መስቀል መግለጺ ናይቶም ድሕሪ ኩሎም ዘለው ኮይኑ መን ከማና ንዝብሉ ሓያላን ከኣ ዓቢ መልእኽቲ እዩ!
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ሕማማት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንክዝክር ነቲ ብቃላት ዝንገር ዝነበረ ስቃይ ኣብ ሰውነትን ገጽን ኢየሱስ ብተግባር ይፍጸም። በዚ ከኣ ብዛዕባ መስቀል እነስተንትነሉ ግዜ እዩ። ኢየሱስ ንኩሎም ኣብዚ ዓለም እዚ ዝተካሕዱን ዝተገለሉን ወኪሉ ሥቃይ ናይ ኩሎም ይሽከም።
ኢየሱስ ኣብ ግዜ ሕማማት ጥራይ ዘይኮነ መዋዕሉ ምሉእ ነዞም ሰባት እዚኦም ምስ ወከለ እዩ። ኣብ መብልዕ ማል ተወሊዱ ወለዱ ናብ ቤተመቅደስ ከእትውዎ ኣንከለው ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ክልተ ባሬቶ ርግቢ ኣወፍዮም ከመይ በግዕ ከወፍዩ ይኽእሉ ኣይነበሩን። ብድኽነቶም። ኣብ ግዜ ስብከቱ ርእሱ ዘጸገዓላ እምኒ እኳ ኣይነበረቶን። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝጐዓዝ ፍሉጥ ማሕደርን ቤትን ኣይነበሮን። እዚ ከኣ ኣብ ናይቲ ዘመን እቲ እስራኤል ምስክር ወረቀት ናይ ድኽነት ነበረ።
ነዋ ብእሲ! እነሆ እቲ ሰብ!
እቲ ዘገርም ክንዲ ሠናይ ዝገበረ ተኸሲሱ ናብ ጲላጦስ ንክስቀል ንክቅተል ምስ ኣብጽሕዎ ጲላጦስ ሓቂ ክፈርድ ፍትሒ ከውጽእ ብዙሕ ጽዒሩ ምዃን ምስ ኣበዮ ገለ ደንጊጾም እንተራሕርሑሉ ኢሉ ኣግሪፉ ኣኽሊል እሾዅ ኣብ ርእሱ ገሩ መላገጺ በትረ መንግሥቲ ኣትሒዙ ቀይሕ ክዳን ከዲኑ እንሆ እቲ ሰብ ይብሎም።
ድርብ ትርጉም ሕማማትን ሞትን ኢየሱስ!
እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቅለ ኢየሱስ ናዝራዊኸስ ኣርማ እታ ዝተዋረደትን ዝተገፍዔትን ሰብኣውነት ኮይኑ ኩሉ ጽጉም ኣማንስ ይኹን ዘይኣማኒ ንኣኡ ዝምሰለሉ እዩ።
ነገረ መስቀል ነቶም ሓያልን’ውን መልእኽቲ እዩ!
ሱቕ ዝበለ ዝመስል መስቀል ክርስቶስ ነቶም ብግዝያዊ ሓይልን ዓወትን ሰኺሮም ኩሉ ዝኽእሉ ንዝመስሎም ብኩሉ ቀሲኖም ዝነብሩ ዝመስሎም ዓው ኢሉ ዝጭርሕ ዘየቅስን ሓያል መልእኽቲ እውን እዩ።
ቤተክርስትያንን እምነታትን!
ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ስብከቶም ኣብ ምዝዛም ቤተክርስትያን ዓቢ ተልእኮ ከምዘልዋ ገድ ኩለን ሃይማኖታት ከኣ ሰላም ምድንፋዕ ምዃኑ ይገልጹ።
ከምቲ ትንሣኤ ክርስቶስ ዘብስሮ ድሕሪ እዚ ኩሉ ሥቃይ ብርሃን ክርእዩ ምዃኖም ካብ ጐይታ ዓስቦም ክቅበሉ ምዃኖም ዘይምዝንጋዕ። ከመይ ንኣና ክብል ሓጢኣትና ተሸኪሙ ስለሓጢኣተኛታት ጸልዩ ድኻምና ኩሉ ተሸኪሙ ድኹም ኰይኑ ኣብ ዓወት ከምዝበጽሔ ንዘክር እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።