ድለ

ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ቀዳማይ ዋዕላ ዓውደ ጉባኤ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ቀዳማይ ዋዕላ ዓውደ ጉባኤ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት 

ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ቀዳማይ ዋዕላ ዓውደ ጉባኤ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት

ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ይብሉ፡ እቲ ቃል ምስክርነት ብሓቂ ብርቱዕን ኩላትና ክንሰምዖ ዝግብኦ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣደዳ ዓመጽ ተመክሮ ዝውክል እዩ

ኣብ ግዳማዊ ግዝኣት ቅድስት መንበር ኣጐስቲኒያኑም ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጥበብ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ብሪስባን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ማርክ በነዲክት ኮለሪድገን ናይ ማልታ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ዓንቀጸ እምነተ ሓልዮ ተወሳኺ ዋና ጸሓፍን ናይ ምክልኻል ሕጻናት ጉባኤ ኣሰናዳዊ ኰሚቴ ኣባል ብፁዕ ሺክሉናን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒን ናይ ቫቲካን ማሕበር ራትዚንገር ኣቦ መንበር ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ጉብኤ ኣካያዲ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ሕጻናት ጉዳይ ሓልዮ ማእከል ኣብ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ኣቦ መንበር ናይ ሕጻናት ጉዳይ ሓልዮ ድርገት ኣባል ኣባ ሃንስ ዞልነርን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲን ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብርቱዕ ድላይን ውሳኔን መሰረት ንናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ቅርበትን ከምኡ እውን እዚ ዓቢይ ገበን ጉዳይ ዝምልከት መርሓ ፍኖት ክሕንጸጽ ከምዘተሓሳሰቡ ኣብቲ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ክሕብሩ እንከለዉ፡ ኣባ ዞልነረ፡ እቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ጭቡጥ ውሳኔን ከምኡ እውን ኣደዳ ዝዀኑ ነቲ ጉባኤ ዘቕረብዎ ቃል ምስክርነት ጽን ከምዝበለን ብሓቂ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዓውደ ጉባኤ ክሳብ ክንደይ ልዑልን ወሳንን ምዃኑ ብውሽጥን ደገን ዝወሃቦ ዘሎ ቆላሕታ ዝምስክሮ እዩ፡

ቃል ምስክርነት ኣደዳ ዝዀኑ፥ ዝተባርከ መሬት

ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ይብሉ፡ እቲ ቃል ምስክርነት ብሓቂ ብርቱዕን ኩላትና ክንሰምዖ ዝግብኦ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣደዳ ዓመጽ ተመክሮ ዝውክል እዩ፡ ናይ ክርስቶስ ኣቝሳል ምትንካፍ ማለት እዩ፡ ስለዚህ ሓላፍነትና ምቕባል እውን ማለት እዩ። እቶም ኣደዳ ዝዀኑ ንበይኖም ከይሕደጉን ኣብዚ ከይዲ’ዚ መክብባዊ ጥርናፈ ክህሉ ዘተባብዕን እዩ፡ ናይ ውሕስነት ዓርኪ ብምኻን ጸረ ዓመጽን ምፍርራሕን ምቛም። ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ምንባር ዝብል ባህሊ ክስነፍ ኣለዎ። እዚ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ምዃን ዘነጽር ኣገባብ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ብጽዕ ኣቡነ ማርክ በነዲክት ኮለሪድገ እውን ብወገኖም እዚ ጉባኤ’ዚ ምሕደራዊ ኣገባብ ዘመላኽት ስልቲ ኣይኰነን ምስቶም ኣደዳ ዝዀኑ ብሓባር ጭቡጥ ውሳኔ ንምቕራብን ከይሁሉን ከይድገም ተሓተቲ እውን ነቲ ናብ እግዚኣብሔር ፍትሒ ዘእውይ ድምጺ ክቐርቡን ኣብ በርገሳዊ ድዩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጭቡው ፍርዲ ክረኽቡ ዘተሓሳስብ ውዕሎ ምንባሩ ገሊጾም።

