ድለ

2018.12.07 .ስብከት ዘመነ ምጽኣት 2018.12.07 .ስብከት ዘመነ ምጽኣት 

እግዚአብሔር ኣብ ማእከልና ኣሎ! ካልእ መናፍስቲ ሃሰስ ኣይንበል! ኣባ ካንታላመሳ

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ንምስንዳው ዓበይቲ በዓላት ምናዳ ኸኣ በዓላት ልደትን ፋሲካን ኣብ ሓዋርያዊ ኣደራሽ ዝርከብ ቤተጸሎት እመመድኀኔ ዓለም ንልደት መቀራረቢ ቀዳማይ ስብከት ሎሚ ንግሆ ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣባ ካንታላመሳ ንመጀመሪ ስብከቶም ዝጠቅስዎ ቃል ኣምላኽ ካብ መዝሙረ ዳዊት ዝተወስደ ኮይኑ ‘ነፍሰይ ጽምኣት ናይቲ ሕያው ዝኾነ ኣምላኸይ ኣለዋ’ (42.2) ዝብል ነበረ።

ነቲ ስብከት ዝተኸታተሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ዝተሓጋገዝዎም ብኩርያ ሮማና ዝፍለጡ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ስለዝነበሩ እቲ ናይ ኣገልግሎት ሥራሕ ካብቲ ምስ ክርስቶስ ክህልዎም ዘለዎም ጥቡቅ ርክብ ከየዘምብሎም ክምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም፣

‘ክዕመም ብዘለዎ ብዙሕ ዕዮ ገዛን ፍታሕ ዘድልዮም ጸገማታን ክትጋደሎም ዘሎካ ብደሆታትን ብዙሕ ግዜ ነቲ ቀንዲ ጉዳይና ዝኾነ ምስ እግዚአብሔር ክህልወና ዘለዎ ግላዊ ርክብ ከም እንዝንግዖ ወይውን ይጽናሓለይ ኢልና ድሕሪት ክንጐቶ ይከኣል። እዚ ከኣ እቲ ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ሃዋሁ ዝፈጥሮ ተጽዕኖ እዩ። ኮይኑ ንኩሉ ኩነታትን ጸገማትን ሰላምካን ትዕግሥትኻን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየውረድካ ክትፍጽም ይከኣል እዩ። ምናዳ ኣብዚ ንልደት ንሰናደወሉ ዘሎና ግዜ ነቲ ከም ልማድ ንግሆ ምስ ተንሳእካ ገጽካ ክትሕጸብን ነቲ ዕለት ክትጅምርን ግድን ዝኾነ ቅድሚ ዕለታዊ ሥራሕካ ምጅማር ብመንፈስ እምነት ገጽካ ምሕጻብ እውን ብግዲ የድሊ እዩ’ ቢሎም።  ነዚ ንምግባር ነቲ ወትሩ ኣብ ማእከልና ዘሎ እግዚአብሔር ኣብ ካልእ ካብ ዓለምና ወጻኢ ዝኾኑ ፍጥረታት ኣይንድለዮ። ኣብ ውሽጥና ምሳና ኣሎ እንክብሉ ምሥጢር በዓለ ልደት እቲ ኣማኑኤል ዝብል እግዚአብሔር ምሳና ምዃና ዝገልጽ ሰፊሕ መባእታ ኣቅሪቦም።

ንእግዚአብሔር ካብ ዓለምና ወጻኢ ኣብ ዝኾኑ ፍጥረታት ኣይንድለዮ!

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ንሰማዕቱ ብቀዳምነት ክገብርዎ ዝሓተቶም ንኩሉ እቲ መድብ ኣገልግሎቶም ዘቅርበሎም ጸገማትን ኩነታትን ንግዜኡ ከወግንዎ እሞ ናይቲ ወትሩ ኣብ ማእከልና ዝነብር ሕያው እግዚአብሔር ምልክታት ጽን ንምባልን ንምርኣይን ከተኩሩ ይዕድሙ፣ ኣብ ናይ ዘመንና ሰባትን ኩነታቶምን ምልስ ኢሎም ከኣ ‘ናይ ዘመንና ሰባት ብዓቢ ሃንቀውታ ዝገብርዎ ዘለዎ ሓደ ሃሰሳ ኣብ ካልኦት ፕላኔታት ካልኦት ሕይወት ዘለዎምን ለባውያንን ፍጡራት ይህልውዶ ይኾኑ ዝብል እዩ፣ ከም መጽናዕቲ ምንም ጸገም የብሉን፣ ሽሕ’ኳ ብዙሕ ዘጠራጥር እንተኾነ። እቲ ዘገርም ግን ነቲ ንሶም ዘጽንዕዎ ዘለዎ ጠፈርን ኣብኡ ዘሎን ንዝፈጠረ ሃሰስ ዝብሉ ግን ብጣዕሚ ውሑዳት እዮም። እዚ ፈጣሪ እዚ ግን ኣብ ዓለምና ኣትዩ ኣብ ታሪኹ ብምስታፍ ኣብ ውሽጡ ይነብር። ነቲ ሕያውሲ ኣብ ማእከልና ሒዝናዮ ኣሎና፣ ነዚ ገዲፍና ካልኦት ክጠቅሙናድዮም ክጐድኡና ኣለውዶ የለውን ምንም ዓይነት ርግጽነት ኣብ ዘይብልና ክንረክብ ንቃለስ፣ እንተረኸብናውን ካብ ሞት ከድሕነና ዝኽእል እንትርፊ ጐይታ ካልእ ክንረክብ ዘበት እዩ።’ እንክብሉ ከምቲ ምስላ ሃገርና ዝብሎ ተመጣጢራ ነቲ ዘይተርክቦ ክተውርድ ክትብል ሓቚፋ ሒዛቶ ንዝነበረት ተጥፍእ ዚዓይነቱ እዩ እቲ ኩነት። ከመይ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ሕያው እግዚአብሔር ከይሓስብና ካልእ ነገራት ሃሰው ምባል ጸገም እዩ። ከምቲ ጐይታ ኣብዚ እባ ኣብቲ እባ ከይበልኩም ዝግ ኢልኩም ብትዕግሥቲ ተጸበዪ ዝበሎ ወበትዕግሥትክሙ ታጠርይዋ ለነፍስክሙ ወዘኣዝለፈ ትዕግሥቶ ውእቱ ይድኅን ዝበሎ ማለት እቲ ክሳብ መጨረሻ ዝተዓገሠ እይ ዝድሕን ዝብሎ ብትዕግሥቲ ወናኒ ኩሉ ትኸውን።

