ድለ

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ጋምቢኖ ኣደዳ ዝዀኑ ጭቡጥ ውሳኔ ይጽበዩ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ጋምቢኖ ኣደዳ ዝዀኑ ጭቡጥ ውሳኔ ይጽበዩ 

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ጋምቢኖ ኣደዳ ዝዀኑ ጭቡጥ ውሳኔ ይጽበዩ

እቲ ዝተጸውዔ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ባዕሎም ከምዝበልዎ ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ዓቢይ ሓላፍነትን ብልሕን እዩ፡ እዚ ብልሒ’ዚ ካብ ርሑቕ ዓመታት ዝተበገሰ እውን እንተዀነ ጭቡጥን ውጽኢታውን ተግባር ኰይኑ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ብሓባር ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን መንእሰያትን ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ብቑዕን ግብኡን መልሲ ንምሃብ

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመክር ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘሰናድው ሽማግለ ዝተሳተፋ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ጋብሪኤላ ጋምቢኖ ብዛዕባ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪተን ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት፡ እዚ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝመክር ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን፡ ናይቶም ኣደዳ ዝዀኑ ኣሕዋት ፍርሕን ጸገምን ኵሉ ናቶም ገይሮም ጭቡጥ ግብረ መልሲ ዘቕርቡ ከምዝዀኑ ተስፈይና እየ ኢለን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዝካየድ ዘሎ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመክር ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን ልኡካነ ወንጌል ማሕበራት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ኣሳቲፉ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ናይ ዝሰናደወ ሽማግለ ኣባል ብምዃን ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ጋብሪኤላ ጋምቢኖን ሊንዳ ጊሶኒን ከምእተዋስኣ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ መሰረት ገይሩ ኣብ ዝውተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፋ ጋብሬላ ጋምቢኖ ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባርን ናይ ስነ ሕይወትን ቃል ኪዳንን ስድራ ቤትን ሊቅ ካብዚ ዓውደ ጉባኤ ሕዝበ እግዚኣብሔር እንታይ ይጽበይ ንዝብል ሕቶ እንክምልሳ፡

እቲ ዝተጸውዔ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ባዕሎም ከምዝበልዎ ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ዓቢይ ሓላፍነትን ብልሕን እዩ፡ እዚ ብልሒ’ዚ ካብ ርሑቕ ዓመታት ዝተበገሰ እውን እንተዀነ ጭቡጥን ውጽኢታውን ተግባር ኰይኑ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ብሓባር ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን መንእሰያትን ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ብቑዕን ግብኡን መልሲ ንምሃብ ዘተሓባብር እዩ፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብሓቂ ዝተሓላለኸን ብዙሕ ጥንቃቔን ዘድልዮን ሕቶ እዩ፡ ብምዃኑ ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዓቢይ መንሽሮ’ዚ ንምብዳህን ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣባይቲ ስድራን ንምድጋፍን ዘድልይን ብቑዕን መገዲ ዘመላኽት እውን እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ እምንቶ ክምለስ ተስፋ ዘበራብርን እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ሕጻናትን መንእሰያትን ድኹም ክፍሊ ሕብረተሰብን እትቐውም ምዃና ዘረጋግጽ እውን እዩ ኢለን።

ደቀንስትዮ ብባህርኤን ሰብኣዊ ሕይወት ንምክልኻል ዘድህባ እያተን፡ እዚ ብህረት ጓለንስተይቲ እዩ፡ ነዚ ግምት ብምሃብ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኰነ ብጠቕላላ ኣብ ምክልኻል ሕይወት ዘለወን ግደን ከበርክትኦ ዝኽእላ ኣስተዋጽኦ ዓቢይ እዩ፡ ሕይወት ተነቃፊ ኣብ ዝዀነሉ ጉዳይ ኵሉ ጥንቁቓት እያተን ምስ በላ፡ ጓሶት ብፍላይ ከኣ ጽን ምባልን ካብቲ ገዛእ ርእስኻ ምትእምማንን  ናይ ነፍሳት ክፍሊ ሒሳብ ሓለፍቲ ምኻንን ርሒቖም ብወንጌላዊ ሕይወት ኣገባብ ዝነብርዎ ኣገልግሎት ክኸውን ከምዘለዎንን ኣብ ቅድምኦም ሰብ ከምዘሎ ብምስትውዓል ብሸለልተይናነትን ዘይኰነ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክገልግሉን ነዚ ንኽነብሩ ዝድግፍ ዓውደ ጉባኤ እውን እዩ ዝኸውን ይብላ።

ስቓይን ቁስልን ሕብረተሰብ ምክፋል፡ ተመሳሳሊ ገበን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዳግም ክይኽሰት ዝድግፍ መገዲ ዘመላኽት ዓውደ ጉባኤ እዩ፡ ተጋባእያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገሮም ምስቶም ናይ ወሲብን ሕልናን ስልጣንን ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ተራኺቦምን ብጽንታ እው ስቓዮም ሰሚዖን እዮም፡ ምስ በላ ጓሶት ዘለዎም ድኻምን ምጥርጣራትን ፍርሕን ኵሉ ኣብ ባይታ ኣውሪዶም ግልጺ ዘተ ካካይድሉ ዘተባብዕ ዓውደ ጉባኤ እዩ፡ ዘሎካ ፍርሕን ምጥርጣርን ኣብ ባይታ ኣውሪድካ ብዛዕባኡ ምዝታይ ድሮ ጸገማትካ ንምፍታሕ እተካይዶ ጉዕዞ ኣፋሪቕካዩ ኢኻ ቢለን ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ጋምቢኖ ኣደዳ ዝዀኑ ጭቡጥ ውሳኔ ይጽበዩ
21 February 2019, 17:19