ድለ

ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመክር ጉባኤ ኣብ መንጐ ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመክር ጉባኤ ኣብ መንጐ ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር 

ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመክር ጉባኤ ኣብ መንጐ ኣባይቲ ጽሕፈት

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ጳጳሳዊ ኣቢያተ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ህየንተን ኣበ መናብርት ኵሎም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ምስማዕን ጽን ምባልን ንኣእቶም ካብ ምስማዕ

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቦሎኛ ኣተሰምየ ሓዋርያዊ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያውያን ልዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ጳጳሳዊ ኣቢያተ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንጥሙር ህርኩት ጻዕሪን ዝብል መስተጋብራዊ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 25 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ካብ ሰዓት 09.00 ክሳብ ሰዓት 13.00 ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ካብ ዝሃብው ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኽኢሉ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ዝመከረ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓውደ ጉባኤ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክርን ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን መንፈሳዊ ማሕብራት ላዕለዎት ኣሕሉቕን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ጳጳሳዊ ኣቢያተ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ህየንተን ኣበ መናብርትን ከምእተሳተፉ ክዝከር እንከሎ ዕለት 25 እቶም  ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንጥሙር ህርኩት ጻዕርን ብዝብል መርሕ ቃል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ጳጳሳዊ ኣቢያተ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ህየንተን ኣበ መናብርትን መስተጋብራዊ (ውስስኣዊ) ጉባኤ ከምዘካየዱ ዝሓበሩ ጂሶቲ ኣስዒቦም፡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣባላት ኣሳናዳኢ ሸምግለን ኣካያዲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ እውን ከምእተሳተፉን፡ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብዛዕና እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤን ስዕበቱን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ መብሪሂ ከምሃቡ ኣፍሊጦም።

ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ጭቡጥ ከይዲ

እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቦሎኛ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ እቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ብቕዱስ ኣቦና ጽኑዕ ድላይን ውሳኔን ዝተካየደ ዓውደ ጉባኤ ዘዘተየሎምን ዝሰምዖምን ቃል ምስክርነትን መግለጽታትን ኵሉ ብጭቡጥ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝተመያየጠ ምዃኑ ጂሶት ገሊጾም፡ ንብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝድግፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ግብረ ሓይሊ ክቐውም እውን ምዃኑ ከምእተሰመረሉ ኣፍሊጦም።

ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ምስማዕ

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ጳጳሳዊ ኣቢያተ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ህየንተን ኣበ መናብርት ኵሎም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ምስማዕን ጽን ምባልን ንኣእቶም ካብ ምስማዕ ንጸረ ዓመጽ ከይዲ ቀዳማይን ኣገዳስን ተገብግሶ ምዃኑ ዘመላኸተን፡ ኣብ ምውጋድን ምውጋእን ዓመጽ መስተጋብራዊ ጥምረትን ናይ ሓባር ጻዕርን ሲኖዶሳውነትን ወሳኒ ምዃኑ እቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዘንበሮ ሓሳብ ዝትግብር ምዃኑ ከምእተገገልጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዜያዊ ሓላፊ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመክር ጉባኤ ኣብ መንጐ ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር
26 February 2019, 17:32