ጳጳስ ጓሳ እምበር ኣመሓዳሪ ኣይኰነን

ኣውስትራሊያዊ ጳጳስ ይብሉ ኣብቲ እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራ ዝተዋጽኡ ብፁዓን ጳጳሳት ብሓባር ነቲ ኵሉ ህብረ ባህሊ ብምእንጋድ ከም ጳጳሳት ጓሶት እምበር ተራ ኣመሓደርቲ ቅዱሳት ነገራት ከምዘይኰኑ ብምስትውዓል ኣብ ቅድሚ ዝቖሰሉን ኣብ ጐድኒ እቶም ክስምዑ ዝደልዩን ክዀኑ ይግብኦም። ኣብዚ ኣብ ዘካይድዎ ኣገልግሎት’ዚ ናይ ክኢላታት ዓለማውያን ምእመናን ሓገዝ ክቕበሉን ምስ መንግስትን ዝምልከቶ ኣካል ጥብቂ ምትሕብባር ክህልዎም ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ዝጠልቦ ጉዳይ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ናይ ዕለት 21 ለካቲት ዋዕላ ብድላይ ቅዱስ ኣቦና ዝተለዓለ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝምልከት ጉዳይ መርሓ ፍኖት ክህሉ ዝብል ሓሳብ ከምዝቐረበ ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ክሕብሩ እንከለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒን ናይ ቫቲካን ማሕበር ራትዚንገር ኣቦ መንበር ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ጉብኤ ኣካያዲ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲን ብዛዕባ እቲ 21 ናይ ኣስተንትኖ ነጥቢ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ሓሳብ መሰረት ከምዝቐረበን እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ይኹን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘሎ ስርዓተ ደንቢ ክኽለስ ዝድርኽ ምዃኑ ተንቲኖም።

ዓይነታውነት ምድብን ሓጢኣትን

ንጽሕናን ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒትን ዝምልከት ጉዳይ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተለዓለልን፡ እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘራኽብ ጉዳይ ኣለዎ ድዩ ንዝብል ሕቶ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ከምዝሓበርዎ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናብ ሓጢኣት ዝድርኽ ምዃናዊ ስንድውና የሎን፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ንፈተና ዝተቓልዐ እምበር ዝዀነ ዓይነት ሓጢኣት ንኽፍጸም ምዃናዊ ስንድውና ኣለዎ ቢልካ ምግላጽ ካብ ሓቂ ዝረኣሐቐን መሰረተ ኣልቦ እዩ እንክብሉ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተጋባእያን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ናይ ዝዀኑ ናይ ሓሙሽተ ሰባት፡ ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣመሪካን ኤውሮጳን ካብ ሕቡራት ኣመሪካ መንግስታትን ዝተዋጽኡ ኣሕዋት ዝሃብዎ ቃለ ምስርክነት ከምእተሰምዔን ናይዞም ኣሕዋት ስቓይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕልና ከይኑ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምክልኻል ንዝግበር ጻዕሪ መሰረት ክኸውን ከምዘለዎ ከምእተሰመረሉን፡ ፍትሕን ሓቅን ዘራኽብ ታሪኽ እዩ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ናይ ዕለት 22 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ውዕሎ ዝምልከት፥ ኣብ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጥበብ ኣጉስቲኒያኑም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማህተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲን ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣካያዲ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቺካጐ ሊቀ ጳጳስትን ናይት ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣሰናዳኢ ሽማገለ ኣባልን ብፁዕ ካርዲናል ባላሰ ጆሰፍ ኩፕኽን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቦስቶን ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንበርን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መማክርት ትስዓቱ ጉባኤ ካርዲናላት ኣባል ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦመላይን ናይ ማልታ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ተወሳኺ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣባል ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ሺክሉናን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒን ከማተሳተፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን። 

ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ቀዳማይ ዋዕላ ዓውደ ጉባኤ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት
22 February 2019, 16:30