ድለ

ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ዕለት 22 ለካቲት ውዕሎ፥ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ዕለት 22 ለካቲት ውዕሎ፥ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት 

ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ዕለት 22 ለካቲት ውዕሎ፥ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት

ሎሚ ኣብ እንነብረሉ ዓለማዊ ቝሸት ኣብ ሓደ ከባቢ ዝተፈጸመ ጉዳይ ዓውሎማዊ ሳዕቤን ኣለዎ፡ ስለዚህ ንዝበለጸ ዓለምን ንዝበለጸት ቤተ ክርስቲያንን ክዋኔ ንሓድ ሕድና ክንደጋገፍን ክንተኣራረምን ክንመዓዓድን ግድን ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ኦመለይ እንክሕብሩ

ዝዀነ ይኹን ዝፍጸም ዓመጽ ንዝምልከቶ በርገሳዊ ኣካል ምሕባር፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድሕሪ ነበር ካርዲናል ተኦዶር ኤድጋር ማክካሪክን ዘሎ ህልው ኩነታት ነዚ እዩ ዝመስል፡ ቅድም ዝነበረ እውን እንተዀነ ተበራቲዑ ይቕጽል ከምዘሎ ዘረጋግጽ እዩ፡፡ ዛዕባ ሲኖዶሳውነትን ናይ ጳጳሳት ሓላላፍነትን ኣደዳ ንዝዀኑ ቅርበትን ዝብሉ ነጥብታት ዘማእከለ ኣብ ግዳም ግዛእት ሃገረ ቫቲካን ስነ ቤተ ክርስቲያን ኣበው መንበረ ጥበብ ኣጐስቲኒያኑም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ናይ ዕለት 22 ለካቲት ካልኣይ ዋዕላ ሓፈሻዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተወሃበ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን ነዚ ስዒቡ ዝተውሃቦ ውሳኔ ኵሉ ናይቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ጸገም እውን ዘጋጥሞ ዝነበረ ኣውን እንተዀነ ናይ እተቕርቦ ዝነበረት ክስታት ውጽኢት እዩ፡ ግልጽነት መጻኢና ዝገልጽን ዝውክልን እዩ ነዚ ዝበሉ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይ ቦስተን ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሓለዋ ሕጻናት ላዕለዋይ ድርገት ኣቦ መንበርን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መማኽርት ጉባኤ ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት ኣባልን ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦመለይ እዮም።

ቝሸት ናይ ዝዀነ ዓለም ኣቝሳል

ሎሚ ኣብ እንነብረሉ ዓለማዊ ቝሸት ኣብ ሓደ ከባቢ ዝተፈጸመ ጉዳይ ዓውሎማዊ ሳዕቤን ኣለዎ፡ ስለዚህ ንዝበለጸ ዓለምን ንዝበለጸት ቤተ ክርስቲያንን ክዋኔ ንሓድ ሕድና ክንደጋገፍን ክንተኣራረምን ክንመዓዓድን ግድን ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ኦመለይ እንክሕብሩ፡ ናይ ማልታ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ተወሳኺ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና፥ ንሓደ ሕጻን ይዅን ንሓደ መንእሰይ ዝብድል ብሱቕታ ኣይሕለፍን፡ ዝቕበሎ ፍርዲ ምስቲ ዝፈጸሞ ገበን ዝተኻኸል እዩ፡ መጓሰ ንምድሓን እቲ ዝኣበሰ ካብ መጓሰ ምእላይ ዝብል ኣገባብ ኣይኰነን፡ ኵሉ ንምድሓን ዝብል እዩ ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ከም ሓንቲ ጋንታ እያ ክትከውን ዘለዋ

ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ይብሉ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሃለወት ትሃሉ መክብባዊት እያ፡ ሓንቲ እያ፡ ስለዚህ ጋንታ እያ ክበሃል ይከኣል፡ ኵነታት ቅልውላው ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ማንም ንበይኑ ክሕደግ የብሉን ክብሉ እንከለዉ ናይ ቺካጐ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኩፒክ ኩሉን ብዙሕ ነገር እውን ክቕየር እዩ፡ ኵላትና ንናይ ኵላትና መዓላን ሓደ ንዅሉን ኵሉ ንሓደን ኰይኑ፡ ምንባር ክብል ኣለዎ፡ እቶም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ ዝሃብዎ ምስክርነት፡ ትብዓቶም አደንቕ፡ ቤተ ክርስቲያን ንምድሓንን ጭቡጥ ውሳኔ ከተመሓላልፍ ዝድርኹ እያቶም፡ ጭቡጥ ውጽኢት ዝደልዩ እያቶም፡ ጳጳሳት ናይ ስጉምትታቶም ሓላፍነት ዝወስዱ እያቶም፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ቤተ ክርስቲያን።   

ንነኣሽቱ ክውንታውያን ዝሓስብ ግብረ ሓይሊ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒን ናይ ቫቲካን ማሕበር ራትዚንገር ኣቦ መንበር ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣካያዲ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ እውን ብወገኖም፡ ናይ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ውዕሎታት እናሓሰቡ፡ ሩፊኒ ይብሉ፡ ነተን ነኣሽቱ ዝዀና ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዘካይድኦ ቃልሲ ንምድጋፍ ዘድሊ ምትሕብባር ክግበረለንን ዝፍጸም ዓመጽ ናይ ምኽሳስን ንዝምልከቶ ኣካል ናይ ምቕራብ ባህሊ ክሰፍሕን፡ ካብ ዘርኣ ክህነት ናብ ዘርኣ ክህነት ዝመሓላለፉን፡ ካብ ገዳም ናብ ገዳም ዝቐያይሩ ጥብቂ ክትትል ክግበር ከምዝግባእ እቲ ዓውደ ጉባኤ ከምዘተሓሳሰበ ከፍልጡ እንከለዉ፡ ኣባ ሎምባርዲ እውን ብወገኖም፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ናይቲ ዝመያየጠሉ ዘሎ ርእሰ ጉዳይ ጥልቅን ስፍሓትን ልዑሉ ግንዛቤ ዘለዎ ኰይኑ ቅንዕናን ምርግጋእን ብዝተመልኦ መንፈስ ነቲ ዝስምዖን ጓህን ቍስልን ኩሉ ጸይሮም ብዘይ ምንም ዓይነት ውጥረትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ሕጻናትን ክይህሉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዘዋስእ እዩ፡ እቲ ጉባኤ ነዚ ኣነጺሩ የተሓሳስብ ኢሎም። 

ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ዕለት 22 ለካቲት ውዕሎ፥ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት
23 February 2019, 17:34