ድለ

ወንጌል ኣብ ቻይና፡ ካቶሊካውነትን ኣብ መንጐ ሕሉፍን መጻእን ወንጌል ኣብ ቻይና፡ ካቶሊካውነትን ኣብ መንጐ ሕሉፍን መጻእን 

ወንጌል ኣብ ቻይና፡ ካቶሊካውነትን ኣብ መንጐ ሕሉፍን መጻእን

ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያን ምግልጋል ብዝብል መንፈስ ተነቓቒሓ፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣብ መንጐ 19 ን 20 ክፍለ ዘመን ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል በቲ ኤውሮጳዊ ናይ መግዛእቲ ፖለቲካ ምኽንያት ብዙሕ ጸገም ኣጋጢምዎ እዩ

ንናይ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ሕትመት፡ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን፡ ቻይናዊ ካቶኪካውነት ኣብ መንጐ ሕሉፍን መጻእን ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኣጐስቲና ጆቫኞሊን ኤለና ጂንፐሮ ብሓባር ናይ ዘሰናደውዎ መጽሓፍ መቕድም ደራሲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፐኪንግ ናይ ይግብኣኒ ዝብል ሕቶ እተኸደን ኣይኰነትን ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ክፍለጥ እንከሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊክ ቻይናን ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ግዚያዊ ስምምዕ፡ ዘማእከለ መጽሓፍ ክሕተም እዚ ብጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ዝተሓትመ መጽሓፍ ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ብዙሕ ጻዕሪ ዝተገበረሉን ካብ ርሑቕ ዝተበገሰን ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብ ዘማዕበሎ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ሓቢሮም፡ ስለዚህ ናይ ነዊሕ ዓመታት ውጽኢት እዩ፡ ካብ ርሑቕ ዓመታት ዝተበገሰ ናይ ሓባር ዘተ ውጽኢት ብምዃኑ ዓሚዩቕን ጥልቅን ጽኑዕን እዩ ከበሃል ከምዝከኣል እውን የብርሁ።

ምኽባር ናይ ቻይና ባህሊ፡ ኣብቲ ርክብ ቻይናን ቤተ ክርስቲያንን ዓቢይ ግደ ኣለዎ

ኣባ ማተዮ ሪቺ ልኡከ ወንጌል ኣብ ቻይና ንፈለማ ግዜ ብቛንቋ ቻይና ዝጸሓፍዋ መጽሓፍ ናይ ምሕዝነት ውዕሊ ዝብል ምዃኑ ኣብቲ መቕድም ዝዘከሩ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ምስ ክሱ ጉኣንግፒን ሊ ዚዝሃኦን ምስ ያንግ ቲንግዩን ደሓር ሰለስቲኦም ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ዓንዲ ዝዀኑን ዘማዕበሎ ዕርክነት፡ እምነት ናይቲ ዝሰበዀሉ ሃገርን ሕዝብን ባህሊ ይለብስ፡ ልኡካነ ወንጌል ብዘይ ቻይናውያን ተሓበበርቶም ብዙሕ ኣይምሰጐሙን፡ ቻይናዊ ባህሊ ዝለበሰ ክርስትና - sinicizaztion ሎሚ ነታ ኣብ ቻይና ዘላ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሕቶ እዩ፡ ብመንጽር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ እቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ዘላትሉ ከባቢ ነቲ ዘላትሉ ከባቢ ክትመስል ዝብል ወይ ኣብቲ ናይ ከባቢ ባህሊ ዝወሰጠት ዝብል እዩ።

ምስ ኵላዊት ቤተ ክርሲያን ናብ ሓደ ሓድሽ ርክብ

ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያን ምግልጋል ብዝብል መንፈስ ተነቓቒሓ፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣብ መንጐ 19 ን 20 ክፍለ ዘመን ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል በቲ ኤውሮጳዊ ናይ መግዛእቲ ፖለቲካ ምኽንያት ብዙሕ ጸገም ኣጋጢምዎ እዩ፡ ኣብ እዋን ዝሑል ውግእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ህላዌኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ዓለም ጸልይዎ እዩ፡ በቲ ምስ ቻይና ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ውጥረት ቤተ ክርስቲያን እውን ንህላዌኣ ኣብ ቻይና ከምዝተንከፎን በዚ ምኽንያት እውን ብሕቡእ ከተገልግል ተገደት። ምዕራብ ዓለም ምስ ቻይና ዘለዎ ርክብ ንህላዌ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ብዙሕ ጽልዋ ፈጢሩ እዩ፡ ካህናትን ደናግል ዓለማውያን ምእመናንን እምነቶም ብዓቢይ ስቓይን መከራን ክምስክሩ ተገዱ፡ ንኽርስቶስን ንቤተ ክርስቲያንን ክሳብ ሕይወቶም ሰዊኦም እዮም።

