ድለ

ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ባርኰት እቲ ካብ ከተማ ካይሮ 45 ኪሎ ሜትር ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ርከብ ከባቢ ዝተሓንጸ ሓድሽ ካቴድራል ዘልደቱ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ጥሪ2019 ዓ.ም. ኣብ ምስሪ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ካቴድራል ዘልደቱ ኣብ ዝተባረኸሉ ዕለት፥ ጐይታ ንምስርን ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ዓለምን ሰላምን ብልጽግናን ክጽግው እምሕጸን ዝብል ጸሎት ዘማእከለ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ባርኰት እቲ ካብ ከተማ ካይሮ 45 ኪሎ ሜትር ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ርከብ ከባቢ ዝተሓንጸ ሓድሽ ካቴድራል ዘልደቱ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ቅድም ቀዳድም ርሑስ በዓለ ልደትን ከምኡ እውን ዝተባርከ ሓድሽ ዓመትን ተመንዮም፡ እዚ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ኣብ ከተማ ናስር ዕለት 5 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ዝተፈጸመ ግብረ ሸባራዊ መጥቃዕትን ነቲ ዝተጸምደ ቦምቢ ንምፍሻል ካብ ዝተዋፈረት ጉጅለ ሓይሊ ምክልኻል ሓደ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠመ ምስ ተሰምዐ ዝተመሓላለፈ ብምዃኑ ነቲ ህልዉ ኩነት ግምት ዝሃበ መልእኽት እውን ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መእኽቶም፥

ፍቱዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ርሑስ በዓለ ልደትን ዘሕጉስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልኩም፡ ንዅላትኩም ኣብዛ ዝተባረት ዕለትን ነቲ ሓድሽ ብናይታ ከተማ ሓድሽ ቤ ምሕደራ ዝተሓንጸ ካቴድራል ዘልደቱ ናይ ምብራኽ ስነ ስርዓት ኣብ ዝፍጸመሉ ዕለት ብሓጐስ ሰላምታይ አቕርብ፡ 

እቲ ናይ ሰላም ንጉስ ንምስርን ንመላእ ማእከላይ ምብራቕን ንመላእ ዓለም ጸጋ ሰላሙ የውሕዝ ብልጽግና ይዓድል።

ምስ በሉ፡ ብፍላይ፥

ፍሉይ ሰላምታይ ነቶም ኣብቲ ጽንኩር እዋን እውነተያን ናይ እምነትን ናይ ፍቕርን ምስክርነት ንዘቕረቡ ንፍቑር ሓወይ ቅዱነቶም ፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማውን ንፍትዉቲ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክስቲያን ምስሪ ሰላምታይ አቕርብ፡ ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ንእምነትኩም ብርታዔ ዝዀኑ ሰማእታት ዘለኵም ኢኻትኩም፡ ንስለ ኣብነትኩም አመስግን፡ ንመንግስቲ ምስርን ንኹብር ርእሰ ብሔር ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ፍሉይ ሰላታይ አቕርብ

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ዛዚሞም።

07 January 2019, 18:03