ድለ

ምዝዛም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልኡኽ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ምስሪ ምዝዛም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልኡኽ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ምስሪ 

ምዝዛም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልኡኽ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ምስሪ

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ንጐሆ ኣብ ምስሪ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ኑሳሮን ኣብ ምስሪ ናይ ቆጵጣዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕነቶም ኢብራሒም ሰድራክ ተሰንዮም

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 800 ዓመት ኣብ ዳሜታ ርክብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ሱልጣን ኣል ካሚልን ናይ ምስርቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝኸታተል ቅዱስ ማሕበር ህይንተ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ምስሪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 4 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ካይሮ ኣብ ዝርከብ ናይ ላቲን ስርዓት ኣብ እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ከምዝዛዘሙ ልእኽቲ ጋዚጠይና ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 4 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ንጐሆ ኣብ ካይሮ ቤተ መግንስቲ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ርእሰ ብሔር ኣል ሲሲ ከምእተራኸቡን ድሕሪ ቐትሪ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ናይ ላቲን ስርዓት ኣምልዀ ኣብ እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎምን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ነቲ ቅድሚ 800 ዓመት ኣብ መንጐ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ሱልጣን ኣል ካሚልን ዝተኻየደ ርክብ እናሓሰቡ፡ ዝዀነ ፍጥረት ክቡር ምዃኑን እዚ ኸኣ ብዘይ ሃይማኖታዊ ኣፋላላይ ክስዓብ ዘለዎ ወርቃዊ መምርሒ ሕይወት ምዃኑ ዘዝርኻኽር ርክብ እዩ፡ ነቲ ንምስልምና ሃይማኖት ዘይናቱ ስም ዝሃቦን መጋበርያ ዓመጽ ንዝጥቀመሉ እውን መልሲ እዩ፡ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብን ኣብ ኣቡ ዳቢ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ብዝተበጽሔ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምእተሓደሰን እዋናውነቱ ተመስኪሩ እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ገሊጸን።

ኣብቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ምስሪ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ሚኒስትር ናቢላ ማክራም ከምእተሳተፋን ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዶኒኒ ኣስዒበን ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓበሩ ናይ ፍራንቸስካውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ሓው ሚካኤል ፐርይ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ነፍሲ ወከፍና ሕይወቱ ብጭቡጥ ክፉት ገይሩ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ሓልዮትን ትሕትናን ምክብባርን ሰላምን ክርከብ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሓቢረን፡

ርክብ ምስ ርእሰ ብሔር ኣል-ሲሲ

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ንጐሆ ኣብ ምስሪ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ኑሳሮን ኣብ ምስሪ ናይ ቆጵጣዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕነቶም ኢብራሒም ሰድራክ ተሰንዮም ቅድሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ ርእሰ ብሔር ኣል ሲሲ ከምእተራኸቡን ቅድሚ ምስ ርእሰ ብሔር ኣል ሲሲ ምስ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ሳመሕ ሓሳን ሹክርይ ተራኺቦም ብዛዕባ ህልው ኵነታት ፖለቲካው ስነ ኣቀማምጣ መልክኣ ምድሪማ

ማእከላይ ምብራቕን ኣብቲ ከባቢ ግደ ምስርን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ከምእተዘራረቡን ምስ ርእሰ ብሔር ኣል ሲሲ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ስምምዕን ብሓባር ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር ውሳኔን ኣማእኪሎም ከምእተመያየጡን እዚ ማንም ካብ ዝስዕቦ ሃይማኖት ወጻእ ብሕውነትን ሓድነንት ምንባር ክኡል ምዃኑ ዘረጋግጽን፡ ኣስላም ይኹን ክርስቲያን ብምክብባርን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ተኸቢሩሉ ክነብር ክምዘለዎን ዓሌትን ሃይማኖትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ጸቕጢ ክኸውን የብሉን ዝብል ሓሳብ ዝተሰመረሉ ርክብ ምንባሩ ኣፍሊጠንም።

ብፁዕነቶም ኣብ መወዳእታ እቲ ርክብ ንርእሰ ብሔር ኣል ሲሲ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተላእከ ናይ ግሊ መልእኽትን ምስኡ ዝተተሓሓዘ እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣረኪቦምን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኢብራሒም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስሪ ንሰብኣውን ማሕበራውን ምዕባለ ግዴኣ ከምእተበርክት ዘረጋግጽ መልእኽቲ እውን ከምዘመሓላለፉ ዶኒኒ ገሊጸን።

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ድሕሪ ቅዳሴ ኣብ ምስሪ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተመስረተን ዝመሓደርን መእለዩ ኣካለ ስንኩላን ብምኻንድ ምብጻሕ ኣካይዶምን ብሓባር ምስ ፓትሪያርክን ጳጳሳትን ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም ናይ ምሳሕ መኣዲ ከምእተቛደሱ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ምዝዛም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልኡኽ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ምስሪ
05 March 2019, 16:07