ድለ

ጉባኤ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ምስቃጥ ተቐባልነት የብሉን ጉባኤ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ምስቃጥ ተቐባልነት የብሉን 

ጉባኤ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ምስቃጥ ተቐባልነት የብሉን

ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና፡ ብዛዕባ ብዝሒ ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽን ናይ ወሲብ ዓመጽን ሳዕቤናቱን ኵሉ ንምግጣም ከይኽሰት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ ብዝርዝር ዝገልጽ ጸብጻብ ክቐርብ ዝከኣል እውን እንተዀነ ጽዑቕን ዓሚዩቕን ዕዮ እዩ

ዕለት 18 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ውሽጥን ወጻእን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተረኽብሉ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ጉባኤ ዘማእከለ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተወሃበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ማልታ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ተወሳኺ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ሺክሉና፡ ኣሉ ምባል ዘይስልጡን ኣገባብ እዩ፡ ካብ ስርዓትን ሕግን ምስቃጥ ዝብል ዝንባለ ምውጋድ የድሊ፡ እዚ ኸኣ ናይ ገበን ተሓታቲ እውን እንተዘይኰንካ ከም ተሓባባሪ ኰይንካ ንኸይትውቀስን ንኸይትኽሰስን እውን ይከላኸለልካን እዩ፡ እቲ ንኽካየድ ዝተጸውዐ ዓውደ ጉባኤ፡ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ጻዕርን ኣተመሕላላልፎ ውሳኔን ዝርጉሕን ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ክኸውን ምድጋፍ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ዘተሓሳስብን መጋበርያ ክህልውን ዝድግፍ እዩ፡ ዕሸልነት ምክልኻል፡ እዚ ኣማራጺ ኣይኰነን፡ ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ዋሕስ እያ፡ ካብ ሓፈሻዊ ናብ ናጽላዊ ንምባል ዝድግፍ ምዃኑ ይሕብሩ።

ሓድሽ ወጋሕታ ግልጽነት

ናይ ቺካጐ ሊቀ ጳጳሳት ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዓውደ ጉባኤ ኣሰናዳኢ ኰሚቴ ኣባል ብፁዕ ካርዲናል ብላሰ ኩፒች፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ህልወት ሕድሽ ወጋሕታ ግልጽነት ዘረጋግጽ ኵነት እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ፡ ኵሎም ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዘለዎ ሓላፍነት ከስተውዕሉን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ከይክሰትን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዘተሓሳሰብዎ ጳጳሳት ምስቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ክራኸቡን እቶም ኣደዳ ዝዀኑ ዝብልዎም ክሰምዑን ጽን ክብሉን እዮም፡ ሕንጸት ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ወሳኒ እዩ፡ ይኹን ደኣ ኣምበር ሓደ ጽባሕ ክፍጽሞ ዝኽእል ገበን ቅድመ ትንበያ ዝህብ ዝተረጋገጸ ስነ ምርምር የሎን፡ ስለዚህ ሕንጸት ወሳኒ ምዃኑ ይብርሁ።

ጸብጻብ

ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና፡ ብዛዕባ ብዝሒ ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽን ናይ ወሲብ ዓመጽን ሳዕቤናቱን ኵሉ ንምግጣም ከይኽሰት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ ብዝርዝር ዝገልጽ ጸብጻብ ክቐርብ ዝከኣል እውን እንተዀነ ጽዑቕን ዓሚዩቕን ዕዮ እዩ ምስ በሉ ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ምቅላዕን ክሲ ንምቕራብን ከምኡ እውን ብዛዕባ ሸለል ዝብሉ ጳጳሳትን ዝምልከት ጉዳይ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉዩ ስልጣን መሰረት ኣፍቃሪት ኣደ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽእዎ ኣዋጅ ተመልኪቱ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ዓለም ለኻዊ መልሲ

ናይ ቫቲካን ማሕበር ጆሰፍ ራትዚንገር ኣቦ መንበር ኣባ ፈደሪኰ ሎምባርዲ እውን ብወገኖም፡ እቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝካየደ ዓውደ ጉባኤ፡ ናይ ጳጳሳትን ናይ ገዳማትን መንፈስሳዊ ማሕበራት ኣሕሉቕ ሓላፍነትን ግልጽነትን፡ ካብ ሓሙስ ክሳብ ቀዳም ኣብ ዝካየደ ዓውደ ጉባኤ 190 ተጋባእያን ሰለስተ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ከከታተሉን እዮም፡ እዚ ናይ መጽናዕቲ ጽሕፉ ብሰለስተ ደቀንስትዮ ዝቐርብ እዩ፡ ስዒቡ እውን ናይ ዕዮ ኣኼባ ክካየድን ነፍሲ ወከፍ ውዕሊብጽሎት ዝብገስን ዝዛዘምን እዩ፡ እቲ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ብዘስምዕዎ መደረ ዝክፈት ምዃኑ ኣባ ሎምባዲ ገሊጾም፡ ሰንበት ኣብ ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ብዘዕርግዎምን ናይ ኣውስትራሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ማርክ ኮለሪድገ ብዘስምዕዎን ስብከት ክጠቓለል ምዃኑን፡ ቀዳም ምሸት ናይ ንስሓን ዕርቅን ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት ክስራዕ እዩ፡ እቲ ናይዚ ጉባኤ ኣወሃሃዲ ኰሚቴ ምስ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዝሓቁፍ ማሕበር ወከልቲ ክራኸብ እዩ ከምዝበሉ ካስተሊ ኣፍሊጠን።

ናይቲ ዓውደ ጉባኤ፥ ሓበሬታን መግለጽን

እቲ ዓውደ ጉባኤ pbc2019.org  ዝብል ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ከምዘለዎን፡ እዚ ድረገጽ ንመጻኢ እውን ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ዝካየዱ ተበግሶታት ድዩ ካልኦት መደባት እውን ዝምዕብለሉ ምዃኑ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐርያና መንበረ ጥበብ አብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምክልኻል ዝከታተል ማእከል ሓላፍን ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ኣባል ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ሃንስ ዞልነር ክገልጹ እንከለዉ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሃላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ተሓባባሪት እናቴ በርናደት ራይስ እቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ድረ ገጽ ኣገዳሲ ሓበሬታ ከምዘቕርብ ክሕብራን  ጂሶቲ እውን ኣብዚ መዳይ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጻዕሪ ንምንቕቓሕ ዝኣመተ መሳለጢ ሓበሬታ ክቐርብ ምዃኑ ገሊጾም ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ጉባኤ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ምስቃጥ ተቐባልነት የብሉን

Photogallery

ጉባኤ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት
19 February 2019, 15:38