ድለ

ሓዋርያው ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ስሪላንካ፥ ብቃል ቅዱስ ኣቦና ንጸናናዕ ሓዋርያው ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ስሪላንካ፥ ብቃል ቅዱስ ኣቦና ንጸናናዕ 

ሓዋርያው ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ስሪላንካ፥ ብቃል ቅዱስ ኣቦና ንጸናናዕ

ብፁዕ ኣቡነ ቮን ቶት ምስ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍለ ዜና ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሸበራ ኣመልኪቶም ኣብ ዕለተ ፋሲካ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንሕዝቢ ዓቢይ ምጽንናዕ ከምዝሃበ ኣዘኻኺሮም

ኣብ ስሪላንካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቫን ቶት፥ ካልእ ተመሳሳሊ ግብረ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ዝከኣል እዩ ዝብል ጥርጠራ ዝፈጥሮ ፍርሒ ኣሎ፡ ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ብሓቂ ሕዝቢ ብቃል ቅዱስ ኣቦና ከምእተጸናንዔ ይሕብሩ፡ በቲ ዝተፈጸመ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ናብ 359 ክብ ከምዝበለን፡ 45 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት እውን ምንባሮም ይግለጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ስሪላንካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፒየር ንጉየን ቫን ቶት ኣብቲ ዕለተ ፋሲካ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ናብ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ክሕበር እንከሎ፡ ናይ መቑሰልቲ ሓደጋ ዘጋጠሞም 500 ክምዝዀኑ ካብ ሲሪላንካ ዝፍነዉ ምንጪ ዜናታት ይሕብሩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሕንጻታት ምዕረፊ ኣጋይሽን ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብተዋደድ ዝተሓንጸጸ ምዃኑን ነቲ ኣብ ኒው ዚላንድ ኣብ ልዕሊ መሳጊድ ዝተፈጸመ ሽብራዊ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ክኸውን ከምዝኽእል ነቲ ዝተፈጸመ ሸበራዊ መትቃዕቲ ዘጻርይ ኣካል ሓቢሩ። እቲ ኣብ ስሪላንካ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ናተይ እዩ እንክብል ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ሓይሊ ኣሸበርቲ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና በቲ ዓማቕ እተሰምየ ብሕቡእ ዘንቀሳቐስ ብናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣቢሉ ከምዘፍለጠ እውን ይንገር።

ብፁዕ ኣቡነ ቮን ቶት ምስ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍለ ዜና ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሸበራ ኣመልኪቶም ኣብ ዕለተ ፋሲካ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንሕዝቢ ዓቢይ ምጽንናዕ ከምዝሃበ ኣዘኻኺሮም፡ መንግስቲ ሕጹጽ ግዜ ኣዋጅ ከመሓላልፍ እንከሎ ሕዝቢ ክረጋጋእ የተሓሳስብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናይ ኤሺያን ነውስ ናይ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ በርናርዶ ቸርቨለራ እውን ብወገኖም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣሸባርነት ገና ፈጺሙ ኣይጠፈኤን፡ ብፍላይ እቲ ሃይማኖት ብምኽራር ዝፍጠር፡ እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ሓይሊ ሽበራ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ምስ ተሳዕረ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከባቢ ሃገራት እስያ ሓድሽ ዕርዲ ዘናድይ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ ኣብ ስሪላንካ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰናይ ርክብን ምክብባርን ከምዘሎን ነዚ ሰናይን ስላማውን ሓባራዊ ናብራ ክህውኽ ዝሃቀነ እዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ ስሪላንካ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ነቲ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኒው ዝላንድ ኣብ ልዕሊ መሳጊድ ዝተፈጸመን ን 50 ዜታት ንሞት ዝዳረገን ሸበራዊ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ምዃኑ ነቲ ጉዳይ ዘጻርይ ኣካል ዝሃቦ ቀዳማይ ግምት ምዃኑ ሓቢሮም፡ ማሕበረ ክርስቲያን ስሪላንካ ስዒቡ ክኽሰት ዝኽእል ኣንታይ ኰን ይኽውን ዝብል ናይ ውሕስነት ኣልቦ ህዋሁ ይስምዖ ኣሎ፡ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ኰነ ሓይሊ ኣሸበርቲ ኣይጠፈኤን፡ ቦታ እናቐያየረ እዩ ዝንቀሳቀስ፡ ስለዚህ ኣሸባርነት ምሉእ ብምሉእ ተወቒዑ ምባል ብሓቒ ከምዘይከኣል ህሉው ኩነታት ዓለም ምምልካት እዅል እዩ፡ ንኣብነት ኣብ ፈረንሳን በልጂምን ዝተራእየ ሃይማኖት ዘማእከለ ግብረ ሸበራ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ፡ ሃይማኖት ምኽንያት ገይሩ ዝፍጠር ግብረ ሸበራን፡ ንግድ ኣጽዋር ውግእን ዘተባብዖን እውን እዩ ኢሎም።

ኣብ ስሪላንካ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ 9 ሚእታዊ ዝሽፍን እዩ፡ ሓሓሊፉ ምስ ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ቡድሃ ዝፍጠር ድሩት ግርጭት እንተዘይኰነ ከምዚ ዓይነት መጠነ ሰፊሕ ዝዀነ ግብረ ሽበራ ክፍጸም እዩ ቢልካ ዝሕሰብ ኣይነበረን፡ ክሳብ ህብረ ግብረ ሽበራ ክፍጸም ንርእይ ኣሎና፡ እቲ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝተሳዕረ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ናብ ፊሊፒንስን ማለዚያን ብሩነይን ኢንዶነዢያን ገጹ ኣቢሉ ከምዘሎ ብዙሕ ምልክታ ኣሎ፡ ሓድሽ መንበር እትዀኖ ሃገር ወይ ከባቢ የናድይ ኣሎ፡ ኣብ ስሪላንካ እውን ምስ በሉ፥

እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ኣብ ምስሪ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ዘውጽእዎ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ፥ ምሉእ ብምሉእ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ግብሪ  ውዕሊ ምርኣይ ዝብል ድላይ ኣሎ፡ ሕልሚ ኰይኑ ከይተርፍ ግና እሰግእ!

ኣብ ስሪላንካ ማሕበረ ክርስቲያን ተዋሂዶም ምስ ኵሉ ሰናይ ርክብ ዘለዎም እያቶም፡ ብሓባር ቡድሃውያንን ክርስቲያንን ሃይማኖት ምስልምናን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም፡ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ብሓባር ዝፍጽምዎ ዕዮ፡ ብዙሕ ጊዜ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ኢሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ከምዘዘንትዎ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሓዋርያው ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ስሪላንካ፥ ብቃል ቅዱስ ኣቦና ንጸናናዕ
24 April 2019, 16:22