ድለ

ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ ትሕትን ምእንታኻን በሃሊት ቤተ ክርስቲያን ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ ትሕትን ምእንታኻን በሃሊት ቤተ ክርስቲያን 

ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ ትሕትን ምእንታኻን በሃሊት ቤተ ክርስቲያን

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ቅዱስ ሮመሮ ኤጲስ ቆጶሳዊ መንፈሳዊ መርሆ፡ kenosis ምስ ዝብል ቃል ግሪክ ኣተሓሒዞም እንከረድኡ፡ ትርጉሙ ከኣ ገዛእ ርእስኻ ምውራድን ትሕት ምባል ማለት ምዃኑ ቃል ብቓሉ ገሊጾም፡ ብቐዳምነት እግዚኣብሔር ብኽርስቶስ ኣብ ትስብእቱን ኣብ መስቀል ብሙማት ዝዀኖ ጭቡት ምዃን ምንባር ማለት እዩ። ናይ ሕዝብና ኣቝሳልን ክንትንክፍን ቀረባ ክንከውን ከፍርሓና የብሉን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓናማ ንናይ ሃገራት ማእከላይ ከባቢ ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዙ ቤተ ክርስቲያን ዝለገስዎ ስልጣናዊ ቃለ ምዕዳን፡ ኣብ ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ ተክለ ሰብነትን ኣብቲ ናይዚ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳዊ መንፈሳዊ መርሆን ዘተኰረ ከዝነበረን፡ ኣዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣናባቢ ምዃኑ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይቶም ኣብ ሳንሳልቫድሮ በጭፍራ ቀተልቲ መስዋዕተ ቅዳሴ እናዕረጉ እንከለዉ ዝተቐትሉ ሮመሮ ናይ ጵጵስና መንፈሳዊ መርሖ ምስ ቤተ ክርስቲያን ምዃን ክስምዓካ ዝብል ከምዝነበረን እዚ ኸኣ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ንብጹዓን ጳጳኣት ሃገራት ማእከላይ ላቲን ኣመሪካ ናይ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን መሰረት እዩ፡ በዚ መገዲ’ዝ ኣቢሎም ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓደ ጓሳ ተክለ ሰብነት ከመይ ክኽውንን ህልው ኩነታት ከመይ ገይሩ ከንብብ ከምዘለዎን የብርሁ።

እዚ መርሕ ቃል’ዚ እቲ ብናጻ ዝተቐበልካዮ ዘይናትካ ዝነበረን ካብ ዝዀነ ይኹን ይግብኣኒ በሃልነት ናጻ ዘውጽእ ጸጋ ተመክሮ ምግባር ዝብል እዩ፡ መላእ ሕይወቶም ኣብ ጽንኩር እዋን እንተዀነ እውን ኣብ ተኣማንነት ምንባር ዝብል መንገዲ ዝተኸተሉን ምዃኖም ዝገልጽን፡ ንኣና ንዝስዋዕ ሕይወትን ንሕዝብና ዕለት ብዕለት ምግልግልን ንቝሕን ዘህውይን ምስክርነት ንኸነቕርብ ዘተባብዕ ዓቢይ ውርሻ እምበር ብናይ ትካላውነት ስነ መጐትን ብናይ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ተዋፋሪ ከይድን ርእሰ ብቕዓትን ዝብልን ቀጥዒ ኣልቦ ንጥፉነት ምሕደራዊ ቤት ጽሕፈት ዝንበሮ ማለት ኣይኰነ፡ ቅዱስ ኣብሮዚዩስ ከምዝብሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ከም ወርሒ እያ፡ ብናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ዘይትኹላዕ፡ ንኽርስቶስ እያ እተንጸባርቕ፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ክስምዓካብ ዝብል መፈሳዊ መርሆ ቅዱስ ሮመሮ ምኸምዚ ዝበለ መልክዕ ይገልጽዎ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ነቲ ናይ ቅዱስ ሮመሮ ኤጲስ ቆጶሳዊ መንፈሳዊ መርሆ፡ kenosis  ምስ ዝብል ቃል ግሪክ ኣተሓሒዞም እንከረድኡ፡ ትርጉሙ ከኣ ገዛእ ርእስኻ ምውራድን ትሕት ምባል ማለት ምዃኑ ቃል ብቓሉ ገሊጾም፡ ብቐዳምነት እግዚኣብሔር ብኽርስቶስ ኣብ ትስብእቱን ኣብ መስቀል ብሙማት ዝዀኖ ጭቡት ምዃን ምንባር ማለት እዩ። ናይ ሕዝብና ኣቝሳልን ክንትንክፍን ቀረባ ክንከውን ከፍርሓና የብሉን ኣሕዋተይ፡ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ እዚ ብናይ ጐይታ ኣገባብ ገርና ንንበሮ፡  ሓደ ጓሳ ዝምዘን፡ ማለት ናይ ሓደ ጓሳ ልቢ ዝምዘን፡ ኣብ ቅድሚ ስቃይን ስግኣትን ዓመጽን ብዝነብሮ ቅርበትን ሓልዮትን ጽንጋጸን እዩ፡ ናይ ሕዝቢ ስቓይን መከራን ናትካ ምግባር፡ ሮመሮ ነዚ እዩ ዝነበረ። ቤተ ክርስቲያን ናይ ክርስቶስ እያ፡ ናይ ክርስቶስ ሓልዮትን ርህራሄን እያ፡ … ምስ ቤተ ክርስቲያን ኰይንካ ጽን ምባልን ምስማዕን ምስ ኣማኒ ሕዝቢ ኰይንካ ምስማዕ ማለት እዩ፡ እቲ ዝሳቐን ትስፍውን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ናጻን ኣብቲ ገዛእ ርእሱ ዘዋረደን ክሳብ ኣብ መስቀል ሕይወቱ ኣሕሊፉ ዝሃበን ጐይታ ዝተማእከለት ካብ ትዕቢትን ትምክሕትን ርእሰ ብቕዓትን ናጻ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን። እዚ እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ሓልዮት ትሕቲ ዕድመን መንእሰያትን ንኽዝትይ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ሃገራት ዓለም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሊቀ መናብርት ጉባኤ ኣናባቢ ተግባር እዩ፡ ኣደዳ ንዝዀኑ ጽን ምባል፡ እቲ ናቶም ኣቑሳል ናትካ ምግባርን ብኣቑሳሎም ክትቖስል ምፍቓድን ዝብል እዩ።

ብኻልእ መገዲ እውን እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳን ዝገልጾ ገዛእ ርእስኻ ምውራድን ትሕት ምባልን ዝብል ቃል ካብ ምናባዊ ህላዌነትን ከትርሕቕን ንኻልእ ጽን ምባልን ዝሓትት እዩ፡ ተራኽቦነት ከተቐውም ዝድርኽ እዩ፡ ናይ ህዝቢ ኣካል ምዃንካ ክስምዓካን ኣካሉ ኴይንካ ምንባርን ዝብል እውን እዩ፡ እዚ ኸኣ ከምቲ ቅዱ ጳውሎስ ዝብሎ፡ ኵላትና ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት እንክብል ከምዝገልጾ እዩ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን ምዕ. 4 ፍቕዲ 25 ናይቲ ብምኽንያት መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሃን ናይ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ኣርእስቲ ክኸውን ዝሓረይዎ፥ ኵላትና ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ስለ ዝዀንና ምዝ ዝብል ቃል ዝተኣሳሰረ እዪ።

 (Andrea Tornielli)

ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ ትሕትን ምእንታኻን በሃሊት ቤተ ክርስቲያን
26 January 2019, 12:36