ድለ

ኢሚራት ዓረብ፥ ዕለት 5 ለካቲት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝሳተፍ መዓልቲ ዕረፍቲ ከይኑ ክሕሰብ ኢሚራት ዓረብ፥ ዕለት 5 ለካቲት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝሳተፍ መዓልቲ ዕረፍቲ ከይኑ ክሕሰብ 

ኢሚራት ዓረብ፥ ዕለት 5 ለካቲት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝሳተፍ መዓልቲ ዕረፍቲ ከ

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ማእከል ዝዀነት ሃገር ዘካይድዎ ምብጻሕ ናይ ሕውነት ድልድል ምሕናጽ ዝብል ዕላማ ዘለዎ እዩ

ናይ ሕቡራት ኢሚራት ዓረብ ሃገራት ናይ ሰብኣዊ ዓቕምን ስርጸት ኢሚራታውነት ጉዳይ ሚንስትር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 3 ለካቲት ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኢሚራት ዓረብ ኣብ ዘካይድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ እቶም ኣብታ ሃገር ብዝተፈላለየ ስራሕ ምኽንያት ዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን ዕለት 5 ለካቲት ቅዱስነቶም ኣብ  ዛይድ ናይ ስፖርት ስፍራ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝሳተፉ መዓልቲ ዕረፍቲ ክሕሰበሎም ምዃኑ  ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኢሚራት ዓረብ ብዝተፈላለየ ስራሕ ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ካቶሊካውያን ምእመናን ከምዘለዉ ክሕበር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርግሉ ናይ ስፖርት ስፍራ ዝሕዞ ናይ ሰብ ዓቕሚ መሰረት 135 ሺሕ ጥራሕ ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ኢሚራት ዓረብ ናይ ሰብኣዊ ዓቕምን ስርጸት ኢሚራታውነትን ጉዳይ ሚንስትር ገሊጾም፡ ሃገሮም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ክድንፍዕ ዓቢይ ኣበርክቶ ከምዘለዋን 2019 ዓ.ም. ኣብ መላእ ኢሚራት ዓረብ ዓመት ምጽውዋር ከይኑ ክሕሰብ ኣቐዲሙ ክውሰን ብዘይ ምዃንያት ኣይኰነን ኢሎም።

ናይ ከባቢ ደቡባዊ ከባቢ ሃገራት ዓረብ ሓዋርያዊ መስተናብር ኣብ ኢሚራት ዓረብ ሃገራት 1 ሚሊዮን ካቶሊካውያን ምእመናን ምህላዎም ሓቢሩ ናይቲ ቅዱስነቶም ምስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርግሉ ናይ ስፖርት ስፍራ 135 ሺሕ ጥራሕ ሰብ ዝሕዝ ብምዃኑ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ቁምስናታት ብኣገባብ ዕጫ 135 ሺሕ ምእመናን ከምእተሓረዩን ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር ዝቕመጡ ብስራሕ ምኽንያት ዝኣተዉን ካቶሊካውያን ምእመናን መብዛሕቲኦም ካብ ፊሊፒንስን ህንድን ምዃኖም ይንገር።

ኣብ ዮርዳኖስ

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ማእከል ዝዀነት ሃገር ዘካይድዎ ምብጻሕ ናይ ሕውነት ድልድል ምሕናጽ ዝብል ዕላማ ዘለዎ እ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ሃገረ ዮርዳኖስ ምብጻሕ ብምካይድ ዝሓለፈ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ምስ ንጉስ ኣቡድላሕ ዳግማዊ ተራኺቦምን እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ምትብባዕ ሓደ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ዕሴት ምዃኑ ዝተረጋገጸሉን እቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝንበር ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክርስትያንን ኣስላምን ኣብ ኩሉ ስፍራ ክነቓቓሕ ዝግብኦን ሃይማኖታዊ ሰላማዊ ናብራ ንገዛእ ርእሱ መሰረት ሰላም ምዃኑ ዝመስከረ ርክብ እውን ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ኣብ ኣልባንያ

ኣብ ወርሒ መስከረም 2014 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ኣልባንያ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም፡ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሕድሕዳዊ ምክብባርን እማኔን ዘሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ብቐረባ ከምእተዓዘቡን ኣብ መንጐ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ዘሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንእዋናዊ ዓለም ኣብነትን መባዅዕቲ ሰላምን እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ኣብ ቱርኪ

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ቱርኪ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ እቲ መገሻኦም መስህባዊ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ንግደት ምዃኑ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከምዝሓበሩን፡ ኢስታምቡል ኣብ ዝርከብ ዓቢይ መስጊድ በጺሖምን ናይ ቱርኪ ዓቢይ መምህር ብዛዕባ እቲ መስግዲ ዝሃቡኒ መብርህን ቁርዓን እናጠቐሱ ብዛዕባ ማርያም ዮሓንስ መጥመቕን ከምዝገለጹሎምን ብሓባር እውን ከከም ሃይማኖትና ሓጺር ናይ ሕልና ጸሎት ክንጽልዩ እውን ቅዱስነቶም ሓቲቶም፡ ጸሎቶም ከምዘብጽሑን፡ ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ቱርኪ ከምዝጸለዩ ባዕሎም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝሓበሩን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ

