ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ ውጣነ ሰብኣዊ ክብሪ ንዘለዎ ዓለም ካርዲናል ፓሮሊን፡ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ ውጣነ ሰብኣዊ ክብሪ ንዘለዎ ዓለም 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ ውጣነ ሰብኣዊ ክብሪ ንዘለዎ ዓለም

ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሳተፉ እዚ ናይ ፓናማ ንሳልሳይ ግዜኦም ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን

ፓናማ ኣብ መንጐ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መንእሰያትን እምነት ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዘተየ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን እቲ ኣብ ቀዳማይ ወርሒ ጥሪ ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዘሎ ርክብ ክውንታዊ ምዃኑ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ሓቢሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 23 ጥሪ ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱን ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክሳተፉን እውን ምዃኖም ብፁዕነቶም ገሊጾም፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት እቲ በጽሒ ዓለም በቢ ዘለዎ ሓላፍነት ንመንእሰይ ኣብ ዝሓንጽ መዳይ ንኽነጥፍን ምትሕብባር ዝዓሰሎ ዓለም ኣብ ምሕናጽን ዝጽውዕ ኵነት እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እዚ ናይ ፓናማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዝባኑ ናይቲ ኣብ መንሰያት ኣተኵይሩ ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ተመክሮ ዝተነብሮ እዩ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ናብ ፓናማ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝበልዎ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ንዘለዎ ዓለም ወጣኒ ቅነ እዩ ዝኸውን፡ ሕንጸት ብሉጽ ዓለም ዘተሓሳስብን ኵሉ ኣብዚ መዳይ ከከም ሓላፍነቱ ግዴኡ ከበርክት ዝጸውዕ እዩ፡ ዓለም ብሓይሊ ብዓመጽ ወይ ከኣ ብትያትረይና ሕይወት ዘይኰነ ከምቲ ማርያም ዝበልካዮ ይኹነለይ ቢላ ቅድመ ኵነት ዘይብሉ ንእግዚኣብሔር ዝሃበቶ ብምሉእ ተወፋይነት እዩ፡ እዚ ቅሩብነት’ዚ መንእሰይ ኣብ ዝነጥፈሉ ማሕበራዊ ኣካሊት ኩሉ ክነብሮ ዝተሓሳስብ እዩ፡ ኣገልግሎት ንማሕበረሰብን ንናይ ኵሉን ናይ ሓባር ጥቕምን፡ እዚ ዓለም ይልውጥ።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሳተፉ እዚ ናይ ፓናማ ንሳልሳይ ግዜኦም ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ዘለዎም ፍሉዩ ቆላሕታ ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ዘርእይዎ ሓቂ እዩ፡ እቲ ዛዕባ መንእሰያት ንኽዝትይ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖድስ ብዓቢዩ ከም ኣብነት ምጥቃስ ዝከኣል እዩ፡ መንእሰይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ ኣካል ተልእዀኣ እዩ፡ እቲ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዝሕብሮ፡ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በተን ከባቢያውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣቢላ ንመንእሰይ ጽን ትብል፡ ትሰምዕን ተሰንዮን፡ ኣብቲ ውዕዉዕ ኣስተንፎሶታቶምን ፍካሬታቶም ተሰንዮም፡ መንእሰይ እውን ብወገኑ ነዛ ኣደ ኵሉ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ጽን ክብላ ይግባእ፡ ስለዚህ ምስ ኢየሱ ክርስቶስ ክራኸቡን ብኣኡ ክልወጡፍ ፍቓደይና ክዀኑን ተሰንዮም ኢሎም።

ኵሉ ዓለም ክልውጥን ብሉጽ ክገብር ይደሊ፡ እዚ ድላይ’ዚ ግና ንናይ ማርያም ኣብነት ዝውከስ ክኸውን ኣለዎ፡ እቲ ናታ እነዅልካ ናቱ ኽገብር ይግባእ፡ መጋበርያ እቲ ፍጹም ዝዀነ ሰናይ ምዃን የድሊ፡ ኢየሱስ ብምሃብ ዓለም ክቕየር ገበረት፡ ኢየሱስ ተቐቢልና ኢየሱስ ንምሃብ ምስ እንበቅዕ ኵሉ ክልወጥ እዩ ምስ በሉ ብመልክኣ ምድራዊ ማዕቅፍ እቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝካየደሉ ከባቢ ከቢድ ጸገም ዝረአየሉ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ዓመጽ ዝውውር እጸ ፋርስን ዝኣመሰሉን ስደት መንእሰያትን እውን እዚ ዅሉ ማሕብራውን ኤኮኖሚያውን ሰብኣውን ቅልውላው ዝርኣየሉ እዩ፡ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፈጥርዎ እውን ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ኩነት’ዚ ድምጺ ቤተ ክርስቲያንን ቃል ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓቢይ ናይ ሕልና ድምጺ እዩ፡ ስለዚህ ዝበለጸ ዓለም ብሓባር ንምሕናጽ መገዲ ይመርሕ። ወንጌል ብቓልን ሕይወት ምምስካር ዓቢይ መልሲ እዩ፡ ኵሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ከቕርቦ ዝግብኦ ምስክርነት እዩ፡ ከከም ጸዋዕታኡ! እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ ወጣኒ ሰብኣዊ ክብሪ ዝዓሰሎ ዓለም
22 January 2019, 17:22