ድለ

መስቀል መግለጺ ናይቶም ድሕሪ ኩሎም ዘለው ኮይኑ መን ከማና ንዝብሉ ሓያላን ከኣ ዓቢ መልእኽቲ እዩ!

ሰባኬ ቤተር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ንፋሲካ መሰናደዊ ዝኸውን ስብከት ኣብ ዝሓለፈ ዓርብታት ምስ ኣቅረቡ ትማሊ ከኣ ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ተዘኪሩ ዝወዓለ በዓለ ዓርቢ ስቅለት ኣመልኪቶም `በዓለ ፋሲካ ብእግዚአብሔር ኣቦ ዝተሠርሔን ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግብሪ ዝወዓለን ዓቢ ሥራሕ ኮይኑ ብዓወት ንዝሰኽሩ ዝገደደ ጌጋ ከይፍጽሙ ዘጠንቅቅን ነቶም ኩሉ ዝኽእሉ ዝመስሎም ናይ ዓለምና ሓያላን ከኣ ንጹር መልእኽቲ እዩ’ እንክብሉ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሕማማት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንክዝክር ነቲ ብቃላት ዝንገር ዝነበረ ስቃይ ኣብ ሰውነትን ገጽን ኢየሱስ ብተግባር ይፍጸም። በዚ ከኣ ብዛዕባ መስቀል እነስተንትነሉ ግዜ እዩ። ኢየሱስ ንኩሎም ኣብዚ ዓለም እዚ ዝተካሕዱን ዝተገለሉን ወኪሉ ሥቃይ ናይ ኩሎም ይሽከም።

“ሎሚ ንመስቀል ክርስቶስ በዚ መልክዕ እዚ ክነስተንትን ኢና። ማለት ክርስቶስ ነቶም ዝተነጽጉን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተገለሉን ናይ ዓለምና ወኪሉ ክንምልከቶ ኢና። ነዞም ሰባት እዚኦም ንከይንርኢ ብዙሕ ግዜ ናብ ካልእ ንጥምት። ሎሚ ግን ኣብ መስቀል ኢየሱስ ክንርእዮም ብዛዕባኦም ክነስተንትን ኢና።”

ኢየሱስ ኣብ ግዜ ሕማማት ጥራይ ዘይኮነ መዋዕሉ ምሉእ ነዞም ሰባት እዚኦም ምስ ወከለ እዩ። ኣብ መብልዕ ማል ተወሊዱ ወለዱ ናብ ቤተመቅደስ ከእትውዎ ኣንከለው ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ክልተ ባሬቶ ርግቢ ኣወፍዮም ከመይ በግዕ ከወፍዩ ይኽእሉ ኣይነበሩን። ብድኽነቶም። ኣብ ግዜ ስብከቱ ርእሱ ዘጸገዓላ እምኒ እኳ ኣይነበረቶን። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝጐዓዝ ፍሉጥ ማሕደርን ቤትን ኣይነበሮን። እዚ ከኣ ኣብ ናይቲ ዘመን እቲ እስራኤል ምስክር ወረቀት ናይ ድኽነት ነበረ።

ነዋ ብእሲ! እነሆ እቲ ሰብ!

እቲ ዘገርም ክንዲ ሠናይ ዝገበረ ተኸሲሱ ናብ ጲላጦስ ንክስቀል ንክቅተል ምስ ኣብጽሕዎ ጲላጦስ ሓቂ ክፈርድ ፍትሒ ከውጽእ ብዙሕ ጽዒሩ ምዃን ምስ ኣበዮ ገለ ደንጊጾም እንተራሕርሑሉ ኢሉ ኣግሪፉ ኣኽሊል እሾዅ ኣብ ርእሱ ገሩ መላገጺ በትረ መንግሥቲ ኣትሒዙ ቀይሕ ክዳን ከዲኑ እንሆ እቲ ሰብ ይብሎም።

“እዚ ነቶም ብዝተፈላለየ ማእሰርቲ ዝርከቡን ኣብ ትሕቲ ቊርን ሃሩርን ዝነበሩ ወተሃደራትን ዝጭቘኑ ድኻታትን ብኩሉ ተሳቅዮም ከም ኢየሱስ እነሆ እቲ ሰብ እንክብል ጲላጦስ ነቶም ቀተልትን ኣሰቀይትን የወፍዮ (ዮሓ 19.5) እዛ ቃል እዚኣ ድሕሪ ኢየሱስ ኣብ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክትድገም ከም ማንም ኣቅሓ ተቈጺሮም ዝኾነ ሰብኣዊ መሰሎም ንዝተቀንጠቱ ይውክል።”

ድርብ ትርጉም ሕማማትን  ሞትን ኢየሱስ!

እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቅለ ኢየሱስ ናዝራዊኸስ ኣርማ እታ ዝተዋረደትን ዝተገፍዔትን ሰብኣውነት ኮይኑ ኩሉ ጽጉም ኣማንስ ይኹን ዘይኣማኒ ንኣኡ ዝምሰለሉ እዩ።

“ወንጌል ኣብ ሕማማትን ሞትን ደው ኣይብልን! እቲ ዝተሰቅለ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢኡ ይብል። ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስከስ ኩሉ ነገራት ይገማጠል። እቲ ዝተሳዕረ ዝመስል ዝነበረ ኣብ መወዳእታ ሰዓሪ ይኸውን። እቲ ብዘይከውን ዝተፈርደ ባዕሉ ፈራዲ ይኸውን `እታ ዝተናዕቀት እምኒ እምኒ ኲርናዕ እምኒ መሠረት ትኸውን ` (ግሐ 4.11) እታ ናይ መወዳእታ ቃል ናይቶም ኢፍትሓውያን ደያኑ ወይውን ናይቶም ጨቆንቲ ፍርዲ ኰይና ኣይትፈልጥን ፈጺማ እውን ኣይክትከውንን እያ። እምበአርከስ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ካብዚ ምድሪ እዚ ብዘይ ርስትን መሰልን ንዝተረፉ ክብሪ ጥራይ ኣይኮነን ዝህቦም ተስፋ እውን የስንቆም።”

ነገረ መስቀል ነቶም ሓያልን’ውን መልእኽቲ እዩ!

ሱቕ ዝበለ ዝመስል መስቀል ክርስቶስ ነቶም ብግዝያዊ ሓይልን ዓወትን ሰኺሮም ኩሉ ዝኽእሉ ንዝመስሎም ብኩሉ ቀሲኖም ዝነብሩ ዝመስሎም ዓው ኢሉ ዝጭርሕ ዘየቅስን ሓያል መልእኽቲ እውን እዩ።  

“ኰይኑ ግን ከም ወትሩ ናይ ፍቅርን ናይ ድሕነትን መልእኽቲ እምበር ናይ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ኣይኮነን። ነቶም ሓያላን ዘዘኻኽሮም ነገር እንተሃልዩ ንሶም እውን ከም ኩሎም መወዳእታኦም ሓደ ምዃኑ ማለት ድኹማትን ሓያላትን ጨቈንትን ጭቑናትን ኩሎም ኣብ ድሩትነት ደቂሰባት ምዃኖም እዩ። ሞት ከስ ከም ሰይፊ ደሞክለ ኣብ ርእሲ ነፍሲ ወከፍ ተጠንጥል ከምዘላ የዘኻኽሮም። ነቲ ብሃለፍታ ከኣሊ ኩሉነት ዝተለኽፉ ከኣ ዝገደደ ጌጋ ከይፈጸሙ ክምለሱ የጠንቅቅ።”

ቤተክርስትያንን እምነታትን!

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ስብከቶም ኣብ ምዝዛም ቤተክርስትያን ዓቢ ተልእኮ ከምዘልዋ ገድ ኩለን ሃይማኖታት ከኣ ሰላም ምድንፋዕ ምዃኑ ይገልጹ።

“ቤተክርስትያን ካብ መስራቲኡ ዝተቀበለቶ ተልእኾ ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ድኹማትን ኰይና ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ንክትከውን እዩ። በዚ ብኩሉ እቲ ትገብሮ ምናዳ በቲ ዓቢ ጓሳኣ ር.ሊ.ጳ እትገብሮ ኩሉ ንእግዜብሔር ነመስግን። ካልኣይ ታሪኻዊ ዕዮ ገዛ ናይ ኩለን እምነታት ከኣ ብሓባር ኣብ ቅድሚ ሥቃይ ናይ ዓለምና ሱቚ ከይበላ ሰላም ከደንፍዓ እዩ። ቊሩባት ሓያላት ንዝበዝሐ ሃብቲ ዓለም ክግብቱን ንዘመናት ከምዝነብሩ ንዘይውድእዎን ዘይጥቀሙሉን ነገር ክእክቡን ሓመድ ሓፋሽ ከኣ ብድኽነት ክሃልቁን ቁራስ እንጌራን ዕማኾ ማይን ስኢኖም ክሳቀዩ እናረአኻ ሱቚ ዘይምባል። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ማንም እምነት ማእከላይ መርገጽ ሒዙ ሱቊ ክብል የብሉን ከመይ ናይ ኩለን እምነታት ኣምላኽ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ማእከላይ መርገጽ ሒዙ ሸለል ዝብል ኣይኮነን።”

ከምቲ ትንሣኤ ክርስቶስ ዘብስሮ ድሕሪ እዚ ኩሉ ሥቃይ ብርሃን ክርእዩ ምዃኖም ካብ ጐይታ ዓስቦም ክቅበሉ ምዃኖም ዘይምዝንጋዕ። ከመይ ንኣና ክብል ሓጢኣትና ተሸኪሙ ስለሓጢኣተኛታት ጸልዩ ድኻምና ኩሉ ተሸኪሙ ድኹም ኰይኑ ኣብ ዓወት ከምዝበጽሔ ንዘክር እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
19 April 2019, 20:03