ድለ

ኣብ ምስሪ ሓጐስ ዝተመልኦ ርክብ ኣብ መንጐ ካርዲናል ሳንድሪን ፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማውን ኣብ ምስሪ ሓጐስ ዝተመልኦ ርክብ ኣብ መንጐ ካርዲናል ሳንድሪን ፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማውን 

ኣብ ምስሪ ሓጐስ ዝተመልኦ ርክብ ኣብ መንጐ ካርዲናል ሳንድሪን ፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማውን

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብቲ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ናይ ግብጺ ኣል ሓዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ጠቒሶም

ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ሓባር ናይ ዘተ ጉዕዞ ክቕጽል ሰናይ ፍቓድ ዝመስከረን ኣብ ልዕሊ ምእመናን ዝፍጸም ግብረ ሸበራ ዘስዕቦ ሓዘን ተኻፋልነት ዝመስከረ ርክብ ኣብ መንጐ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪን ናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ድግማውን ኣብ ምስሪ ዕለት 2 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ልዕሊ ምስራዊት ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ስቓይን ሓዘንን ተኻፈልቲ ኢና፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ኣብ እስክንድሪያ ምስ ምስራዊት ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ዳግማዊ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ክኸውን እክሎ፡ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ብምኽንያት ኣብ ዳሜታ ዝኽሪ መበል 800 ዓመት ርክብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ሱልጣን ማሊክ ኣል ካሚል ኣብ ዝካየድ በዓል ቅዱስ ኣቦና ወኪሎም ንኽሳተፉ ኣብ ምስሪ ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ምህላዎም ቅድም ክብል ከምእተሓበረ ዝፈለጥ ኰይኑ፡

ሰብኣዊ ሕውነት

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብቲ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ናይ ግብጺ ኣል ሓዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ጠቒሶም፡ እዚ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘሎ ርክብ ዝሕድስን ተስፋ ዘልብስን እዩ ከምዝበሉ ዝሓራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ማሶቲ ኣስዒበን፡ ብፁዕነቶም ንብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሰላምታ እውን ኣብጺሖምን ኣብ ኣቡ ዳቢ ናይ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ዝገልጽ መዳልያን ብዓረብይናን እንግሊዘይናን ቋንቋ ዝተሓትመ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ስምምዕ ሰነድ ገጸ በረከት ከምዝርቕረቡ ኣፍሊጡ።

ታዋድሮስ፡ ኣገዳስነት ኣፍላጦን ጸሎትን

ብፁዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ዳግማዊ እውን ብወገኖም፡ ቅኑዕ ምሕዝነትን ናይ ሓባር ኣናስር ብሓባር ምጽናዕን ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስትያን ነናይ ባህለን ኣናስር ከላልያን፡ ናይ ሓባር ዘተን ጸሎትን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃል ከምዘስምዑን፡ ኣብ ምስሪ ይኹን ካብ ምስሪ ወጻኢ እውን ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓቢራ ክትጓዓዝ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኣብ ምስሪ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ኣቢያተ ክርስቲያንን ስርዓት ሊጡርጊያ እውን እናተፈጸመ እንከሎ ዝተፈጸመ ግብረ ሸብራዊ መጥቃዕቲ ዘኪሮም ሕዝቢ ምስሪ ክንየው ሃይማኖታዊ ፍልልያቱ ሓድነቱ ዘጽነዓሉን ዝመስከረሉ እዋን እውን እዩ ቢሎም፡ እቲ ዝፍጸም ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኰነ ተባሂሉ ውሽጣውን ማሕበረሰብኣውን ውጥረትን ሁከትን ንምልዕዓልን ሕዝቢ ምስሪ ንምግምማዕን ዝኣመተ እዩ ኢሎም፡

ኣገባብ ባሪ ዝስዓበ ርክብ ክህሉ

ብፁዕ ወቅዱስ ታዋድድሮስ ዳግማዊ፡ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ምስሪ ወጻኢ ካብ ዝነበርዋ ሰለስተ ጳጳሳት ናብ 35 ጳጳሳት ክብ ከምዝበለትን እዚ ኸኣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዝርከቡ ምእመናታን ካህናታን ንምጥርናፍን ንምዓብን ምዃኑን ገሊጾም፡ ከምቲ ዕለት 7 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ዝተሳተፍሉ መላእ ካቶሊካውያንን ዘይካቶሊካውያንን ፓትሪያርካት ብሓባር ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤን ጸሎትን ኣገባብ ዝኽትል ርክብ ክቕጽል ተስፋ እገብር ከምዝበሉ ማሶቲ ኣመልኪተን።

 

04 March 2019, 17:16