ድለ

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ናይ ሰነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም ኣውጉስቲኒያኑም

ምስ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ምትእስሳር ዘለዎ ናይ ድሕረ ምረቓ ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም ኣውጉስቲኒያኑም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣበው ታሪኽን ጽሑፋቶም ድርሰታቶምን ናይ ቲዮሎጊያ ምርምራቶምን ካብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ምልስ ብምባል ዓሚዩቕ ፍልጠት ዘስርጽን ኣብ ዓለም ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ዘብቅዔ ካብ ዝቐውም 50 ዓመቱ የብዕል ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 4 ግንቦት 1970 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ መሪቖም ዘበገስዎ ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም፡ ብፍላይ ከኣ ዝተወሃቦ መጸውዕ ስም ናይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስን ኣብ ጥቓ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ብምዃኑ ምስ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዝተኣሳሰረ እውን ብምዃኑ ዘሕደረሎም ዓቢይ ሓጐስ ባዕሎም ዝገለጽዎ ሓሳብ ምዃኑ ነቲ ተቕዋም ክምርቑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዘስመሩሉ ሓሳብ ምዃኑ ናይቲ ተቕዋም ናይ ታሪክ ማህደር የረጋግጾ።

ካብ ናይ ክርስትና ቀዳሞት ዘመናት ኣትሒዙ ዝተበገሰ ናይ ክርስቲያንን ኣበው ቤተ ክርስቲያን ምስክርነንት ትምህርትን ቲዮሎጊያን ድርሰታትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓውን ሃምነናዊ ትምህርቲ ንምብራህን ንምክልኻልን ብመንፈሳውን ሓዋርያነትን ቲዮሎጊያዊ ስነ ፍልጠትን ንቓል ኣምላኽን ቤተ ክርስቲያንን ቀናእተይናነት ተለዓዒሎም ዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ፡ ኣብ ስነ ፍልጠት ጥራሕ ዘይኰነ ስነ ፍልጠቶም ናይቲ ዘለዎም ጥልቂ መንፈሳውነት መግለጺ ምዃኑ ብጥልቂ ዝትንትን ተቕዋም እዩ። እቲ ተቕዋም ብዓቢይ ድላይ ናይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ማሕበር ኣበ ምንየት ኣባ ኣጐስቲኖ ትራፐን ናይቲ ማሕበ ኣባል ዝነበሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ብፁዕ ካርዲናል ፕሮስፐሮ ግረኽ ዕለት 14 ለካቲት 1969 ዓ.ም. ክቐውም ከምዝገበሩን ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ብምትሕብባር ዕለት 25 ሓምለ 1969 ዓ.ም. ብዝተበጽሔ ስምምዕ ጸዲቑን ጳውሎስ ሻድሻይ ዝመረቕዎን ምዃኑ ናይቲ ተቕዋም ናይ ታሪኽ ማህደረ ይሕብር።

ንእውነተይና መክበባዊ ሕዳሴ ዳግማይ ርኽበት ጥንታዊ ክርስትና

ጳውሎስ ሻድሻይ እቲ ኣውጉስቲኒያኑም ገዳማውያን ማሕበር፥ ስነ መክበባዊ መጽናዕቲ ብዕምቆት ንኽካየድን ብፍላይ ኣብ ናይ ጥንትን ቀዳሞት ናይ ምብራቕን ምዕራብን ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣብሮዚዩስን ኣጐስጢኖስን ጂሮላሞን ጐርጐሪዮስ ዓቢይን ባዚሊዮስን ጐርጐርዮስ በዓል ዘኑሲስን ዮሓንስ ኣፈወርቅን ኣታናዚዮን ካልኦትን ኵሎም እቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ስነ ኣናስር ዘበገሱ ዓሚይቕ ስነ ምርምራቶም ፈሊዩ ዘጽንዕ ምዃኑ ዝነኣድ እዩ ቢሎም፥

እዚ ተቕዋም ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣዋናውን ሕጹጽን መሰረታዊ ድላይ ክምልስን ናብ ኣናስር  ምምላስ፡ ብርግጽ በዘይ ብኣኡ እዋናዊ ክውንታ ቤተ ክርስቲያን ኢተኸኣሊ ምዀነ ኵሉ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተሓሳስቦን ዝጠቦን ሕዳሴ፥ ስነ ቲዮሎጊያውን መጽሓፍ ቅዱሳውን ሊጢርጊያውን ስነ ምርምር እውን ከይተረፈ፡

ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘካኽር።

ንጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ዘተኰረ ስነ ምርምር ልዑል ኣገዳስነት

ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ንጥልቂ ቅዱስ መጽሓፋዊ ቀልቢ፥ ዓሚዩቕ መጽናዕቲ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ኣገዳስን መሰረታውን ንስነ ትንተናን ቅዱስ መጽሓፍ እውን ወሳኒ ምዃኑ ይገልጹ፡ ስርዑን ጥልቅን ሓዋርያዊ ስብከታትን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከምዝብሎ ምኽንያት ብጋሴን ምዕባለን ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ ስለዚህ ከም ጓሶት እቲ ወንጌላዊ መልእኽቶም ንናይ እዋኖም ቀልቢ ንናይ እምነት ሓቅን ንሕዝበ እግዚኣብሔርን ዝዕንግል ምዃኑ ኣስተውዒሎም ዘበገስዎ ስነ ምርምርን ዘቕርብዎ ትምህርተ ክርስቶስን ቲዮሎጊያን ትንተና ቅዱስ መጽሓፍን ሊጡርጊያን መንፈሳዊ ሕይወትን ስነ ጉስናን ንቐልብን ስነ ምርምርን ጥራሕ ዘይኰነ ሕይወት ገይሮም ብምቕራብ ፍካሬን ክብርን ጽንታን ብምሃብ፥ ናይ እምነት ሓቂ፥ እትመራመሮን ጽን እትብሎን እተኽብሮን እትነብሮን ምዃኑ ዝመስከሩልና እያቶም ከምዝበሉ ናይ ኣውጉስቲኒያኑም ተቕዋም ናይ ታሪኽ ማህደር የመላኽት።

ዮሓንስ ጳውሎ ዳግማዊ ኣብ 1982 ዓ.ም. ኣብ ኣውጉስቲኒያኑም ተቕዋም

ዕለት 7 ግንቦት 1982 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ተቕዋም ናይ ስነ ኣበው ምርምር ኣውጉስቲኒያኑም ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ስነ ምርምር ኣበው ቤተ ክርስቲያን ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ምዃኑን፡ ናይ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ዕዮታት፡ ፍቕሪ ንቕዱስ መጽሓፍን ንቤተ ክርስቲያንን ንኽርስቶስ መድሕን ፍጥረት ሰብን ዝምስክር እዩ ቢሎም፡ ኣብ ናይ ኣበው ኣሰር ምርኻብ ክርስቶስ ብዝበለጸ ንምፍላጥን ንምንባርን ገዛእ ርእስኻ ቅሩብ ምግባርን፡ ኢየሱስ እንኰ መድሕን ምዃኑ ንምብሳርን እነዅ ምባል ማለት እዩ ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡

ተቕዋም ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ እዩ፡ ነታ ብዘይብኣኡ ንኽትነብር ዘይከኣላ ቤተ ክርስቲያን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምዝብሎ ልዑል ኣገልግሎት እዩ፡ ንኽትህልው ክህልው ዝግብኦ ተቕዋም ስነ ኣበው ቤተክርስቲያን እዩ፡ እቲ ናይ ስነ ኣበው ተቕዋም ካብ ስነ ምርምር ስነ ኣበው ክንየው ኣብ ስነ ኣጐስጢኖስ፥ መንፈሳውነትን ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ዓሚቕ ስነ ምርምርን መጽናዕትን ዝካየደሉ እውን እዩ፡ ናይ ክርስትናን ሰብኣውን ባህሊ መንበር እዩ

እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ናይቲ ተቕዋም ናይ ታሪኽ ማህደር የዘኻኽር።

ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ኣውጉስቲኒያኑም ተቕዋም ሎሚ

ተቕዋም ኣውጉስቲኒያኑም ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ዝድነቑን ልዑል ትኵረት ዝግበረሎም ናይ ስነ ኣበው ምርምርን መጽናዕትን ማእከል ክኸውን እንከሎ፡ ብቀዳማይ ማዕርግን ቀጺሉ ኣውን ብካልኣይ ማዕርግ ኣብ መወዳእታ ብሊቕነት እውን ዘመርቕ ተቕዋም ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ዘብል ማዕርግ ዘልብስን ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ስነ ምርምር ሊቕ ዘብል እዩ። ዓቢይን ውሩይን ቤተ መጻሕፍትን ቤተ ንባብን መዝገብን ዘለዎን፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣበው መንፈሳውነትን ሊቕነትን ፍቕሪ ንኽርስቶን ንቅዱስ መጽሓፍን ንቤተ ክርስቲያንን ንቲዮሎጊያን ንስነ ፍልጠትን ንክርስቶስን ንሕዝበ እግዚኣብሒርን ጽን እትብለሉ ስፍራ እዩ።

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ናይ ሰነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም ኣውጉስቲኒያኑም

Photogallery

ናይ ሰነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም ኣውጉስቲኒያኑም
16 February 2019, 17:11