ድለ

ሓድሽ ስምየት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓድሽ ስምየት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት 

ሓድሽ ስምየት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት

ንዝበለጸን ምዕቡልን ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሃን ቅድስቲ መንበር

ዕለት 18 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ኣሰናዳኢ ርእሰ ዓንቀጽ ሓድሽ ዋና ኣመሓዳርን ከምኡ እውን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ሓድሽ ዋና ኣመሓዳሪ ከምዝሰመዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ የመልክት።

ቅዱስነቶም ኣንድረያ ቶርኒየሊ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ኣሰናዳኢ ኣርእስተ ዓንቀጽ ዋና ኣመሓዳሪ ንኽዀኑን ክምኡ እውን ኣንድረያ ሞንዳ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ/ኣመሓዳሪ ንኽዀኑ ከምዝሰመዮም ዝሓበር ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥  ነቶም ናይ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዋና ኣሰናዳእን ኣመሓዳርን ኰይኖም ዝገልገሉ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ንዘብቅዑ ፕሮፈሰር ጆቫኒ ማሪያ ቪያን ቅዱስነቶም ልሂቅነቶም ዋና ኣመሓድሪ ዝብል ናይ ክብሪ መጸውዕ ስም ይግብኣኩም እንክብሉ ከምዝሃብዎም ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዋና ኣሰናዳኢ ኣርእስተ ዓንቀጽ ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ ኣብ ኢጣሊያ ከፍለ ሃገር ቨነዚያ ከተማ ኪዮጃ ዕለት 19 መጋቢት 1964 ዓ.ም. ዝተወልዱን ብስነ ታሪኽን ስነ ቋንቋ ግሪክ ሊቕነት ዘመስከሩን ምስ መጽሔት 30 ጆርኒ በሰናዳኣነት ካብ 1992 ክሳብ 1996 ዓ.ም. ዘገልገሉን ካሳብ 1996 ክሳ 2011 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ኢል ጆርናለ ምስ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዜጠይና ኰይኖም ዘገልገሉን ካብ 2011 ዓ.ም. ንነጀው ጋዜጠይና ላ ስታምፓ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዜጠይናን ቫቲካን ኢንሳይደር ናይ እተሰምየ  ብ ላ ስታምፓ ዕለታዊ ጋዜጣ በዓል ቤትነት ዝመሓደር መርበብ ሓበሬታ ዋና ኣወሃሃሂ ኰይኖምም ዘገልገሉን በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ እውን እዮም።

ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሞንዳ ዕለት 22 መጋቢት 1966 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሮማ ዝተወልዱን በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓልን፡ ብስነ ሕጊ ሮማ ካብ ዝርከብ ላ ሳፒየንዛ መንበረ ጥበብ ዝተመረቑን ብስነ ሃይማኖት ስነ ምርምር ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ሊቕነት ዘመስከሩን ኣብ ናይ ቤት ምኽሪ ሮማ ጉዳይ ሕጊ ክፍሊ ባንካዊ ሕሳብ ኣብ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዝሰርሑን ካብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰን ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብን ብዛዕባ ስነ ክርስትናን ስነ ጽሑፍን ዓውደ መጽዕቲ ዝመርሑን  ኣቨኒረ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ዝርከብዎም ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣታት ጽሑፍ ኣቕራቢ ጋዜጠይናን ናይቲ ቺቪልታ ካቶሊካ እተሰምያ ናይ ኢየሱሳውያን ልኡከነ ወንጌል ማሕበር ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕትመት ጽማሬ ኣቕራቢ ኰይኖም ዘገልገሉን ኣብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ቲቩ2000 እተሰምየ ዘቕርቦ ቦንጆርኖ ፕሮፈሶረ እተሰየ መደብ ሃልዩኣውን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ስምየት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት
19 December 2018, 15:53