ድለ

92 ዓመት በነዲክቶስ መበል 16፡ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጥምረት ኣብ ፍኖተ ንስሓ 92 ዓመት በነዲክቶስ መበል 16፡ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጥምረት ኣብ ፍኖተ ንስሓ 

92 ዓመት በነዲክቶስ መበል 16፡ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጥምረት ኣብ ፍኖተ ንስሓ

ነቲ ንዓለምን ንቤተ ክርስቲያንን ስግኣት ዝዀነ ዓቢይ ገበን ንምስናፍን ንምስጋርን ገዛእ ርእስና ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ምሕዳግ

በነዲክቶስ መበል 16 ዘብዕልዎ መበል 92 ዓመት ዕድመኦም በቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንንባብ ዝበቕዔ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብዝሃብዎ ሰፊሕ ትንታነን ነቲ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ብዝወሃቦ ዘሎ ርእይቶን ዝተሰነየ ምዃኑን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ሓቢሮም፡ እቲ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምውጋድ ኣብ ዝገበር ቃልሲ ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘዋህዶም ምዃኑ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የመልክቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መበል 92 ዓመት ዕድሜኦም ኣብዒሎም፡ ናይ ለምዘበን 2019 ዓ.ም. መዓልቲ ልደቶም በቲ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝተፈጸመ ኣማእኪሎም ብዝሃብዎ ሰፊሕን ነዊሕን ታሪኽ ተወካሲ ትንታነ ዝተሰነየ ክኸው እንከሎ፡ ነቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝወሃቦ ዘሎ መልሲ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ክሕብሩ እንከለዉ፡ ነቲ ንዓለምን ንቤተ ክርስቲያንን ስግኣት ዝዀነ ዓቢይ ገበን ንምስናፍን ንምስጋርን ገዛእ ርእስና ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ምሕዳግ እዩ ክብሉ እንከዉ፡ ባዕልና ኣብ እንሓንጻን ስርሓት ኢደ ሰብ ኣብ ዀነትን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ብቕዓትን እትተኣማመን ቤተ ክርስቲያን ትማልን ሎምን ጽባሕን ተስፋ ክህሉ ኣይከእልን፡ ስለዚህ ስርሓት ኢደ ሰብ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ኣይተድልየናን እያ፡ ብዙሕ እዋን ቤተ ክርስቲያን ክም ሓደ ናይ ፖለቲካ መጋበርያ ተገይራ ትሕሰብን እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ እታ ቤተ ክርስቲያን ጽቡቕ ስለ ዘይሰራሕናያ እዩ ቢልና ኣብታ ብኢደ ሰብ እትሕነጽ ቤተ ክርስቲያን እነተኵር እንተድኣ ኰይንና፡ እታ ባዕልና እንሓንጻ ቤተ ክርስቲያን መፍትሒ ክትከውን ኣይትኽእልን ኣልቦ ተስፋ እውን እያ።

እቲ ክወሃቦ ዝግብኦ መልሲ ኣብቲ ስርሓት ኣብ ዝዀኑ ቅርጽታትን ወይ ኣብ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋንን ብዝቐርቡ ግዚያውያን መምርሕታት፡ እቲ ገበን ሕጹጽ መልሲ ዘድልዮ እውን እንተዀነ፡ ብቕዑን ብግቡእ ክብድሆ ዝኽእል ናይ ሕጻናት ትሕቲ ዕድመ መሰልን ክብርን ክውሕስ ዝኽእል፡ ቅድም በነዲክቶስ መበል 16 ሎሚ ኸኣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝህብዎን ዘመሓላልፍዎም ዘጽደቕዎም ሕግታት ወሳኒ እዩ፡ ክርስቲያናዊ መልሲ እዩ። ነዚ ብቐረባ ንምስትውዓል ቅድም እታ በነዲክቶ መበል 16 ናብ ኣየርላንድ ናብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ናብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዘርእስቱን ደሓር እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ቺለ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ኣብ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምዝካር የድሊ፡ እቲ ክልተ መልእኽቲ ዝተጻሓፈሉ እዋን ቤተ ክርስቲያን በቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጠሮ ዕንቅፋትን ውጥረትን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን።

