ድለ

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ 

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ከመይ ገርና ክንራኸብ ወይ ከመይ ገርካ ሓበሬታ ከነቕርብ ከምዘለና እንክሕብሩ፡ ደላይ ሓቂ ምዃን ይብሉ፡ ተስፋ ዝዘርእ ክኸውን ኣለዎ

ካብ ዕለት 30 ጥሪ ክሳብ ዕለት 1 ለካቲት 2019 ዓ..ም. ሉርድስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ማሕበር ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ብሓባር ብምኽንያት መበል 23 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስን ዘሰናደውዎ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዘአንገደት ክምልከት እንከሎ፡ ብዛዕባ እዚ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ አብ አካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ጋዜጠይናነትን ሃይማኖታዊ እምንቶን እዚ ናይቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ መርሕ ቃል ከምዝነበረን ልዕሊ 300 ካብ ዝተፈላለያ 30 ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሃንን ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ዘሳተፈ ከምዝነበረን፡ እዚ ዓውደ መጽናዕቲ’ዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሓን ሓላፍነት ፈልዩ ዘመላኸተ ምንባር ኣመልኪቶም።

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሳለስ፥ ጋዜጠይናነትን እምንቶን

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ናይ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሃን ብድሆ ድልያ ሓቂ እዩ፡ ቅድሚ ምሕባርካ ነቲ ክትሕብሮ እትደልይ ናይ ምርኣይ ስነ ጥበብ ምንባር የድሊ ቅድሚ ጽማሬ ምቕራብካ ምርዳእን ምስትውዓልን ክንየው ምቕልቃል ምባል ዝሓትት እዩ፡ ካልኦት ዘይርእዮ ምርኣይ፡ ካልኦት ዘይግደሰሉ ሓበሬታ ምቕራብ፡ ናይ ግዜ ምልክታ ምንባብን ምፍላጥን፡ ካልኦት ከም ውዳቕን ጓሓፍን ዝሓስብዎ “ዝተነጸለን ዝተናዕቀን - ደጋዊ ክልፍለ ከተማን ህልውንና” ምቕራብ፡ ናይ ዘይተገዳስነት ሸለልተይናነትን ባህሊ ምስዓር ዝብል እዩ።

ከመይ ገርካ ኢካ እትራኸብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ከመይ ገርና ክንራኸብ ወይ ከመይ ገርካ ሓበሬታ ከነቕርብ ከምዘለና እንክሕብሩ፡ ደላይ ሓቂ ምዃን ይብሉ፡ ተስፋ ዝዘርእ ክኸውን ኣለዎ፡ ህልው ኩነት ብምንባብ ክነየው ኩሉ ግጭት ውጥረትን ዝምልከት ኣብ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ንዘሎ ድላይ ሓሴትን ሰላምን ብምቅላሕ ሰብ ናብዚ ክቡርነት ንኸብል ምምራሕ፡ ኣብ 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ድሕሪ ቅሩቡ መዓልታት ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ዕዮኹም ልክዕ ከም ኵሉ ካልእ ሙያ መጽናዕትን ምስትውዓልን ተመክሮን ዝሓትት እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ንሓቅን ሰናይን ጽባቔን ዘተኩር እዩ፡ እዚ ምስ ቤተ ክርስትያ ብዙሕ የቀራርበኩም፡ ስለምንታይ ቤተ ክርስቲያን እቲ ሓቅን ሰናይን ጽባቔን ዝዀነ ስለ ተራኽብን ተበስርን። ስለዚህ ገዛእ ርእስና እነራኽብ ዘይኰነስ እቲ ሓቅን ሰናይን ጽባቔን ዝዀነ ኢና እንረኻብብ (ዕለት 16 መጋቢት 2013 ዓ.ም.)

ዝበልዎ ቃል ተንቲኖም፡

ንምድናቕ ገዛእ ርእስካ ምፍቃድ

ዘቕረብዎ መደረ ብምቕጻል፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፓናማ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርይዊ መገሻ፥ ልክዕ ከምቲ ኣብ ማርያም ዝተፈጸመ፡ ንሱ ኸኣ ንሳ ብዘይ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራውያን መርበባትን ናይ እግዚኣብሔር ጽልዋ ፈጣሪት ኰነት ዝብል ዝተነንዎ ሓሳብ ሩፊኒ ዘኪሮም ኣብ ታሪክ ዓቢይ ተጽእኖ ፈጣሪት ንምዃን ዝበቕዔት ብምድናቕ ገዛእ ርእሳ እነዅልካ ስለ ዝበለት እዩ ኢሎም።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ
02 February 2019, 16:47