ቅዱስ ኣቦና፥ ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ንብረት ዋና ኣመሓዳሪ
ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ጆሰፈፍ ፋረልን ቅድስቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣዋን ብዘይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ዋና ኣመሓዳርን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እትሓርይ ብግዚያዊ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ሓላፍነት ተረኪቦም ዝጸንሑን ብፁዓን ካርዲናላት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽሓርዩ ንብሑት ኣኼባ ናይ ምጽዋዕ ሓዋርያዊ ስልጣን፡ ብፁዓን ካዲናላት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽዀኑ ንዝሓረይዎም ር.ሊ.ጳ. ረኺብና ቢሎም ምስ መላእ ዓለም ምእመናንን ሕዝብን ናይ ምልላይ ሓላፍነት ብኣኦም ክምራሕ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን
ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል ተኸታሊ ናይቲ ኣብዚ ሓላፍነት’ዚ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 20 መስከረም 2014 ዓ.ም. ዝሰመይዎምን ዕለት 5 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ዝትክኡ ክዀኑ እንከለዉ፡ ናይዚ ሓዋርያዊ ስልጣን ቀንዲ ሓላፍነት፥
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እትርከበሉ ኣዋንን ንሓድሽ ተኸታሊ ቅዱሽ ቅዱስ ጴጥሮስ ምራጫ ክሳብ ዝካየድን ዝጠናቐቕን ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ምምሕዳርን ዝብል ምዃኑ ኣብ ቅዋም ሕያዋይ ጓሳ ዓንቀጽ 171 ተመልኪቱ ኣሎ።
ሓዋርያዊ መንበር ብዘይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተርፍ ናብ ምርጫ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሰንይ ከምእቲ ኣብ ዓንቀጽ 17 እውን ብዛዕባ ናይ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ስልጣን ዝርዝር ብንፁር ተቐሚጡ ኣሎ።
ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽሓርዩ ንዕጽው ጉብኤ ይጽውዕ ብፁዓን ካርዲናላት ክሳብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓርዩ ጉባኤ ካርዲናላት ብትሕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ግዚያዊ ንብረት ዋና ኣመሓዳሪ ይምራሕን ናይቲ ዝካየድ ምርጫ ዕጽውነቱን ምስጢራውነትን ክዕቀብ ይገብር፡ ዝተሓርዩ ሓድሽ ር.ሊ.ጳ. ምስ ምእመናንን ዓለም የበስሩ።