ድለ

ዘይተሓስብ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ደቡባዊ ክፍለ ከተማ ሮማ

ንበዓለ ልደት ዘእግዚእነ እነቀራረበሉ ዘሎና ዘመነ ምጽኣት ኣብ እግዚኣብሔ ዘሎና ኣመኔታ ነበርትዕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ደቡባዊ ሮማ ኣብ ክፍለ ከተማ ላውረንቲና ኣብ ዝርከብ በይት ሕውነት እተሰምየን ድልድልን ገረብን እተሰምዩ ዘይመንግስታውያን መውሃቢ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ግብረ ሰናይ ማእከል ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቶም ኣብተን ኣባይቲ ሕክምና ዝእለዩ ሕጻናት ህሙማን ምስ ስድራ ቤቶምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን፡ ተራኺቦምን ቃለ ምዕዳን ለጊሶምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና እቲ ማንም ከይሓሰቦን ከይተጸበዮን ኣብቲ መእለይ ህሙማን ሕጻናት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝርከቡ ህሙማን ሕጻናትን ምስ ወለዳቶም ዘእንገድሉ ማእከል ዘካየደዎ ምብጻሕ ብናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ተሰንዮም ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ንብዙሓት ካብ ሮማ ወጻኢ ዝነብሩ ብዘጋጠሞም ከቢድን መድሃኒት ገና ብዘይተረኸበሎም ሕማማት ዝተጠቕዑ ብትሑት መነባብሮ ካብ ዝመሓደሩ ኣባይቲ ስድራ ዝተወልዱ ኣብ ሮማ መጺኦም ኣብ ዘሕጻን ኢየሱስን ናይ ሮማ ናይ መንበረ ጥበብ ስነ ሕይወት ምርምር ሕክምና ዓቢይ ቤት ሕክምና መጺኦም ክንክን ጥዕና ዝረኽቡን ምስ ወለዶም ተኣንጊዶም ኩሉ ምትሕብባር ዝረኽብሉ መእንገድን ቀጻሊ ዘድልዮም ክንክን ጥዕና ኣገልግሎ መውሃቢ ማእከል እውን ምዃኑ ይንገር።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ መውሃቢ ክንክን ጥዕና ማእከል ምስ በጽሑ በቲ ናይቲ ማእከል ሰራሕተይናታን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ህሙማንን ወለዳቶምን ኣቐባብላ ተገይሩሎም፡ ንዅሎም ነቶም ብከቢድ ሕማም ዝተጠቕዑ ሕጻናት ሰላም እናበሉን እናሰዓሙን ኣባታዊ ፍቕሮም ከምዘረጋገጹሎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ካብኡ ተሰናቢቶም ናብቲ ኣብ ላውረንቲና ክፍለ ከተማ ናብ ዝርከብ ድልድልን ገረብን እተሰምየ መእለይ ህሙማን በጺሖም ናይቲ ናይ ስነ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ሕጻናትን ዝሕከምሉ ቤት ኣመሓዳሪ ፓውሎ ስታይቫኖ ብዛዕባ እቲ መእለዪ ህሙማን መግለጺ ምስ ሃቡ፡ ንኹሎም እውን ኣብዚ ንበዓለ ልደት ዘእግዚእነ እነቀራረበሉ ዘሎና ዘመነ ምጽኣት ኣብ እግዚኣብሔ ዘሎና ኣመኔታ ነበርትዕ ቢሎም ብምኽንያት እዚ ኩሉ ናይ ገጸ በረኸት ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ተኻይዱ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ናብ ሃገረ ቫቲካን ከእተመለሱ ኣፍሊጡ።        

08 December 2018, 15:49