ድለ

ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣደን መርዓትን ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣደን መርዓትን 

ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣደን መርዓትን

ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ጋብሬኤላ ጋምቢኖን እውን ብወገነን፡

ብምኽንያት ዕለት 8 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘሰናደዎ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቲዮሎጊያ ቤት ጽሕፈት ሓላፊት ናታሻ ጎቨካርን ናይ ቫቲካን ቤተ መዘክር ኣመሓዳሪት ባርባራ ያታን ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ጋብሬላ ጋምቢኖ ዘረባ ከምዘስምዓ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናታሻ ኮቨካር ዘቕረብኦ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ኣብቲ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ እመ መድሃኔ ኣለም ቤተ ጸሎት ዘሎ ቅዱሳት ምስልታት መሰረት ዝገበረ ክኽውን እንከሎ፡

ሓልዮትን ለውሃትን ደቀንስትዮ

ብፍላይ ሓንቲ ሰበይቲ እግሪ ኢየሱስ ዘይቲ እትቐብእ ዘርእይ ምስሊ ናይ ጓለንስተይቲ ሓልዮትን ለውሃትን ዝገልጽ ከምዝዀነ፡ ብሰብኣዊ ዓይኒ ውርደት ከስምዕ ዝኽእል እዩ፡ ከምዚ ከምዘይኰነ ከኣ ኢየሱስ ባዕሉ፥ ወንጌል ናብ ኩሉ ዓለም ኣስፍሑ እንክብል ኣብ ዝሃቦ ተልእኾ ህልው ዝዀነን ዝዝንተውን ኣብ ወንጌል ዝተጸሓፈ ኩነት እዩ፡ ንዓለም ኵሉ ዝንገር ኵነት ምዃኑ ይትንትና።

ተራኻቢ ፍቕሪ

ካልእ ቅዱስ ምስሊ ከኣ ያዕቄምን ሓናን ዘርኢ ጠቒሰን፡ ናይ ክልተ ሰብ ሓዳር ሰብ ቃል ኪዳን ፍቕሪ ዝነገር ምስሊ እዩ፡ ተራኻቢ ፍቕሪ ስግው ዝገብር ታሪኽ፡ ጓለንስተይቲ ፍቕሪ ስቡእ ትገብር፡ ሰብኣይ ኣብዚ ተራኻቢ ፍቕሪ’ዚ ዝድግፍን ንእሽተይ ፈጣሪ ኰይኑ ከይስምዖ ዝድግፎ ፍቕሪ ዘመላኽት ከምዝዀነ የብርሃ።

ኣብ ዘጋጥም መከራ ሰናይ ምስትውዓል

ካልእ ምስሊ ቅድስቲ ተረዛ በነደታ ዘመስቀል (ኤዲት ሽታይን) ኣብ ቅድሚ ሃልሃልታ ቁጥቋጥ እንኰላ ዘርእስ ምስሊ ጠቒሰን፡ ኤዲት ሽታይን ኣናስራ እምነት ኣይሁድ ስለ ዝነበረት ብናዚ ተዓፊና ምስ ኵሎም ኣሕዋታ ኣይሁኣውያን እብ ኣውሽዊዝ መዳጐኒ ሰአር ዝተወስደትን ክትከውን ኣንከላ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝድርት ዝዀነ ይዅን ክፍኣት ከምዘየለ ዝመስከረትን፡ ፍቕሪ ልዕሊ ኵሉ መንፈስ ክፍኣት ኣዚዩ ሓያል ምዃኑ ተረጋግጽ፡ እቲ ምስሊ ነዚ ዝገልጽ እዩ እንክብላ የረድኣ።

ዓቢይ ኣተኵሮ ነበርክቶ ጓለንስተይቲ

ናይ ቫቲካን ቤተ መዘክር ኣመሓዳርቲ ባባራ ጃታ እውን ብወገነን፡ ደቀንስትዮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘለወን ሓላፍነትን ኣበርክቶኤን ግቡእ ግምት ዝወሃቡ ምዃኑ ካብ ናታተን ተመክሮ ተበጊሰን ክሕብራ እንከለዋ ምስ ቫቲካን ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዝገብ ማሕበራዊ ትምህርቲ ጓለንስተይቲ ኣደነታ ዝዕንቅጽ ዘበለ ኵሉ መሰናኽል ክውገድ የተሓሳስብን ብኸመይ ክውገድ ከዘለዎ እውን መገዲ የመላኽት ይብላ።

ቤተ ክርስቲያን ኣደ እያ

ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ጋብሬኤላ ጋምቢኖን እውን ብወገነን፡ ምልስ ቢለን እቲ ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ናይ ዝተፈላለያ መንፈሳዊ ማሕበራት ላዕለዎት ኣሕሉቕን ክኢላታትን ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዘኪረን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኣቑሳል ቤተ ክርስቲያን ንኽትዛረብ ጓለንስተይቲ ምዕዳን ማለት ባዕላ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ቍስላ ከምእትዛረብ እዩ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ፡ ንጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ክትዋሳእ ከምዘለዋ ዘመላኽት ሓሳብ ዘይኰነስ፡ ጓለንስተቲ ከም ተክለ ሰብነት ቤተ ክርስቲያን ክትዋሃድን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክትሓሰብን ዝብል እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ብናይ ጓለንስተይቲ ምዃናውነት ምሕሳብ ዝብል ምዃኑ የብርሃ።

ግደ መራኸቢ ብዙሓን

መራኸቢ ብዙሓን ይብላ ጋምቢኖ፡ ኣብ ልዕሊ ጓለንስተይቲ ጉቡእ ርእየት ክህሉ ኣብ ምግባር ከይዲ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ ጠቒሰን፡ ስለዚህ ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይዅን ኣብ ሕብረተሰብ ክወሃባ ዝግብኦ ርእየት ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ መራኸቢ ብዝሓን ዓቢይ ተራ ኣለዎ፡ ስለዚህ ጓለንስተይቲ ከም ሰብ ኵለንተናውነታ ክስትውዓል ይግብእ፡ ጓለንስተይቲ ኣደን መርዓትን እዚ ኣብ ምዃና ዘሎ ሓቂ ምዃኑ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ዘብርህዎ ሓሳብ ምዃኑ የዘካኽራ።

ነፍሲ ወከፍ ጓለንስተይቲ ኣደ እያ

ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ጋምቢኖ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየደዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ኣደነት ጓለንስተይቲ ጸቢጽ ኣረኣእያ እዩ ዘሎ፡ እዚ ከኣ ስነ ሕይወታውን ግብረኣውን ምስ ዝብል ሓሳብ ብምትሕሓዝ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ጓለንስተይቲ ኣብ ዝዀነ ይዅን ኵነትን ቦታን ወትሩ ኣደ እያ፡ ስለዚህ ኣደነት ጓለንስተይቲ ስነ ሕይወታዊ ርክብ ብዘለዎ መገዲ ጥራሕ ዝግለጽ ዘይኰስ ካብ ሰብኣይ ኣብ ምዃናውነታ ዝፈልያ ኣናስራውን ፍሉይነታን ዝገልጽ መንፈሳውን ግብረ ገባውን ብዘለዋ ብቕዓታ ዝግለጽ እውን እዩ፡ ወላዲት እያ፡ ኣደነትን ኣቦነት እትወልድ እያ ይብላ።

ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣደን መርዓትን

Photogallery

ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣደን መርዓትን
09 March 2019, 17:35