ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ታራንቶ ዕዉት ናይ ውህደት ምህዳር ቤተ ሙከራ እያ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ታራንቶ ዕዉት ናይ ውህደት ምህዳር ቤተ ሙከራ እያ 

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ታራንቶ ዕዉት ናይ ውህደት ምህዳር ቤተ ሙከራ እያ

ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘኽብር ዕደ ጥበባውን ስነ ምርምራውን ምዕባለ ዘዕተሮ ተበጽሖታት ንነበር! ብኣካይዳ ዕዮ ኢንዳስትሪታት ዝድግፍ ክኸውንን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊ፥ ቅዱስ ጳውልስ ሻድሻይ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 23 ታሕሳስ 1968 ዓ.ም. ኣብ ታራንቶ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ኣብታ ከተማ ተረኺቦም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐምን ምስ ናይታ ከተማ ሰበኻን ናይ መንግስቲ ኣካላትን በርገሳያን ማሕበራን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ዋላ’ኳ ንኤኮኖሚያዊ ምዕባለ ዝድግፍ ስልጡን ዕደ ጥበባዊ ተበጽሖታትን ይረጋገጽ ናይ ሰራሕተይናታት መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውን ኣለዎ፡ ስለዚህ ሕጹጽ ኣገዳስነት ኤክኖሚ ንናይ ስብኣዊ ምዕባለ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘንብር ክኸውን ከምዘይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 21 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ታራንቶ ምስ ዝርከባ ዓበይቲ ኢንዳስትሪ ሰራሕተይናታትን ኣካየድቲ ስራሕን ናይ ኤኮኖሚ ኣካላትን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረክ ኸውን እንከሎ፡ እቶም ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ዝኣወጀትሎም ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ ከባቢ ምብጻሕ ዘካየድሉ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምስ ስራሕተይናታትን ኣውፈርቲ ሃብትን ኣካየድቲ ስራሕን ዘካየድዎ ርክብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ዝምክስር እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ከይዲ ኤክኖምን ኢንዳስትሪታትን እውን እንተቐየሮ ናይ ሰብኣዊ ዕዮ ብሉጽ ንምግባር እምበር ሰራሕተይናታት ካብ ስራሕ ንምስንባትን ኣክንዲ ናይ ስራሕ ዕድላት ዝፈጥር ምኽንያት ስእነት ስራሕ ክኸውን የብሉን፡ እንተዘይኰነ ሰብ ዘይኰነ መኽሰብ ዘማእከለ ከይዲ ኤኮኖሚ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ፡ ስእነት ስራሕ ምቅላልን ሕዝቢ ዘማሓድር ምዕሩይ ከይዲ ኤኮኖሚ ኣገዳስ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ምህዳራዊ ሕቶ

ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘኽብር ዕደ ጥበባውን ስነ ምርምራውን ምዕባለ ዘዕተሮ ተበጽሖታት ንነበር! ብኣካይዳ ዕዮ ኢንዳስትሪታት ዝድግፍ ክኸውንን፡ ናይ ከባብን ሰብኣዊ ፍጥረትን ጥዕና ውሑስ መታን ክኸውን እቲ ናይ ኢንዳስትሪታት ነበር ኣፈጻጽማ ዕዮን ምህርትን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተበጽሔ ምስ ምኽባርን ክንክንን ፍጥረትን ተፈጥሮን ቅኑይ ዝዀነ ሜላ ዝጥቀም ክኸውን ምግባር ኣገዳሲ እዩ ምስ በሉ፡ ንታራንቶ ናይ ዕዉት ናይ ውህደት ምህዳር ቤተ ሙከራ ምግባር የድሊ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ካተድራል

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ታራንቶ ናይ ሓጻውን ኢንዳስትሪ ኣቸሎር ሚታል ብናይ ታራንቶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፊሊፖ ሳንቶሮ ተሰንዮም ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዓባይ እመ ኣምላክ ካቴድራል መንበር ሊቀ ጳጳሳት ታራንቶ ብናይ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነት ተዓጂቦም መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን፡ ኣብ ዝዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይታ ክፍለ ሃገር ናይ መንግስትን ምሁራትን በርገሳውያን ማሕበራትን ልኡካን እውን ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ብፁዕነቶም እዋኑ ናብ በዓለ ልደተ እንሰጋገረሉ ዘመነ ምጽኣት ምዃኑ እውን ጠቒሶም፡ ቤተ ክርስቲያን ነቒሓን ተጊሃን ብጸሎትን ኣገግሎትን ነቲ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥሩ ብፍላይ ኣብ ድኹማትን ሕዙናን ድኻታትን ዝተነጸሉን ዝተናዕቁን ህልው ኰይኑ ንኽራኸበና ዝመጽእ ጐይታ ከተእንግድን ከነአንግድን እንሰናደወሉ ቅዱስ እዋን እዩ፡ ንኢየሱስ ንምራኽ ብሓባር እንጓዓዘሉን እምነት ብቓልን ሕይወትን እንምስክረሉ ብፍላይ ከኣ እምነት ክርስትና ሃልዮ ዘይኰነስ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ማለት ምዃኑ እንምስክረሉ እዩ ዝበሉ ብፁዕነቶም ናይ ዕለቱ ወንጌል ምብጻሕ ቅድስቲ ማርያም ንኤሊዛበጥ ዘዘንትው ብምዃኑ፡ ማርያም ብእምነት ተደሪኽና እቲ ድኻን ትሑትን ኰይኑ ዝመጸ መድሕን ንኸነበስርን መንጐ ኣህዛብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነለልይን ንኸነቕርብን ማርያም ኣብነት ኣያ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ማርያምን ጳውሎስ ሻድሻይን

