ድለ

ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓድሽ ግዚያዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓድሽ ግዚያዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ 

ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓድሽ ግዚያዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ

ኣብ ሓድሽ ግዚያዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ዘለዎም እምነት

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከን ምኽትሎም ፓሎማ ግራሲያስ ኦቨኸሮ ሓላፍነቶም ንኽለቁ ዘለዎም ድላይ ንቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ዘቕረብዎ ሕቶ ቅዱስነቶም እወታዊ መልሲ ብምሃብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ መራኸቢያን ጉዳይ ኣወሃሃዲ ኰይኖም ንዘገልግሉ ዘለዉ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ግዚያዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝተወልዱን 44 ዓመት ዝዕድመኦም ብስነ ምርምር ፖሊቲካ ሮማ ካብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ላ ሳፔንዛ ኣብ 1999 ዓ.ም. ዝተመረቑን ጋዜጠይናን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ጨንፈር ኢጣሊያ ኣብ ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ርክባት ቤት ጽሕፈት ዘገልገሉን ካብ 2000 ዓ.ም. ንነጀው ብራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝጽዋዕ ዝነበረ መደብር ራዲዮ ቫቲካን ከም ኣሰናዳኢ ርእሰ ዓንቀጽ ንመደብ ፈነወ ራዲዮ ቫቲካን ክፍሊ ቋንቋ ኢጣሊያ ኰይኖም ከምዘገልገሉ ይንገር።

ካብ 2011 ዓ.ም. ክሳብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ምኽትል ጠቕላሊ ዋና ሓላፊ ኣሰናዳኢ ርእሰ ዓንቀጽ ኰይኖም ድሕሪ ምግልጋል፡ ካብ 2017 ዓ.ም. ኣብቲ ዝቖመ ንመላእ ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ብሓደ ዝጥርንፍ መደብ ሕዳሴ ር.ሊ.ጳ. መሰረት ዝቖመ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ መራኸቢያን ጉዳይ ኣወሃሃዲ ኰይኖም ተመዲቦም ዘገልገሉን፡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢየሱስውያን ተቕዋምን ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ጋዜጣን ጋዜጠይናነትን ህልዩን ጥበብን መምህርን፥ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ዛዕባ መራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠይናነትን ዝደረሱን ብፍላይ ኣብ 2016 ዓ.ም. ካብ ቕዱስ ኣቦና ናይ ዝተኣማምንን ግሩምን ተያሚ መሰረተ ትእዛዝ ብዝብል ኣርእስቲ ዝስደረስዋን ብብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ታግለ ዝተደርሰ ኣስተዋጽኦ ዝተነብራ መጽሓፎም ናይ ቀረባ ተዘክሮ እያ።

መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሩፊኒ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ሓልዮ ላለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ካብ ዝተሰምዩ ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ እውን  ብወገኖም ይብሉ ፡ ቁሩብ ኣዋርሕ ምስ ግረግ ቡርከን ፓሎማ ግራሲያ ኦቨኸሮን ብቕረባ ክሰርሕ ዕድል ረኺበን ዘለዎም እምነት ሰብኣውነትን ናይ ኣገልግሎት መንፈስን ከምዘደነቖም እውን ሓቢሮም ስለ እቲ ደኺመ ከይብሉ ንቕዱስ ኣቦናን ቅድስቲ መንበር ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ስለ ዘበርከትዎ ኣገልግሎት አመስግን፡ ብነጻነቶም ካብ ሓላፍነቶም ንኽሰናበቱ ንቕዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ሕቶ ቅዱስነቶም ኣጽዲቖም ድሕሪ ዘነቓቕሕዎ ህዳሴ ኣባይቲ ጽሕፈት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘገልገሉ እውን ምዃኖም ዘኪሮም፡ ኣብ ሓድሽ ግዚያዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ዘለዎም እምነት እውን ገሊጾም፡ ቅዱስ ኣቦና ክሳብ ቀዋሚ ሓላፊ ዝሓርዩ ዘገልግሉ ግዚያዊ ናይ ቅድስት መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ምዃኖ ሓቢሮምን ሰናይ ናይ ስራሕን ኣገልግሎት እዋን ተመንዮምሎም።

መግለጺ ኣለሳድሮ ጂሶቲ

ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ቅዱስ ኣቦና ንስዘመይዎም ሓድሽ ሓላፍነት ጠቒሶም፡ እዚ ስሜት ቅዱስነቶም ኣብ ልዕሌኦም ዘለዎም እምነት ዝገልጽ ብምዃኑ ስለ እማኔኦም ኣመስጊኖም፡ እቲ ስራሕ ከቢድን ጥንቃቔን ዝሓትት እዩ፡ ብጸሎትን ብኹሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣባላትን ብፍላይ ከኣ ብነበር ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ቡርከን ምኽትሎም ፓሎማ ግራሲያ ኦቨኸሮን ተሓጊዞም ነቲ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ከሳልጡ ተስፈይና ምዃኖ ዕለት 2 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ ንቅዱስ ኣቦናን ቤተ ክርስቲያንን ንምግልጋል ስንድው ምዃኖም ገሊጾም፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣብ ድጋፍን ቅርበት ህይነተ ሩፊኒ ዘለዎም እማኔ ምስ ሓበሩ፡ ን 20 ዓመታት ዝኣክል ካብ ነበር ቫቲካን ራዲዮ ዋና ኣመሓዳርን ነበር ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ  ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዝቐሰምዎ ተመክሮ እውን ዓቢይ ድጋፍ ከምዝዀኖም ኣፍሊጦም።

 

 

03 January 2019, 16:58