እቲ ግዚያዊ ስምምዕ ኣብ መንገ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ኣብ ስነ ዘተ ሜላ ዝተሞርኰዘ እዩ

ድሕሪ ነዊሕ ጻዕርን ርክባትን እዚ ኸኣ ብጽኑዕ ድላይ ዘተ ተደጊፉ ነቶም ዝነበሩ ዘይምርድዳእ ዝፈጠሮም መሰናኽላት ተሰጊሩ ኣብቲ እቶም ኣብ ቻይና ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ዘይነበሮም ብፁዓን ጳጳሳት ምስ መንበረ ጴጥሮስን ተኸታሊ ቅዱሱ ጴጥሮስን ውህደት ክህልዎም ተገይሩ ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ሓዋርያዊ ጉስነት ተልእዀ ክቕበሉ ናብ ዘኽእል ስምምዕ ተበጺሑ እዩ፡ እዚ ስምምዕ’ዚ ንኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ቻይና ዓቢይ ኣስተንፍሶ ከምዝዀነ ብፁዕነቶም ኣብ ዝደረስዎ መቕድም የብርሁ።

እቲ ግዚያዊ ስምምዕ መባጽሕ ዘይኰነስ መበገሲ እዩ

እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ዝተበጽሔ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ፡ መበገሲ እምበር መባጽሕ ኣይኰነን፡ እታ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ መንበረ ጴጥሮስ ምሉእ ሱታፌ ብዘለዎ ኣገባብ ክትንቀሳቐሽ ዝድርኽ እዩ፡ ናይ እምነትን ሓሴት ኣብታ ናይ ኰንፉቾ መሬት ክትምስክር ዝድግፋ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብቲ ዛዕባ መንእሰያት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝመኸረ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ካብ ቻይና ዝመጹ ክልተ ጳጳሳት እውን ከምእተሳተፉን ዘኪሮም እዚ ብሓቂ ዓቢይ ናይ ተስፋ ምልክት እዩ ኢሎም።

እቲ ስምምዕ፡ ኣብ መንጐ ተዛተይቲ ኣካላት ምትሕብባር ክህሉ ዝድግፍ እዩ

እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊ ረፓብሊክ ቻይና ዝተበጽሐ ግዚያዊ ስምምዕ ንገዛእ ርእሱ ንክሌኣዊ ምትሕብባር ሓለፋ ዝብል እዩ፡ እዚ ኽኣ ኣብ ዓለም ንሕንጸት ሰላምን፡ ሰብኣዊ ሕውነት ንምንቕቓሕን እውን ዝድግፍ እዩ፡ ኣብ መንጐ ክልተ ሉኣላውያን ሃገራት ዝተበጽሔ ስምምዕ እዩ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ኣብቲ እቶም ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እዋናዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቆይማ እተካይዶ ርክብ እዩ፡ ካብቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ ንዝብል ጽኑዕ እምነት ቤተ ክርስቲያን ይጽናሕ ዘይብል ርክብ እዩ፡ እዚ መሰል እዚ ብብሔራውን ብዓለም ለኻውን ደረጃ ክኽበር ቤተ ክርስቲያን ኣበርቲዓ ከምእትዓዪ ዝገለጸ እውን ምዃኑ ብፁዕነቶም ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ኣመልኪቶም፡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም. ናብ ቻይናውያን ካቶሊክ ምእመናን ዝብል መልእኽቶም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ መንግስቲ ስርዓት ንምቕያር ዘይኰነ ህልውናኣ ንዘርኢ ሰብ መድሕን ዓለም ዝዀነ ክርስቶስ ንምብሳር እዩ ዝበልዎ ቃል መሰረት ተልእዀ ቤተ ክርስቲያን ሕጽር ብዝበለ መገዲ የነጽሩ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፐኪንግ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ የብላን

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ናይ ይግብኣኒ ሕቶ እተቕርብ ዘይኰነስ ናብ መላእ ሕዝቢ ቻይና ወንጌል ንምቕራብ ዘኽእላ ናይቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕቶ ናጽነት ሒዛ እያ እትቐርብ፡ ኩሉ ሓውን ሓብትን እዩ ቢላ እትኣምነሉ ዕሴት ሒዛ እያ እትቐርብ፡ እዚ እዩ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵለን ሃገራት እትነብሮ ኪደት እንክብሉ ዝደረስዎ መቕድም የጠቓልሉ።

ወንጌል ኣብ ቻይና፡ ካቶሊካውነትን ኣብ መንጐ ሕሉፍን መጻእን
15 April 2019, 17:00