ድለ

2017-12-22 ካልአይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት 2017-12-22 ካልአይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት  

ብዛዕባ ቅድስት ሥላሴ ምስትንታን ንዘይምቅዳው ንምሽናፍ ይሕግዝ! ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ

ንበዓለ ልደት መሰናደዊ ምእንቲ ክኸውን ንር.ሊ.ጳጳሳትን መሳርሕቶምን ነርባዕተ ተኸታታሊ ዓርቢ ዘመነ ምጽኣት ብሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ዝቐርብ ስብከት ሎሚ ናይ ካልኣይ ሶሙን ዘመነ ምጽኣት ኣብ ሓዋርያዊ አደራሽ መንበረ ጴጥሮስ ዝርከብ ቤተጸሎት እመ ኣምላክ ብዛዕባ ቅድስት ሥላሴ ሰፊሕ ስብከት እኳ ደኣ ሙዚቃን ስእልታትን እናጠቀሱ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ነቲ ዓሚቚ ሓድነትን ውህደትን ቅድሥት ሥላሴ ብምሳሌ ንከረድኡ `ቅድስት ሥላሴ ከም ሓደ ሥሉስ ኲርናዕ ናይ ዜማ ኮይኑ ካብ ኩሉ ኵርናዓት ክትሰምዖ እትክእልን መትንታት ልብኻ ዘንቀሳቅስ ሓደ ዓይነት ድምጺ ዝህብ ኣዩ። እዚ ልቢ ዝቅስቅስ ብሠለስተ ኵርናዕ ዝዝየም መዝሙር ቅድስት ሥላሴ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስን ነንሕድሕዶም ክብሪ ዝወሃሃቡሉ ውህደትን ሓድነትን እዩ።’ ኣንክብሉ ውህደት ቅድስት ሥላሴ ምስ ኣዘኻኸሩ ኣብ ምሉእ ዓለምና ‘ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር ዝብል’ ሕጊ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ኣሎ እዚኣ ከኣ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብተግባር ምሉእ ብምሉእ ዝግለጸሉ ሕይወት እዩ። ቦታ ቅድስት ሥላሴ ከኣ ኣብዚ እዩ’ ኢሎም።

ኢቆና ሩቭብለቭ!

ኣብ ብዙሕ ኣብያተ ክርስትያናት እንርእዮ ኢቆና ቅድስት ሥላሴ ሓንቲ ሩቭብለቭ ብ1425 ንቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ ሃገሩ ዝሰኣላ ኮይና ቅዳሕ ናይ’ዛ ኢቆና ኣብ’ቲ ሎሚ ንግሆ ስብከት ዝግበረሉ ዝነበረ ቤተጸሎት እመኣምላክ ይርከብ። ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ነዛ ስእሊ እዚ’ኣ ብምዝካርን ኣብ’ኣ ዝርከብ ምልክታት በብሓደ ብምዝርዛርን በቲ ቀንዲ ናይ ቅድስት ሥላሴ ተምሳሌት ዝኾኑ ሰለስተ ሰብኡት ይጅምሩ። ኣብ’ታ ስእሊ ዝርከቡ ሠለስተ ስብኡት በበይኖም ኣካላት እኳ እንተመሰሉ ብብዙሕ መንገዲ ግን ይመሳሰሉ። ንሓደነቶም ንምግላጽ ከኣ እቲ ሰኣሊ ኣብ ውሽጢ ክቢ የእትውዎም። እቲ ስእሊ ሓደ ኢኹም ከምቲ ንሕና ምሳኹም ሓደ ዝኾና ንስኹም እውን ሓደ ኩኑ ዝብል ድምጺ የጋውሕ ኢሎም።  

ሠለስትነትን ሓድነትን!

ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ እዩ! ብዘይ ምንም ምድብላቅ እቶም ሠለስተ ኣካላት ሓደ እዮም። ነፍሲወከፍ ኣካል ምስቲ ካልእ ኣካል ሓደ እዩ ነቲ ካልእ ይውፈ እሞ ከምዝህሉ ይገብሮ። ኩሎም ሓድነት ሃረር ይብሉ ነዚ ሓድነት እዚ ካብ መዓሙቚ ልብና ንደልዮ። ኮይኑ ግን ንብዙሓት ሓደነት ንምፍጣር ይኸብደና። ስለምንታይ እዩ እንተበልና ሽሕ’ኳ ኩልና ሓድነት ንደሊ እንተኾና እቲ ጸገም ነዚ ሓድነት እዚ በቲ ንሕና እንደልዮን እንርድኦን መንገዲ ስለዝኾነ ክንዲ ንሕና ምሳኦም ክንወሃሃድ እንጽዕር ንሶም ምስቲ ናትና መደብን ሓሳብን ሓደ ክኾኑ ስለእንደሊ እዩ። በዚ ከኣ ናብ ሓቀኛ ሓድነት ክብጻሕ ኣይከኣልን። እኳ ደኣ ፋሕፋሕ እዩ ዝኸውን፣ ‘ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሕያው እግዚአብሔር ከስ ሕያው ዝኾነት ቅድስት ሥላሴ እምበር ካልእ ኣይኮነን ስለዚ ቀንዲ ቃልስና ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ዘይምስምማዕ ክነውግዶ ክንጽዕር ኣሎና።’ ኣሎና ኢሎም።

ንዘይምስምማዕ ክነሸንፎ ኣሎና!

ቅድስት ሥላሴ ሕያውን ነባርን እዩ ዝበሉ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ እዚ ከኣ ፍጹም መግለጺ ፍቅሪ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

‘ነፍሲ ወከፍ መለኮታዊ ኣካል ነቲ ካልእ ከም ገዛእ ነፍሱ የፍቅር። ንምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ምስትንታንከስ ነቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ሕንፍሽፍሽን ፍልልይን ንክንሥዕር ይሕግዘና። ምናልባ በእምሮና ክንፈላለ ንኽእል እዚ ማለት ከኣ ነፍሲ ወከፍ ነተን ኣብ ቤተክርስትያን ዝዝተየሎም ናይ ዓምዲ እምነትን መንፈሳዊ ጒስነትን ሕቶታት ቤተክርስትያን ናቱ ርእይቶ ክህልዎ ይኽእል ኰይኑ ግን ልብና ብምንም ተኣምር ክመቃቀል የብሉን። ከምቲ ኣበው ዝብልዎ ኣብ ምጥርጣር ኩሉ ነጻ እዩ ኣብ ፍቅሪ ግን ኣብ ኩሉ ፍቅሪ ክህሉ ኣለዎ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ቅድስት ሥላሴ ዘሎ ሓድነት ይገልጽ። ቅድስት ሥላሴ ኣብ ፍልልይ ዘሎ ሓድነት እዮም። ስለዚ ኣብ’ዚ ባሕሪ’ዚ ክንኣቱ ኣሎና` ኢሎም።  

ኣብ ባሕሪ ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ምስጣም!

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ኣብ እነስተንትነሉ ግዜ እቲ ዝዓበየ ክንገብሮ እንኽእል ብዛዕባኦም ወትሩ ክነስተንትንን ክንመስሎምን ብካልእ ኣዘራርባ ኣብ ውሽጦም ክንኣቱን እዩ። ክርስቶስ ነዚ ንምግባር ሓደ መጋበሪ ገዲፉልና እዚ ከኣ ቅዱስ ቊርባን እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ኣነ ኣብኦም ንስኻ ኣባይ እናበለ ነቲ ፍጹም ውህደት ኣብ መንጎ እግዚአብሔር ኣቦን ክርስቶስን ተከተልቱን ዘሎ ውህደት ዝገልጽ ቅዱስ ቊርባን ኣብ መኣዲ ቅድስት ሥላሴ ከም እንሳተፍ ይገብረና` እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
14 December 2018, 18:59