ድለ

ጂሶቲ፡ ቅድስቲ መንበርን ብፁዓን ጳጳሳት ቨነዝዌላ ብሓባር ንደገፍ ሕዝቢ ጂሶቲ፡ ቅድስቲ መንበርን ብፁዓን ጳጳሳት ቨነዝዌላ ብሓባር ንደገፍ ሕዝቢ 

ጂሶቲ፡ ቅድስቲ መንበርን ብፁዓን ጳጳሳት ቨነዝዌላ ብሓባር ንደገፍ ሕዝቢ

ምስ ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት ብሓባር ኣብ ማሕብራውን ሰብኣውን መዳይ ዓቢይ ኣገልግሎት ተቕርብ

ዕለት 10 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይ ቨነዘዌላ ርእሰ ብሔር ኒኮላስ ማዱሮ ንካልኣይ ጊዜ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ንኽዀኑ ቃለ መሓላ ከምዝፍፈጸሙ ክዝከር እንከሎ፡ ርእሰ ብሔር ማዱሮ ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸምሉ ስነ ስርዓት ካብ ዝተረኽቡ ዕዱማት ናይ ወጻኢ መንግስታት ልኡካን ውሽጢ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ተረኺቦም ከምዝነበሩ ክግለጽ እንከሎ ብዛዕባ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ርእሰ ብሔር ቨነዝዋላ ምርኻብ ዝምልከት ሕቶ ዝቐረበሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ኣምሕተምን ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቱ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ምስ መግንስቲ ቨነዘዋላ ዘለዋ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ከምዘይተቋርጽ ኣረጋጊጾም፡ ናይ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ንጥፈት ዕላማ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምንቕቓሕን ምርግጋጽን ሰላም ምዕቃብን ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበርን ዝብል እዩ፡ ካብዚ ወጻኢ ዝኸይድ ኣይኰነን፡ ስለዚህ ኣብቲ ርእሰ ብሔር ማዱሮ ናይታ ሃገር ንኻልኣይ ግዜ ርእሰ ብሔር ንኽዀኑ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቃለ መሓላ ስነ ስርዓት ቅድስቲ መንበር በቲ ኣብ ካራካስ ኣብ ዝርከብ ናይ ልኡከ መንግስቲ ቤት ጽሕፈታ ናይ ውሽጣዊ ጉዳይ ጊዚያዊ በዓል መዚ ብዝዀነ ኣካል ተሳቲፋ እያ፡ ምስ ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት ብሓባር ኣብ ማሕብራውን ሰብኣውን መዳይ ዓቢይ ኣገልግሎት ተቕርብ ኣላ፡ ብፍላይ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣውን ማሕበራውን ቅልውላው ንምብዳህ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቨነዝወላ ብምትሕብባር ዓቢይ ኣተዋጽኦ ተበርክት ከምዘላ ገሊጾም።

ጂሶቲ፡ ቅድስቲ መንበርን ብፁዓን ጳጳሳት ቨነዝዌላ ብሓባር ንደገፍ ሕዝቢ
15 January 2019, 17:38