ልክዕ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ዓ.ም. ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ኣካይዶም ባንጕይ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ተረኺቦም፥ ክንየው ሃይማኖታዊ ፍልልያት ኣሕዋት ኢና ደቂ ሓደ ኣግዚኣብሔር ኢና እቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ሃገርኵም ዘድምይ ዘሎ ግጭትን ዓመጽን መንቀሊ ካልእ ዝክረ ነገር ዘለዎ እምበር ሃይማኖታዊ ምኽንያት ዘለዎ ክኸውን ኣይክእልን፡ ኣብ እግዚኣብሔር እኣምን ዝብል ናይ ሰላም ሰብ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ኣስላማይ ይኹን ክርስቲያን ሰዓቢ ባህላውያን ሃይማኖታት እውን ይዅን፡ ሃይማኖት ሰላም እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑ የዘኻኽር።

ኣዘርበጃን

ኣብ ዓመቱ ወርሒ መስከረም 30 ክሳብ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣዘርበጃን ኣብ ዘካየድዎ ወግዓዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ባኩ ኣብ ዝርከብ መስግድ ተረኺቦም ምብጻሕ ኣካይዶምን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ርክብ ንገዛእ ርእሱ ሃይማኖት ዘቕርቦ ረቛሒ እዩ፡

ኣብ ምስሪ

ኣብ ወርሕ ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ኣብ ምስሪ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ተረኺቦም ምስ ዓቢይ መምህር ዶክተር ኣሕማድ ሙሓማድ ኣል ጣይቢ ተራኺቦ እቲ ሃይማኖታውነት ተጐልቢቡ ዝፍጸም ዓመጽ ኢሃይማኖታውነት ተግበር ምዃኑን፡ ስለዚሁ ኩለን ሃይማኖታት እቲ ብስም ሃይማኖት ዝፍጸም ዓመጽ ከኹንናን ብሓባር ከምዘቃልሑን፡ ዓመጽ ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከምኡ እውን ጸረ ሃይማኖት ምዃኑ ከምዘስመሩሉ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምግለጺ ኣስዒቡ፥ ምስ ናይ ምስሪ ርእሰ ብሔር ኣል ሲሲ ምስ ተራኺቦም እውን፡ ንሓድሽ ትውልዲ፡ ሰብ ዘይኰነ ንእግዚኣብሔር ዝሕልዎ፡ እግዚኣብሔር እዩ ባዕሉ ንሰብ ዝሕልው ምዃኑ ክንምህሮ ይግብኣና፡ ፍትሓውነት ዝሰብኩ ኢፍትሓውነት ዝፍጽሙ፡ ማዕርነት ይሰብኩ ነቶም ዝተፈልዩ ኸኣ ይንጽሉ፡ እዚ ብሓቂ ታሪኽ ዘይምሕሪ ኢሰብኣዊ ተግባር እዩ፡ ስለዚህ ብሓባር ነቶም ምድንጋር ዝሸጡ ከነቃልዕን ሓላፍነትና እዩ፡ ከምዝበሉን ካብ ምስሪ ናብ መንበሮም ክምለሱ እንከለዉ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ናይ ምስሪ ጉዕዞኦም ናይ ሓድነትን ሕውነትን ጉዕዞ ምዃኑ ገሊጾም፡ ብእግዚኣብሔርን ብታሪኽን ብመጻእን ንዝተጸዋዕናሉ ኵላዊ ሕውነታውነት ዘተሓሳስብ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ የዘኻኽር።

ኣብ ምያንማርን ባንግላደሽን

ኣብ ምያንማርን ባንግላደሽን ክብ ዕለት 26 ሕዳር ክሳብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ናይ ምግምማዕን ንዘይምትእምማንን ዝድርኽ ዘይኰነስ ንሓድነትን ንምህረትን ንምቅብባልን ብናይ ሓባር ጥበብ ንሕንጸት ሃገር ምዃኑ ኣብ ያንጐን ንናይ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘስመሩሉ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብ ዳካ ተረኺቦም እውን እቲ ናይ ዓመጽ ባህሊ ዘስፍሕ ብጨርቒ ሃይማኖት ተጐልቢቡ ዓመጽ ዝነዝሕ ብቲ ካብ ሃይማኖት ብዝምንጨው ናይ ምርኻብን ዘተን ምቅዋምን ሓቀይና ትርጉም ሃይማኖት ብምንባር ሰላማዊ ግብረ መልሲ ምሃብድ የድሊ ቢሎም፡ ኵለን ሃይማኖታት ኣብ ሰላምን ምእንቲ ሰላምን ክሓብራ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምግለጺ የዘኻኽር።

ኣብተን ናይ ምስልምና ሃይማኖት ሰዓቢ ኣብላጺ ኣብ ዝዀነለን ሃገራት ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እውን ምስቶም ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዓቢይ ተፈላጥነትን ጽልዋ ፈጠርትን ምስ ዝዀኑ ናይ ሱኒ ምስልምና ሃይማኖት ዓቢይ መምህር ኣብ ምስሪ ኣል ኣዝሓር ናይ ሃይማኖት ምስልምና መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ዶክተር ኣል ጣይቢ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2016 ዓ.ም.ን ኣብ ወርሒ ለካቲትን ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ከምእተራኸቡን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢሚራት ዓረብ ካብ ዕልት 3 ለካቲት ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ንሓምሻይ ጊዜ ክራኸቡ እውን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ሕውነት ድልድል ምሕናጽ
01 February 2019, 17:16