ር.ሊ.ጳ. ካብ ሮማ ወጻኢ ካብቲ ድሙቕን ኵለን መራኸቢ ብዝሃን ኣተኵሮ ዝገብራሉ ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓዲጐም ኣብ ታሮንቶ ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ኣብ ወሰናስን ከተማታን ህልውናን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ዝደረዀም፡ መንፈስ ማርያም ምዃኑ ገሊጾም፡ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ኣቦን ጓሳን ሓውን ዓርክን ኵሉ፡ ቤተ ክርስቲያን ክንየው ርሑቕ ዘይኰነስ ከም መስራቲኣ ኣብ መንጐ ሕዝቢ ምዃና ዝመስከሩ፡ መንፈሳውነት ምብጻሕ ማርያም ዝነበሩ እዮም እንክብሉ ገሊጾም፡

ሓዋርያዊ መገሻታት ጳውሎስ ሻድሻይ

ነቲ ብመልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ካብ ሃገረ ቫቲካን ርሑቕ ንዝርከብ ሓው ክበጽሑ ዝወጹን ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ክራኸቡ ብፍላይ ናብቶም ድኻታትን ዝተናዕቁን እተብል ቤተ ክርስቲያን ዝመስከሩ ኢየሱስ ንኹሉን ናብ ኩሉን ስፍራ ምዃኑ ከም ናዝራዊት ማርያም ዝተጓዕዙ እዮም ቢሎም ከምዝገለጽዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ

ቅርበት ቤተ ክርስቲያን

ናይ ሕዝቢ ፍርሕን ስቓይን ዕለታዊ ጽንኩር ኩነትን ናታ እትገብር ቤተ ክርስቲያን፡ ብጓሶታን ሰባኽያንን ልኡኻታን ኣቢላ ቤተ ክርስቲያን ሰብኣዊ ፍጡር ናይ ምህርትን ናይ ኤኮኖምን ዕማም ወይ ገቢር ከምዘይኰነ ተረጋግጽ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ንትርፋ ትርፍን ንጣዖት ሃብቲ ገንዘብን ክስዋዕ ከምዘይብሉ ተስተምህር፡

ስራሕን ጥዕናን ምዝማድ

ብፁዕነቶም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ብዛዕባ ምህዳርን ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን እውን ኣልዒሎም፡ ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ተፈጥሮን እቲ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል ከይዲ ኤኮኖሚ ዘስዕቦ ዘሎ ውድመትን ብከላን ክሳብ ክንደይ ከቢድን ሳዕቤን ዝተፈላለዩ ጸገማት እውን ምዃኑ ሓቢሮም፡ ስራሕን ከባብን ጥዕናን ዝሙድ ከይኑ ክስትውዓል ይግብኦ ቢሎም፡ ተቐባልነት ዘለዎ ከይዲ ኤኮኖምን ምዕባለን ክኡል ምዃኑ ዝተፈላለዩ ተበጽሖታት ስነ ምርምራትን ዕደ ጥበባትን የመላኽቱ፡ ስለዚህ ሰብኣዊ ፍጥረትን ከባብን ብሓፈሻኡ ምህዳርን ዘይሃስይ ከይዲ ምዕባለ ምንባር ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ እውን ኣብ ከተማ ታራንቶ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ ከምዝበሉ የመላኽት።

ብፁዕ ክርዲናል ፓሮሊን ነቲ ካብ ዕለት 20 ታሕሳስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ታራንቶ ኣትዮም ኣብ እናቴ ማርያ ማዛረሎ ኣብቲ ሓወልቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተነብሮ ምኣደባባይ ምብጻሕ ኣካይዶምን ሓጺር መደብ ጸሎት መሪሖምን ነቲ ከባቢ ባሪኾምን ኣብ ቅዱስ ማሲሚሊያኖ ኰልበ ተረኺቦም ናይ ታራንቶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሳንቶሮን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ምእመናን ዘሳተፈ ሊጡርጊያ ቃል ኣምላኽ መሪሖምን ሰበገስዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕለት 23 ታህሳስ 2018 ዓ.ም. ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዛዘሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

24 December 2018, 13:36