ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ሰብኣዊ መሰልን ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሰላምን ምዕባለን መፍትሕ እዩ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ሰብኣዊ መሰልን ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሰላምን ምዕባለን መፍትሕ እዩ 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ሰብኣዊ መሰልን ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሰላምን ምዕባለን መፍትሕ እዩ

መደረ፡ ምክልኻልን ምንቕቓሕን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንናይ ውዱብ ሕቡራት መግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብንር ዓንድን ንናይ ዓለም ሓቆፍ ርክባት ስነ ምግባርን መሰረት እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ገላገር ዕለት 25 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ጀነቨ ኣብ ዝርከብ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ኣብ ዘካየዶ መበል 40 ክፍለ ጉባኤኡ ተረኺቦም፥ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዘተ ምንቕቓሕ ንሰላምን ምዕባለን መፍትሕ ምዃኑ ዝገልጽ መደረ ከምዘስምዑ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካ

ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ስርዓተ ሕጊ መቓን ኣብቲ ባህርያዊ ወይ መፋጥርቲ ዝዀነ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝጸንዐ እዩ፡ እዚ ኸኣ ነባሪ ሰላም ንምንቕቓሕን ንናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ንምርግጋጽ ክተርፍ ዘይግባኦ ካብ ናይ ሃይማኖትን ሕልናን ናጽነትን ምኽባርን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ምንቕቓሕን ካብ ዝብል ከይዲ ዘይፈላለይ ቅድመ ኩነት እዩ ከምዝበሉ ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።

መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብዝመሃዙ ሓደሽቲ ዓይነት ብህላውያን መሰላት ንሓደጋ ይቃላዕ ኣሎ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ምክልኻልን ምንቕቓሕን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንናይ ውዱብ ሕቡራት መግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብንር ዓንድን ንናይ ዓለም ሓቆፍ ርክባት ስነ ምግባርን መሰረት እዩ፡ ነዚ ዓንድን መሰረትን ናብ ኵላውነት ዘስፍሑን ዘይፈላለዩን እውን እያቶም ስለዚህ ቅድስቲ መንበር ኣብ እተካይዶምን ዘለዋን ዓለም ለኻዊ ርክባታ ኩሉ ነዚ ሸቶ ዝገበረ ንጥፈት ተሳልጥ። እቲ ዘሕዝን እዚ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ናይ ርክባት ስነ ምግባርን ኣብዚ እዋን’ዚ ኰነ ተባሂሉን ብሜላዊ ኣገባብ ዝተሰነየ በቢ ኣርካን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ባህርይ ንዝገማምዑ  ኣብ ገዛእ ርእሶም ምግርጫዋት ዘለዎም እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ንዝገልጽዎም ንሓደስቲ ብህላውያን መሰላት ይቃላዕ ከምዘሎ ኣብሪሆም፡ እቲ ኵሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝጸንዓሉ ናይ ሓባር ናይ ሰብኣዊ ባህርይ ዝዀነ ናይ ምፍላጥ ኢብቝዕነት’ዚ ናብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጥሕሰትን ሰብኣዊ ፍጥረት ናብ ጭንቀት ከምዝን ናብ ዝድርኽ ኩነት እዩ ዝትርጐም ከምዝበሉ ዘንጋሪኒ የመልክታ።

ዘተሓሳስብ ምስፋሕ ጥሕሰት ናይ ሃይማኖት ናጽነት

ንቅድስቲ መንበር ኣዚዩ ዘተሓሳስባ ዘሎ ጉዳይ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ ሃይማኖን እምነትን ናጽነት ግህሰት እዩ፡ እዚ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት ዝኸነ ናይ ሃይማኖትን እምነትን ናጽነት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ክገሃስ የብሉን፡ እዚ ኣብቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፥ ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ዝብል ውሳኔኡ ዝተመልከተ እውን እዩ፡ ስለዚህ ማሕበረሰብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከም ማሕበር ሃይማኖቶም ከብዕሉን ስግደትን ኣምልዀን ክፍጽሙን ከምዘለዎምን ሃይማኖቶም ከላልዩን ክምህሩን እውን ናጽነት ከምዘለዎም ዘመላኽት እዩ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ባህላውን ዓለም ሓቆፍ ጉዳያት ኣብ ዝምልከት መዳይ ምእመናን ዘቕርብዎ ሃይማኖታዊ መሰረት ዝገበረ ርእይቶኦም ኣገዳሲ ምዃኑ የተሓሳስብ።

ናጽነትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ እቲ ናይ 2030 ዓ.ም. ዝክረ ነገር ዘኽውን እዩ

ናይ ሃይማኖትን ናይ ሕልናን ናጽነትን ብሓባር ምስቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ክህልው ዘለዎ ናይ ሓባር ዘተ ሓቢሩ ክነቓቓሕ ከምዘለዎን እዚ ነቲ ብሕቡራት መግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ክብጻሕ ዝተሓቀነ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ሸቶኡ መታን ክወቅዕ ክተርፍ ዘይኽእል መሰረታዊ ቅድመ ኵነት እዩ። እቲ መደብ ልምዓት ካብ ውሳኔ ናብ ተግባር ንምቕያር ክንየው ዕደ ጥበባውን ኤኮኖሚያውን ሰነ ኣሓዛዊ ጭብጥታት መግለጺን ቋንቋ ምባልን ግብረ ገባውን መፈሳውን ሃይማኖታውን ማዕቅን ግምት ክወሃቦን ክዝንጋዕ የብሉን እንተድኣ ከምዚ ዘይኰነ ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረን ኵለንተናዊ ዕብየቱ ዓቢይ ጉድኣትን ክስራንን እዩ፡ እዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ብሓባር ምስ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ ናይ ሃይማኖት ምስልምና መምህር ኣሕማድ ኣል ጣዪብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ውሳኔ ሰነድ ዘመላኽቶ ክኸውን ኣንከሎ፡ ዘተን ምርድዳእን ናይ ምቅብባልን ምክእኣልን ነቲ ንሰብኣዊ ፍጥረት ከቢብዎ ዘሎ ኣብ ዓለም ንዝርአይ ናይ ኤኮኖምን ማሕበራውን ፖለቲካውን ምህዳራውን ጸገማት ንምፍታሕ ንዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ኣበርክቶ ከምዘለዎ እውን ዘነጽር እዩ።

ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ምክልኻል መዳይ ህርኵት ጻዕሪ ቅድስቲ መንበር

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መሰልን ክብርን ምክልኻል እተካይዶ ህርኵት ጻዕሪ ጠቒሶም፡ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን እቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎምን ኵለንተናዊ ጸጥታን ድሕነትን ምክልኻልን ኣብ ዝብል ጥራሕ ከይተሓጽረ ንሕንጸቶም ብቑዕ ዝዀነ ውሑስ ቦታ እውን ክፍጠረሎም ግቡእን ግዴታን እውን ምዃኑ ዘተሓሳስብን ከምዝዀነ ገሊጾም ከምዝዛዘሙ ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።

ሰብኣዊ መሰልን ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሰላምን ምዕባለን መፍትሕ እዩ
27 February 2019, 16:25