ድለ

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ዘተ ኣብ መንጐ ጓሶት ንጭቡጥ ሸቶ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ዘተ ኣብ መንጐ ጓሶት ንጭቡጥ ሸቶ 

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ዘተ ኣብ መንጐ ጓሶት ንጭቡጥ ሸቶ

እቲ ብዛዕባ ምክልኻል ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልካል ብቕዓት ዓቕምን ዘይብሎም በጽሒ ወለዶን ንኽዝትይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ሃገራት ዓለም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዘሳትፍ ዓውደ ጉባኤ

እቲ ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንኽመክር ብቕዱስ ኣቦና ዝተጸውዔ ናይ መላእ ሃገራት ዓለም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ብዛዕባ ምክልኻል ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልካል ብቕዓት ዓቕምን ዘይብሎም በጽሒ ወለዶን ንኽዝትይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ሃገራት ዓለም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዘሳትፍ ዓውደ ጉባኤ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሃን ልክዕ ከምቲ ኣብ መንጐ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያንን ሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ ጉባኤ ካርዲናላት ዝመሳሰል ዓይነት ትጽቢት ዘንበራሉ ዝመስል ምዃኑ ድሮ ይረአይ ኣሎ። እዚ ትጽቢት’ዚ ናይቲ ኣብ መንጐ ጓሶትን ኣብ መንጐ ናይ መላእ ሃገራት ዓለም ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ጉባኤ ብሓባር ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ ዘተ ዘለዎ ቤተ ክርስቲያናዊ ወይ መክብባዊ ትርጉም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከየንብሮ ዝብል ስግኣት ዘሎ ኰይኑ፡ ቅድም ቀዳድም ኣብቲ ርክብ ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ኣስተንትኖን ዘተን መለለይኣ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ፡ እዚ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ንፈለማ ጊዜ ነቲ ዓቢይ መዓታዊ ስቓይ ዝተራእየን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ዘስዓቦ ስቓይን ንዘመሓላለፎ ጸረ ወንጌላዊ ምስክርነትን ኣማእኪሉ ብምዝታይ፡ እዚ ቅልውላው ዘለዎ ከበድ ብትኽክል ክስትውዓል ዝሕግዝ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽን እቶም ኣደዳ ዝዀነ ዘጓነፎ ናይ ስቓይ ተመክሮን፡ ብዛዕባ ዓመጽ ዝምልከት ዝቐርብ ክሲ ዝምልከት ከይድን ምርመራን፡ ንሕጽናትን መንእሰያትን ብመንጽር ኤወሮጳዊ ወይ ከኣ ሰሜን ኣመሪካዊ ዘይኰነ ሓፈሻዊ ደሕንነቱ ዝሕልው ከባቢ ዝውሕስ ፈልዩ ንምሕባርን ዝኣመተ እዩ።

ምእንቲ’ዚ ናይቲ ዝተጸውዐ ዓውደ ጉባኤ ሸቶ ጭቡጥ እዩ፡ እቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፍ ነፍሲ ወከፍ ተጋብኢ ንሃገሩ ምስ ተመልሰ ዝስዕቦ ኣሰራርሓን ክፍጽሞ ዝግብኦ ተግባርን ዘነጽር ዝብል ኰይኑ ንምኽባር ሓቅን እቶም ኣብዚ ጉዳይ ስቱፍ ንዝዀነ ሰብን ዘመሓላልፎ ስጉምቲ ብምልላይ ከምዚ ዓይነት ዓመጽ ፈጺሙ ከይክወልን ወይ ከይሕባእን ቀድሚምካ ንምክልኻል ዝድግፍ እዩ፡ ዝዀነ ኰይኑ እቲ ኣብ መንጐ ጳጳሳት ዝካየድ ዘተን ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ሕጊ ዘነጽር ድዩ ወይ ከኣ ዝቐርቡን ዝወሃቡን ርእይቶታት ምጽባይ የድሊ። እዚ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ፡ ባዶ ዓመት ወይ ናይ ፈለማ ተበገሶ ኣይኰነን፡ ድሮ ቅድሚ 16 ዓመታት ኣቢሉ እውን ብዙሕ ፍጻሜታት ተረጋጊጹ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘርኣይዎ ጽቡቕ ድላይን ዘጽደቕዎም ሕግታትን ነቶም ተሓተቲ ዝሃብዎ ውሳኔታትን የረጋግጾ።

ሕግን ስርዓትን ንኸተግብሩ ዝተጸውዑ ብዝተለወጠ ኣተሓሳስባን ልብን እንተድኣ ዘየፈጸምዎ ሕግታትን ዓንቀጻትን ናይ ሕግን ፍትሕን ከይድታትን ዋላ’ኳ ብርቱዕን በሊሕን ርግጸይናን እውን ይኹን ንበይኑ እኹል ኣይኰነን፡ ምእንቲ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምልዋጥን ሕዳሴን መገዲ ይሕብሩ። ልክዕ ከምቲ ቅድስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ተኸታሊኦምን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብዝ ዘካየዱለን ዝተፈላለያ ሃገራት ምስቶም ኣደዳ ዝዀኑ ተራኺቦም ናይ ስቓዮም ተኻፈልቲ ምዃኖም ዝገልጽ ዝፈጸመዎ ጽን ናይ ምባል ተግባር፡ እቶም ተጋባእያን እቶም ኣደዳ ዝዀነ ዝህብዎ ምስክርነት ጽን ክብሉ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዕለት 21 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቢ ዓመቱ ናይ ቅዱስ በዓለ ልደት ሰናይ ምንዮት ንምልውዋጥ ናይቲ ብኩሪያ ሮማና ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ኣባይቲ ምሕደራ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካልኦት ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበርን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ እውን ይፈጸም እቲ ኣደዳ ዓመጽ ዝዀነ ሓደ ሰብ ጥራሕ ብምዃኑ ናይቲ ዓመጽ ጭካኔ ኣየነክዮን ቢሎም፡ ኣስዒቦም እውን እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ እቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ዳግም ንኸይክሰት ዝድግፍን ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕብረተሰብን ንዝፍጸም ጌጋ ካብ ሱሩ ንምጥፋእ ዝድግፍ ኣጋጣሚ ክኸውን ዝዝትይ እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም ቶሪኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የጠቓልሉ።

(Andrea Tornielli)

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ዘተ ኣብ መንጐ ጓሶት ንጭቡጥ ሸቶ
11 January 2019, 16:57