ድለ

ዝኽሪ መበል 15 ዓመት ሕጻነ ኢየሱስ ቤት ሕክምና ሕጻናት

እዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ውሩይን ዓቢይ ናይ ስነ ሕክምና ስነ ምርምር ስፍራ ሕጻነ ኢየሱስ ዝብል መጸውዕ ስም ዝተወሃቦ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ታሽዓይ ብዘቕረብዎ ሓሳብን ውሳኔን መሰረት ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ

እቲ ኣብ ኢጣሊያ ጥንታውን ቀዳማይን ዝዀነ ሮማ ዝርከብ ሕጻነ ኢየሱስ እተሰምየ ቤት ሕክምና ሕጻናት መበል 150 ዓመት ምስረታኡ ከምእተበዓለ ክፍለጥ እንከሎ ኣመሰራርታኡን ፍጻሜታቱን ተበጽሖታትን ምዝርዛር ማለት ታሪኽ ናይ ዝስዋእ ፍቕሪን ስነ ምርምርን ምቕራብ እዩ ዝኸውን፡ ካብ ግብረ ሰናይን ስነ ምርምርን ዘይተፈልየ ቤት ሕክምና ር.ሊ.ጳ.።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 19 መጋቢት 1869 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ጎደና ዞኮለተ ኣብ ከባቢ ተቨረ፡ ኣርባዕተ ሕጻናት ንሓኻይምን ንደናግል ደቂ ፍቕሪ ዘቅዱስ ቪንቸንዞ ደ ፓውሊ ሕክናን ክንክንን ክረኽቡ ምስ ተወሃቡ፡ ካብዚ ንዞም ኣርባዕተ ሕጻናት ዝተወሃበ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኣብቲ ክንክን ጥዕና ዝረኽብሉ ቦታ እታ ቀዳመይቲ ንእሽተይ ቤት ሕክምና ክበሃል ይከእል ቆመት፡ ቤት ሕክምና ዝብል መጸውዕ እውን ክትህቦ ዘይከኣል እውን እንተዀነ፡ ሎሚ እቲ ዝዓበየን ውሩዕን ኣብ ዓለም ንዝዀነ ቤት ሕክምና ራእዩ እዩ፡ እዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ውሩይን ዓቢይ ናይ ስነ ሕክምና ስነ ምርምር ስፍራ ሕጻነ ኢየሱስ ዝብል መጸውዕ ስም ዝተወሃቦ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ታሽዓይ ብዘቕረብዎ ሓሳብን ውሳኔን መሰረት ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ፒዮስ ታሽዓይ ኣብ ዘመሓለፍዎ እግዚኣብሔር ሰናይ ሓሳባት ይባርኽን የጽንዕን ይፈጽሞን እንክብሉ ናብቲ ቤት ሕክምና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቡራኬ ዝተመልከተ ምዃኑ ኣብቲ ናይቲ ቤት ሕክምና ቤተ መዝገብ ዘለዉ ሰነዳት የረጋግጹ፡ እዚ ቤት ሕክምና ሕጻናት ካብ ሮማ ሓሊፉ ኣብ መላእ ኢጣሊያ ንዝርከቡ ዘኽታማትን ድኻታትን ህሙማን ሕጻናት ብምእላይ ካብኡ ሓሊፉ እውን ብዕድመ ንዝደፋኡ እውን ከይተረፈ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝህብ ከይኑ ሎሚ ካብ መላእ ዓለም ከቢድ ሕማም ንዝሓደሮም ሕጻናት እናምጸኤ ዝናብይን ኣግልግሎት ክንክን ጥዕና ዝህብን እዩ።

ግብረ ሰናይን ፍቕርን ነቶም ኣዚዩ ብድኽነት ዝተጠቕዑ

ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ብሓልዮት ስድራ ቤት መሳፍንቲ ሳልቪኣቲን ኣራበልላን ኣለሳድንሮን ናይ ስድራ ቤቶም ቅሙጥ ሃብቲ ገንዘብ ድኻታት ንዝዀና ኣዴታ ኣብ ምእላይ ዝውዕል መውሃቢ ግብረ ሰናይን ክንክን ጥዕናን ክውዕል ገይሮም ኣብ ዘበገስዎ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ንድኻታት ሮማን ኣብ ቁምስናታት ሮማን ንዝእለዩ ብምድጋፍ ኣብ 1896 ዓ.ም. ኣርባዕተ ዓራት ጥራሕ ዘለዎ ከይኑ ናብቲ ሎሚ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ዝርከበሉ ክፍለ ከተማ ጃኒኮሎ ተዛዊሩ ኣገልግሎት ምቕራብ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ክፍለ ከተማ ሳንታ ማሪነላ እውን ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዘቕርብ ጨንፈር ኣቑይሙ ብድጋፍን ሓገዝን ንግስቲ ኤለና ዘሳቮያ ብዓብይ ሰዓል ንዝሓመሙ ሕጻናት እውን መውሃቢ ሕክምና ክህልዎ ተገይሩ ከምዝቖመ ናይቲ ቤት ሕክምና ናይ ታሪኽ ማህደር የረጋግጽ።

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስን

እቲ ቤት ሕክምና ካብ 1924 ዓ.ም, ኣትሒዙ ብፍላይ ስድራ ቤት ሳልቪያቲ ነቲ ቤት ሕክምና ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ኣብቲ እዋን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 ከምዝለገሱን፡ ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ቤት ሕክምና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኑ ኣብ ኣገልግሎት ይርከብ። ንብረትነቱ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከይኑ ሎሚ ኣብ ዓለም እቲ ኣዚዩ ወሩይ ዝዀነ ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ሕክምና ስነ ምርምር ዝካየደሉን ከበድቲ ሕማማት ዝብድህን ብፍላይ ንሕጻናት ፍልዩ ኣገልግሎት ዘቕርብ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ሮማ ወጻኢ ተመሳሳሊ ናይ ሕጻናት ኣባይቲ ሕክምና የስፍሕ ዘሎን፡ ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝመጹ ድኻታት ሕጻናት ህሙማን ዝኣልይን፡ ንሕጻናት ጥራሕ ዘይኰነ ንበጽሒ ወለዶ እውን ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ እምነትን ተፋን ፍቕርን ዘቃልሕን እዩ።

21 March 2019, 17:23