መጋቢት 2010 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16፥ ናብ ኣየርላንድ ናብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉድ ክህነት ዝተፈጸመ ከቢድ ገበን ብዘይ ሓፈሻዊ ድምዳመ፡ ብናጽላ ምምርማሩን ምምልካቱን ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ እውን ንበይኑ እዅል ኣይኰነ ናይ ሓባር ናይ እምነትና ጸጋ ንህልውን መጻእን ትውልዲ ኣስተንፍሶ ምዃኑ ዘረጋጽ ሓድሽ ራእይ ክውሰዀ ከምዘለዎ የተሓሳስቡ።

ራትዚንገር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣየርላንድ ክሳብ በዓለ ፋሲካ 2011 ዓ.ም. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ናይ ንስሓን ጣዕሳን ብውልቅን ብማሕበርን ክንበርን ብዛዕባ እዚ ዝምልከቱ ቅዱሳት ምንባባትን ግብረ ሰናይን ምፍጻምን ናይ ፈውስን ሕዳሴን መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣየርላንድ ክዓዩን ወሲኖም፡ ናይ ዕርቂ ቅዱስ ምስጢር ጥልቂ ትርጉም ዳግም ንኸስተውዕሉ ነቲ ኣብቲ ምስጢር ዘሎ ሕይወት ዝቕይርን ዝሕድስን ጸጋ ንኽትዕደል ኣተባቢዖም፡ እቲ ምስጢር ብጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን ጾምን ተጋድሎን ዝተሰነየ ክኽውን እውን የተሓሳስቡ። ቤተ ክርስቲያን ዝወርዳ መጥቃዕቲ ካብ ደጋዊ ኣካል ኣይኰነ፡ እንታይ ደኣ ካብቲ ኣብ ውሽጣ ካብ ዘሎ ኣባላ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ናይ ደቃ ሓጢኣት፡ … ምጥዓስን ተጋድሎን … ምምላስን ካብቲ ልዑል ፈጣር ሓገዝ ምድላይን።

ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ብትኽክል ዕለት 1 ሰነ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብታ ብናይ ወሲብ ዓመጽ ኣዚያ ዝተጠቕዐት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ … ሕዳሴ ናይታ ኣብ ቺለ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ላዕለዋይ መዋቕራዊ ሓዋርያዊ ቤት ምህደራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብ ሕዳሴን ንዅሉ ዝምልከት ሕዳሴን ለውጥን እዚ ኸኣ ብጸሎትን ተጋድሎን ዝተሰነየ ክኸውን የተሓሳስቡ።

ር.ሊ.ጳ. በርጐሊዮ ብገዛእ ርእሳ እትሕነጽን ኣብ ገዛእ ርእሳ እትተኣማመን ቤተ ክርስቲያን ዘይተድልየና ምዃና ኣብሪሆም፡ ገበናት እተሓባብእን እትኸዋውልን ገዛእ ርእሳ ፍጽምቲ ገይራ እተቕርብን ዘይኰነስ ክትፍወስ መታን ኣቝሳላ ኵሉ ኣብ ትሕቲ ኢየሱስ ክርስቶስ እተንብር፡ ናብኡ ትምሕጸንን፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ዘማእከለ  ዕለት 20 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ናብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን ምልዋጥን ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምምላስን ዝሓትት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ጸሎትን ንስሓን፡ ጾምን ጸሎትን ከምቲ ክርስቶስ ዝደልዮ ሕልናና መታን ክነቓቓሕ፡ በዚ መገዲ’ዚ ኣቢልና ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ኣቐዲምና ናይ ምክልኻል ባህሊ ነስፍሕ ይብሉ።

ቅዱስነቶም  መገዲ ንስሓ የመልክቱ፡ ልክዕ ዕለት 14 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ሆሳዕና ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ እቲ ዓቢይ ስግኣት ንቤተ ክርስቲያን መንፈስ ዓለማውነት ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም ካብ ዝዀነ ይኹን ርእሰ ተዓዋትነት መንፈስ ክትላቐቕን ካብ ውደራ ትውሳኤን ላዕልን ታሕትን እትብል ዘይኰነ ድኻምነታን ሓጢኣታን ዘይትሓብእን ከም እኖ ማርያም መገዲ ትሕትና እትስዕብ ቤተ ክስቲያን የተሓሳስቡ፡ ልክዕ ቅድሚኦም ከም ዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16።

(Andrea Tornielli)

92 ዓመት በነዲክቶስ መበል 16፡ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጥምረት ኣብ ፍኖተ ንስሓ
16 April 2019, 16:34