣብቲ ዘለናዮ ዘመን ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ውሳኔ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 50 ዝተዘከረ፡ ብሓቂ ኣብ ካቶሊካውያን ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ እዩ፡ ነቲ ዝነበረ ምርሕሓቕን ንሓድ ሕድ ምጥርጣርን ቀስ ብቐስ ብምስጋር እነሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ናይቲ ናይ ኣይሁድ መምሃራን ድርገት ዘውጽኦ ሰነድ ክቕበሉ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ካብ ተጻባእነት ናብ ምሕዝነትን ሕውነትን እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ተረጋጊጹ እዩ፡ ናይ ሓባር ኪደት ንምብጋስ ሓድሽ ብጋሴ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እዩ፡ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን፡ እቲ እግዚኣብሔር ዝለገሶ ናይ ሓባር ቤትናንን ናይ ሓባር ስነ ምግባራዊ ዕሴታትናን ብሓጹሩ ዓስርቱ ቃላት መሰረት ዝገበረ ሓድሽ ናይ ሓባር ርክብ ተበጊሱ ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ዘተ ኣብ መንጐ በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር ፎልገርን
17 April 2019, 16:18