ድለ

ብምኽንያት ሻድሻይ ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቃል ምስጋና ብፁዕ ካርዲናል ረ ብምኽንያት ሻድሻይ ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቃል ምስጋና ብፁዕ ካርዲናል ረ 

ብምኽንያት ሻድሻይ ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቃል ምስጋና ብፁዕ ካርዲናል ረ

ካብ መላእ ብፁዓን ካርዲናላት ብዕድመ ዝዓበዩ ኣብቲ ሱባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ብስም ኵሎም ብፁዓን ካዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ኵሪያ ሮማና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓለፍቲ ዝርከብዎም ብሓባር ካብ ዕለት 10 መጋቢት ክሳብ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣሪቻ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዓቢይ ጾም መንፈሳዊ ሱባኤ፡ ሎሚ ዕለት 13 መጋቢት ዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ሕርየት ቅዱስ ኣቦና ምዃኑ ንጐሆ ብቕዳሴ ከምእተዘከረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብ መላእ ብፁዓን ካርዲናላት ብዕድመ ዝዓበዩ ኣብቲ ሱባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ብስም ኵሎም ብፁዓን ካዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ኵሪያ ሮማና ንጐሆ ቅድሚ ቅዳሴ ሎሚ ዕለት 13 መጋቢት 2019 ዓ.ም.  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ንኽዀኑ ዝተሓረዩላ ዕለት ምኽንያት ሻድሻይ ዓመት ሕርየቶም ኣብ ዝዝከረሉ እዋን፡ ቅዱነትኩም በዛ ዕለት እዚኣ ዝስምዓና ሓሴት ንገልጸኩም፡ ጐይታ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤተ ክርስቲያንን ነሕዋት ኣብ እምነት ናይ ምጽናዕን ናይ ሓድነትን ውህደትን መሰረት ንኽትኰኑን እቲ ናብ ሰማይ ዝመርሕ በሪ ንኸተመላኽቱ ዝሃበኵም ሓላፍነት ብርሃን ኰይኑ ክመርሓኩምን ክድግፈኩምን ንጐይታ ንልምን። ቅዱስ ኣቦና ባሩኹና፡ ብፍቕርን ኣኽብሮትን ብተወፋይነትን ተኣዝዞን ዘሎና ቅርበት ነረጋግጸልኩም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።

13 March 2019, 16:39