ድለ

ምክልኻል ሕጻናት፡ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሕ ምክልኻል ሕጻናት፡ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሕ 

ምክልኻል ሕጻናት፡ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሕ

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዓውደ ጉባኤ፡ መርሓ ፍኖት ዘቕርብን ሓላፍነት ዝብልን ምጽብጻብን ግልጽነትን፡ ቅድሚ ዅሉ ግና ነቶም ኣደዳ ዝዀኑ ጽን ዝብል እዩ

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዓውሎማዊ - ካቶሊካዊ - ኵላዊ መልሲ ንምሃብ ዝተጸውዑ እያቶም። ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ምስታፍ እቲ ውሳኔ ከመሓላልፍ ዝጽዋዕ ኰነ ዝዓዪ ተመሳሳሊ ምኽንያት ስቓይን ኣቝሳልን ከይኽሰት ዘብቅዕ መጋበርያታት ኣብ ዓውዲ የቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ዕለት 21 ለካቲት ዝጅመርን ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝጠቓለል ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመክር ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ናይ መላእ ገዳማትን መንፍሳዊ ማሕበራትን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ኣሳቲፉ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ብዙሕ ትኵረት ይግበረሉ ከምዘሎን፡ ንቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ዓቢይን ልዕሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ካብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወሃቡ ዝለዉ መግለጽታት የረጋግጹ።

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ራቨና ቸርቪያ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ኢጣሊያ ን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንሕጻናት ምልክኻል ሓልዮ ቤት ጽሕፈትን ኣገልግሎት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ሎረንዞ ጊዞኒ፥ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን እቲ ብዝተፈላለየ ሰበኻን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ከከም ኵነቱን ከባብያዊ ሓቅነቱን ተመስሪቱ ዝህቦ ዝነበረ ዝተፈላለየ መልሲ ኣወጊዱ ኵላውነት ወይ ካቶሊካውነትት መልሲ ከቕርብ ዝድግፍ እዩ፡ ስለዚህ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ኵቶሊካውነታዊ ዝዀነ ናይ ሓባር መልሲ እያ እተቕርብ፡ እዚ ዝተጸውዔ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ዘበራትዕ እዩ ይብሉ።

ቀዳማይን ኣገዳስን ስጉምቲ ነቶም ኣደዳ ዝዀኑ ጽን ምባልም ምስማዕን እዩ

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዓውደ ጉባኤ፡ መርሓ ፍኖት ዘቕርብን ሓላፍነት ዝብልን ምጽብጻብን ግልጽነትን፡ ቅድሚ ዅሉ ግና ነቶም ኣደዳ ዝዀኑ ጽን ዝብል እዩ፡ እቶም ናይ ወሲብን ስልጣንን ሕልናን ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ጽን ምባልን ጓሶት ነፍሳት እቶም ኣደዳ ዝዀኑ ዝወረዶም ስቓይን ብዕምቆት ንምስትውዓልን ናይ ስቓዮም ተኻፋሊ ንምዃን ዝተጸውዑ እያቶም፡ ነቲ ኣደዳ ዝዀነ ምስማዕ ዘሕድረልካ ስቓይን ናይ ስቓይ ተኻፋሊ ምዃንካ ባዕሉ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምክልኻል ዝድግፍ መጋበርያ ዘመላኽት እዩ ዝኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ እቲ ጸገም ንምብዳህ ብከባብያዊ ደረጃ ዝፍተን ዝነበረ ኣገባብ ድዩ ዘየድሊ ናይ ምሕብባእ ፈተናታት ኵሉ ጌጋ ኣብ ልዕሊ ጌጋ ክወሳሰኽ ገይሩ እዩ፡ ሎሚ ከም ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ኣፍልጦ ሂብካ ብሓባር ንምግጣሙን ነቶም ኣደዳ ዝዀኑ ብምስማዕ ናይ ስቓዮም ተኻፋሊ ምዃን ዝተባብዓሉ ጥራሕ ዘይኰነ ግድን ዝበሃለሉን ሓዋርያዊ ሓላፍነት እውን ምዃኑ ዘመላኽት እዩ። ኣብ ሓቅን ግልጽነትን።

ዓቢይ ኣተኵሮ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን፡ ጥንቁቅ ሕርየት ተመሃሮን ኣሕሉቕን

ኵስኮሳ ጸዋዕታ ወሳኒ እዩ፡ ጥንቁቕ ሕርየት ግና ትእዛዛውን መዝነት ዝመልኦ ውሳኔ እዩ፡ ጌጋ ምርጫ ክይኽሰት ኣብ ኣባይቲ ዘርኣ ክህነት ብዙሕ ኣተኵሮ ምግባር የድሊ፡ ካብ ፍርሒ ዝነቕል ኣተኵሮ ዘይኰነስ ካብ ፍቕሪ ንኣስፍሆተ ወንጌልን ሓቅን ሕይወትን መገድን ፍቕሪ ንቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ዝነቕል እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ሕንጸትን ሓለፍቲ ሕንጸትን ዓቢይ ጥንቃቔ የድልዮ፡ ነዚ ዝድግፍ መጋበርያ እውን ኣሎ፡ ምጥቃሙን ካብዚ ዓውደ ጉባኤ ዝወጽእ ሓሳብ ምጥቃምን፡ ኣብ ቁምስናታትን ናይ መንእሰያት ጉዳይ ዝምልከት ዘበለ ኩሉ ጥዑይ ስፍራ ክኸውን ብትግሃት ምዕያይን ኣብኡ ዘገልግሉ እውን ብጥንቃቔ ምሕራይን የድሊ፡ ኣብ ሕንጸት ኰነ ኣብ ሕርየት ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ብርቱዕን በሳልን ጥንቃቄ ወሳኒ እዩ ኢሎም።  

ምክልኻል ሕጻናት፡ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሕ
20 February 2019, 17:28