ብትዕግሥቲ ወናኒ ኩሉ ትኸውን።

ወልደ እግዚአብሔር ክንዮ ዝኾነ ግዜን ጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣን ክንዮ እቲ እንሓቶ ቀንጠመንጥን ገዛእ ርእሱ ስለና ከወፊ ቃል ኣትዩልና ገርዎ እውን። እዛ ኪዳን እዚኣ ካብ ዘለዓለም ሓልይዋ እዩ። ዝደልዮ ከምዝረኽቦ ንዝኳሕኰሔ ባዕሉ ማዕጾኡ ከፊቱ ንዘለዓለም ምሳኡ ከምዘንብሮ ስለዘረጋገጸ እቲ ዘሻቅለና ጉዳያት ኩሉ ካልኣይ ደረጃ ይሕዝ። ወግሔ ጸብሐ ኣብ ዙርያ እምነትና እንገብሮ ገዓርከስ በቲ ኣብ ርእስና ወቂጥናዮ ዘሎና ሕሳብ ይውሰን። እንተደኣ ናብቲ ኣእዳው ዘርጊሑ ዝጽበየና ዘሎ ሰማያዊ ኣቦና ገጽና ተጓዒዝናን እዚ ከኣ ዘይጭበጥ ሥነ ሓሳብ ዘይኮነስ ክውን ሓቂ ምዃኑ ብኡ ንብኡ ንግንዘቦ። ብዛዕባ እግዚአብሔር ዘሎና ሓሳብን ኣመለኻኽታን ሓቀኛ ኩነት እግዚአብሔርን ዘል ፍልልይከስ ከምቲ ኣብ መንጎ ሓቀኛ ሰማይን ተሳኢሉ ኣብ ወረቀት ኣብ ቅድሜና ዘሎ ስእልን እዩ። ስለዚ ሓሳብናን እምነትናን ነስተኻክል፣ ከምቲ ዘማራይ ዝብሎ ሀሰስኩ ገጸከ ወገጸ እዚአከ ኣኀሥሥ ኦ ጐይታ ገጽካ እደሊ ኣሎኹ ኢልና ድልየትና ንሱ  ይኹን’ ኢሎም።

ገጽ ሕያው እግዚአብሔር ምድላይ!

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ስብከቶም ብኣብነታትን ምሳሌታትን እንከማዕርጉ ኣብ ሕይወት ብዙሓት ሰባት እግዚአብሔር ኣንክግለጽ ገለ ጦብላሕታ ከምዘሕድረሎምን ካብኡ ብምብጋስ ከኣ ምሉእ ብርሃን ከምዝልግሰሎምን ብምግላጽ ዝወቀበ ነበረ። ከም ኣብነት ከኣ ብዙሓት ካብቲ ዝነበርዎ መንገዲ ጥፍኣት ንክምለሱ እግዚኣብሔር ባህናደበታዊ መንገዲ ከምዝግለጸሎም እቲ ዘገርም ከኣ ካብዚ ሃንደባታዊ ግልጸት እዚ ንደሓር ሕይወቶም ፈጺሙ ከምዝቅየርን ክሳብ ደረጃ ቅድስና ከምዝበጽሑን ጠቂሶም። ሓደ ኣብነት ናይዚኦም ብዕለት 2 ለካቲት 1995 ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣንድረ ፍሮሳር ናይ እምነት ዓይንቱ ብሃንደበት ከምዝተኸፍታን ብዛዕባ እግዚአብሔር ንክሓስብ ዕድል ዝረኸበ ነዚ ዕድል ክንዮ ማንም ኣፍልጦ ዝግበር ዝላ ኢሉ ከም ዝገለጾን ጠቂሶም።  በዚ ከኣ ክንዮ ድሩት ዓቅምናን ኣተሓሳብናን ናይ እግዚኣሔር ነገር ኣብ ምሳሌ ከውሒ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ ክንዮኡ ዝሰጋገር ምዃኑ ንክንክንዘብ ኣተሓሳሲቦም።

ከውሒ ክንብል ከሎና ትሕዝቶ ዘይብሉ ብሂል ዘይኮነስ እግዚአብሔር ጥራይ ናይ መሠረት ከውሒ ክኸውን ከይተጸበና ንሕና እውን ከውሒ ክንከውን ከምዘሎና እዩ ዘዘኻኽር። ከውሒ ክስገር ዘለዎ ጽኑዕ መሠረት ኮይኑ ጸግዒ ክኾነካ እትደልዮ እምበር ሓደ ርሑቅ ዝስትንተን ነገር ከምዘይኮነ! ናባኡ ዝስሕበካን ዝማርኸካን እዩ። ስለዚኸስ ከምቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ንኩሉ ተዕዚቡ ንዓይሲ እግዚአብሔር ኣሎኒ እዚ ከኣ እኹል እዩ ዝበሎ እዩ ነገሩ ንሕና እውን ካባኡ ንመሃር’ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
07 December 2018, 17:10