ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ታይላንድ ምስ ናይ እስያ ጳጳሳዊ ኣቢያተ ምኽሪ
ካብ ዕለት 15 ጥሪ ክሳብ ዕለት 18 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ታይላንድ ርእሰ ከተማ ባንኮክ ናይ መላእ ሃገራት እስያ ናይ ብፁዓን ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገት ኣበ መናብርት ጉባኤ ክካይድ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ላዕለዎት ልኡካን ክሳተፉ ምዃኖም እዚ ቅዱስ ማሕበር ካብ ዘውጽኦ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 23 ለካቲት 1967 ዓ.ም. ብዘመሓለፍዎ ውሳኔ መሰረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገት ከምዝቖመ ዘዘኻኸረ መግለጺ ናይ ዓንቀጸ እምነተ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣስዒቡ፡ እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስን ከምኡ እውን ነፍሲ ወከፍ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛዕባ እምነትን ግብረ ገብን ዝምልከቱ ጉዳያት ክውከስን ዝነበሩን ዘለዉን ክህልዉ ዝኽእሉን ሕቶታት ብእምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወሃቦ ናይ ዓንቀጸ እምነት ምብርህታትን መልስታትን ኣብ ምርካብ ንምድጋፍ ተባሂሉ ዝቖመ ምዃኑ ይሕብር።
ናይ ምትሕብባር ታሪኽ
ኣብ 1982 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ነፍሲ ወከፍ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝርከብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገትን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ምትሕብባርን ርክብ ንምሕያል ኣብቲ እዋን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ራትዚንገር ደሓር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ቅዱነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፥ እቲ ርክብ ብኽፍለ ዓለማውነት ደረጃ ቀጻልነት ክህልዎን ኣብ በብእዋን ዝካየድ ክኸውን ከምዝገበሩ ክዝከር እንከሎ፡ በዚ መገዲ’ዚ ኣብ ስነ ዓንቀጸ እምነት ጉዳይ ነፍሲ ወከፍ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘለዎ ሓላፍነትን ተሳታፍነትን፡ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ከባብዊትን፥ ከምኡ እውን ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘተኣሳስርን፡ ኣብ ከባብያዊት ቤተ ክስቲያን ህልወት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንምምስካ ዝኣመተ እዩ።
ካብ ቦጐታ ናብ ባንግኮክ
ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ እምነት ዓንቀጽ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣብ 1984 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ እምነተ ሓልዮ ድርገት ኣበ መናብርት ኣብ ኮሎምቢያ ርእሰ ከተማ ቦጐታን፡ ኣብ 1987 ኣብ ኪንሻሳ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገታት ኣበ መናብርት ቤት ምኽርን ኣብ 1989 ኣብ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳ ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ናይ ዓቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገታት ኣበ መናብርት ጉባኤን፡ ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ሆንግ ኰንግ ናይ መላእ ሃገራት እስያ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ እምነተ ሓልዮ ድርገታት ኣበ መናብርት ጉባኤ፡ ኣብ 1996 ዓ.ም. ኣብ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገታት ኣበ መናብርት ጉባኤን ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ዳር ኤስ ሳላም ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገታት ኣበ መናብርት ጉባኤን ከምኡ እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ኢስተርጎም ኣብቲ ኣብ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገታት ኣበ መናብርት ጉባኤ ዝተካየዱ ዓውደ ጉባኤታት ከእተሳተፍ ናይቲ ርክብ ናይ ታሪኽ ማህደር የዘኻኽር።
ኣብ ጐድኒ ናይ ከባቢ ብፁዓ ጳጳሳት
እቲ ኣብ ባንኮክ ምስ ናይ መላእ ሃራት እስያ ብፁዓ ጳጳሳ ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገታት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሱታፌ ንናይ እስያ ብፁዓን ጳጳሳት ድጋፉ ንምቕራብን ኣብ ምንቕቓሕን ምክልኻልን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ እምነት ኣብ ዘካይዶ ጻዕሪ ነቲ ናይ ክፍለ ዓለም እስያ ብድሆታት ግምት ብምሃብ ንምድጋፍ ዝኣመተ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ እስያ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳርያን ተወሳኺ ዋና ጻሓፊ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኣውጉስቲን ዲ ኖያን ዝሳተፉ ምዃኖም ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ የመላኽት።